@habtomhabtom08: ከምቲ ብዛዕባ መሬት: "ናትና ኣይንህብን: ዘይናትና ኣይንደልን ! " ዝብል ጭርሖ ዘሎ: ኣብቶም ዘይናትና: ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ኢትዮጵያውያን እሞ ዓምጽ ዝፈጸሙ:ከም እኒ ብሩኬ ደስኣለኝ (Bruke Desalagne): ቶማስ መሳይ (Thomas Mesai) ወዘተ...ኣይናትናን እዮም: ኤርትራውያን ኣይኮኑን ኢልና: ካብቲ ገበኖም ንላዕሊ ዝያዳ: ነቲ ናይ ሓባር መንነትና: እቲ ኤርትራውነት ከይጽየቐና: እቲ መንነት ከይብለለና ኩቱር ተሰኪፍናስ: ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከይተረፈ: ዲፕሎማስያዊ ስርሑ ኣወንዚፉ: እዝም ገበነኛታት ኣይፈልጦምን እየ ! ኤርትራውያን ኣይኮኑን ! ክሳብ ዝብል: ክሳብ ክንድዚ ከይዱ..... እሞ በሉ: ካብ ለንደን ናይ 75 ኪ.ሜ. ርሕቀት ዘለዋ ኣብ ከተማ Brighton ዝቕመጥ: ወዲ 32 ዓመት: ሃኖክ ዘርኣይ(Hanok Zeray) ዝተባህለ ኤርትራዊ: ኣብ መጸበይ ኣውቶቡስ: ራሓቐለይ ! እናበለቶ ደጋጊሙ ክሕዛን ክተንኽፋን: ብሞባይላ ቀዲሓቶ: እቲ ቪድዮ ንፖሊስ Sussex ምስ ሃበቶም: ሃኖክ ዘርኣይ ( Hanok Zeray) ብፖሊስ ተታሒዙ: ድሕሪ ምትሓዙ: ካልኦት 6 ዝኾና ደቂኣንስትዮ: እዚ ውልቀሰብ ኣብቲ ከተማ ብተመሳሳሊ ኩነታት ናብኣተን እናተጸገዐ: ክተናኽፈን ከም ዝፈተነን ከም ዝሃደማን ንፖሊስ መስኪረን:: መጋባእያ (Brighton Magistrates’ Court) ኣብ ዝሃቦ ፍርዲ: ብ 6 ጾታዊ መጥቃዕቲ (sexual assault) ገበነኛ ኾይኑ ስለ ዝረኸቦ ን 8 ዓመትን 3ወርሕን ማእሰርቲ ፈሪድዎ:: ፍርዱ ምስ ወደአ ከኣ ተወሳኺ ን 5 ዓመት (extended licence period) ኣብ ክትትል ፖሊስ ክጸንሕ ተበይኑ:: ስለዚ ከምቲ "ናትና ኣይንህብን: ዘይናትና ኣይንደልን ! " ዝብል ጭርሖ ዘሎ: እዚኸ ንመን ንሃቦ ?! ዘይናትና ገበኛታት ኣይንደልን: እቶም ናትና ገበነኛታት ኸኣ ንኻልኦት ኣይንህብን! ኤበ ! እቲ ሽግር: ኣብ ኢትዮጵያዊ: ኤርትራዊ ወዘተ...ኣብ ዓሌት ዘይኮነ ዘሎ: እቲ ሽግር ኣብቲ ምድሓን ዘድልዮ: ኣብቲ ዝወደቐ #ዓሌት_ሰብ እዩ ዘሎ:: ሆሳእና ! ኦ ! #ጎይታ ! ኣድሕን ኮታ ! HenG.
ንስሪ 🦅🦅🦅👑🙏
Region: DE
Wednesday 02 September 2026 15:49:00 GMT
Music
Download
Comments
walta hager :
gelekum si meheferat ikum abkedmi amlak
2026-09-02 16:11:51
39
Wedi meley 💚💚💚💚💚 :
My sister ya 🤣🤣🤣🤣
2026-09-02 22:03:36
1
👸🏽ቀንዴል🌸🦋 :
mehferat foe
2026-09-02 19:52:13
15
yons :
sister tbla gold mn ya
2026-09-02 20:47:34
0
Marika Maria :
እዋይ ጉድ
2026-09-02 17:30:30
0
Fethi :
Zehzin eyu
2026-09-02 19:42:07
0
Life is Fickle 🏋️♂️ :
kehqqwo eyom😳
2026-09-02 19:38:49
0
🧃🧃🌊🐬 :
z amexe z teamexe z mete z mete beqa kulu eritrean eyu zxwa ab Europe gud ko rekibna 12 amete teqemitna kemzi aysemanan lomi gen🙏😢
2026-09-02 23:08:09
0
me :
እንታይ ክዕምጽ
2026-09-02 21:13:16
0
@£ :
my sister ke dea😂
2026-09-02 22:26:44
0
God is good ✝️🇪🇷🇪🇷🇪🇷💫 :
እዋይ ጉድ 🥲🥲🥲
2026-09-03 00:28:48
0
@gmail G...T :
ኣድዮ
2026-09-02 21:19:24
0
Peace🇪🇷✝️🦋 :
Nezi ikum ezi kulu sahran bahrn segierkum tmexu 😢
2026-09-02 18:17:27
8
log out :
abet dnkurna ab adu zlemedo🤭🤭
2026-09-02 17:34:29
9
ጽልመታይ💪🏻🤍🏳 🤍 :
በጃዂም ጸዓዱ ጸሊኦምና ኣለዉ ንጠንቀቅ ንጠንቀቅ
2026-09-02 18:40:46
7
THE FILON :
ናትና ምዃኑ ብምንታይ ፈሊጥካ?🤔
2026-09-02 21:57:54
0
Adyo 525 :
nihlfet esrwo
2026-09-02 16:53:52
3
Ik vertrouw geen mensen meer። :
በጃኹም ተጠንቀ
2026-09-02 20:38:14
0
samiel :
ክእሰር ኣለዎ 😁😁😁
2026-09-02 21:22:26
0
Good to know :
Normal don’t judge who knows she tricks him
2026-09-03 00:38:05
0
To see more videos from user @habtomhabtom08, please go to the Tikwm
homepage.