@11tigray21: @ፈታዊ ለውጢ copy ካባኻ!🤗🤣 “ናብ መቐለ ምምፃእ ዶንግያ እያ ዘላ። ኣብዚ ሕማቕ እዩ ዘሎ” - ጀነራል ጉዕሽ ገብረ “ብምኽንያት ኣኼባ ዝጠፍእ ዘለኹ ተኾይነ ኣኼባ ኣቋሪፀ ዋላ ክመፀኪ እየ” - ጀነራል ጉዕሽ ገብረ እዛ ኣኼባ ኣቋሪፅካ ምኻድ ግን ልማድ ድያ ? ከመይ ኢሉ ሓደ ዓብይ ጀነራል ዝኣክል ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኢሉ ኣኼባ ኣቋሪፁ ዝኸድ ? ሓደ ጀነራል እኮ ዓብይ ሃገራዊ ኣጀንዳ ዝዛተ እዩ። እዚ ዘተ እዚ ገዲፉ ይኸድ ማለት ድዩ ? ከም ኣጋጣሚ እዛ ድምፂ እዚኣ ሰሚዕናያ እምበር ካልኦት ቡዙሓት ኣኼባታት እውን ተቛሪፆም ይኾኑ እዮም። ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ካብቶም ኣዝዮም ዝፈትዎም ጀነራላት እዩ ነይሩ። ክሳብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸድ ዋላ እውን ተኣሲሩ እናሃለወ የኽብሮን ይፈትዎን እየ ነይረ። ሎሚ ናይ ሎሚ ኮይኑ ብናይ ትማሊ ቃልሱ ግን ሐዚ እውን ክብሪ ኣለኒ። ናይ ሎሚ ግን ናይ ሎሚ እዩ። እዚ ክሰምዕ ከለኹ ብጣዕሚ ይሓዝን። ኣብዚ ናይ ስልኪ ልውውጥ “ምስ ሓውካ እውን ተራኺብና ኢና። ዘይደወልና ኣኼባ ስለዝነበርካ እዩ” ምስ በለቶ “ወዳዲእኽምዎ ዲኹም ገና ?” ኢሉ እዩ ሓቲትዋ። እታ ዝውድእዋ ነገር ግን ኣይተገለፀትን። እንታይ እዮም ክውድኡ ? ዝብል እዝጊ ይፍለጦ። ኮይኑ ግን ጀነራል ጉዕሽን ሓውን እውን ከም ናይ በየነ መክሩ ምስ እዛ ጓል ዝውድእዎ ዝኾነ ቢዝነስ ወይ ንብረት ወይ ካልእ እንየ እዩ ማለት እዩ። ጀነራል ጉዕሽ “ትወዳድእዎ ዶ ኣለኹም?” ምስ በላ ግን እታ ጓል “ይወዳዳእ ኣሎ እዩ” እያ ኢላቶ። ንሱ እውን “በቃ እሞ ኪዱ” ኢልዋ። እቲ ሓው ኣብ ናይ ቢዝነስ ስራሕ ዘሎ ሰብ እዩ። ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ብህወሓት ዝሓለፈን ምስ ህወሓት ዝሰረሐን ሰብ እዩ። ይሕመቕ ይፀብቕ ምስ ብፆቱ ኮይኑ ተቓሊሱ እዩ። ምስ መራሕቲ ህወሓት ኮይኑ ተቓሊሱ እዩ። ነዚኣቶም ምስ ካልእ ናይ ደገ ሰብ ኮይኑ ክሓምዮምን ክፀርፎምን ከም ምርኣይ ግን ዘሕፍርን ነገር የለን። ክብሪ ብፆትካ ዝበሃል እኮ ኣሎ። ካብ ሓደ ዓብይ ጀነራል ከምዚ ትፅቢት ኣይግበርን። ትማሊ ምስኡ ሕማቕን ፅቡቕን ዘሕለፉ ብፆቱ ምስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኮይኑ “ኩሎም ሕማቓት እዮም” ብምባል ክፀርፎምን ክሓምዮምን ምርኣይ ንዓይ ካብቲ ትማሊ ዘኽብሮ ዝነበርኩ ጀነራል ትፅቢት ዘይግበር እዩ። (ተፃራፋይ ዝብልዎ ዘለው እኳ ንተስፋይ ታደሰ እዩ) ምስ ኮ/ል ንጉስ (ወለጋ) ኣተሓሒዛ ዝተዛረበቶ እኳ መሕፈሪ እዩ። ከመይ ኢሎም ብፆት ዝኣኽሉ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ክልቲኦም እናዋገዐት ትሽውዶም ? ኣብ ካልእ ዘይተለጠፈ ናይ ወለጋ ድምፂ ድማ ብዛዕባ ጉዕሽ ካልእ እያ ትዛረብ። እቲ ድምፂ ኣብ ዝቕፅል ክልጥፈልኩም እየ። ብዝኾነ ግን መሕፈሪ እዩ። (ሱቕ ኢለ ክሰግሮ) ብዛዕባ እቶም ካልኦት ነበር ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝዛረቦ ዘሎ እኳ ሓውሲ ቀልዲ እዩ። ካውኡ ቀፂላ ትሓቶ ድማ ብዛዕባ ኣኼባ ምእታውን ምውፃእን እዩ። ከይዳ ከይዳ ትሕቶ ሕቶ ብዛዕባ ኣኼባ እዩ ኣብ ሕድ ሕድ ስልኪ ዝርርብ። ሕድ ሕድ ዝኣትውዎን ዝውድእዎን ኣኼባ ሪፖርት እዮም ዝገብሩ። ኣኼባታት ንደገ ሰብ Online ይዝረቡ ማለት እዩ። ኣብ መቐለ ዝካየዱ ዝነበሩ ኣኼባታት ሰራዊት እውን ከምኡ ማለት እዩ። ብዛዕባ ጀነራል ታደሰ ኩሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለው ጀነራላት ክዛረቡ ከለው ድማ ይፀርፍዎን ይባጭውሉን እዮም። ኩሎም ብማዕረ ዝፀርፍዎ ንምንታይ እዩ ? “ጀነራል ታደሰ ኣይወርድን ይብል ኣሎ” ምስ በለቶ “ኣይወርድንያ...ጎቲቶም ከውርድዎ እዮም። ተስፋ እማ ኣይቑረፅ ክሳዕ ዝጎትዎ” ብምባል ንጀነራል ታደሰ ከባጭወሉ እዩ ዝስማዕ። እታ ጓል “ናብ መቐለ መዓዝ ኢና ክንኣቱ” ምስ በለቶ ድማ ጀነራል ጉዕሽ “ዶንግያ እያ እንያ” ኢሉ ዝተዛረባ ግን ብጣዕሚ እያ ኣስሒቓትኒ 🤣 ካብ ህዝብኻ ወፂእኻ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ተኾይንካማ ክትድንጉየካ እያ እምበር ታይ ድኣ ኣያዋ። ኣብ ዓድኻ ምስ ህዝብኻን ብፆትካን እዩ ጥዑም ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ክሳብ ሐዚ ናብ መቐለ ንምእታው ዝደንጎየሉ ምኽንያት ክገልፅ ከሎ ድማ “ምርጫ ግዛዕምዛዕ እንድዮም እናበሉ ሕማቕ እዩ ዘሎ። ሕማቕ እዩ ዘሎ. ...ሕማቕ እዩ ዘሎ” ብምባል የስቆንቁን። ሎሚ መረፃ ሓሊፉ እንየ። ናብ መቐለ መዓዝ ከም ዝመፁ ኣብ ዝቕፅል ክነግሩና ትፅቢት ይግበር😜 እዛ “ጠስጣስ ኣረጊት” ትብል ግን ንኹላቶም ድያ ትጥቀመላ ? ጠስጣስ ኣረጊትያ¡ 😂 #😂 #🤣 #share #copylink #viralvideos
ጓል ስብሓት ነጋ (ጓልቶም ሰብ ስረ)
Region: IT
Tuesday 08 September 2026 10:49:12 GMT
Music
Download
Comments
Henok BG 🦅 :
ጉጅለ ክሕደት ሎም ዘበን 😂😁
2026-09-08 11:05:07
6
ወዲ ሰሓርቲ ሳምረ 💊💊👈💪 :
2026-09-08 16:33:34
0
ÃBÎŤi T,D,F✞21🥷🔰 :
2026-09-08 12:49:21
0
ትግራይ ኣበይ ኣላ 💊 :
😁😁😁😁
2026-09-08 12:15:03
0
ወዲ ኣሕፈሮም☦️ :
🤣🤣🤣🤣🤣🤣
2026-09-08 10:53:11
0
ወዲ ኣብርሃ2️⃣7️⃣🔰🔰 :
😂😂😂😂😂😂😂😂😂
2026-09-08 16:48:35
0
To see more videos from user @11tigray21, please go to the Tikwm
homepage.