@umybistar: 👉ሰባት ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘለካ ኣተሓሳስባ ወይ ጠባይ ምቕያሩ "የስተብህሉ" እዮም፤ ግን ነቲ ምቕያር ጠባይካ ከምኡ ክትኸውን ዝገበረካ ናቶም ሕማቕ ባህሪ ወይ ኣተሓሕዛ "ኣየስተብህሉሉን" እዮም ። 👉​መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ ናቶም ጉድለትን ጌጋን ክኣምኑ ይኸብዶም እዩ። ሓደ ሰብ ንዓኻ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ እንተ ኣርእዩካ (ምስኡ ዝነበረካ ምቅርራብ ምቕናስ፣ ምግላል፣ ወይ ዝሑል ምላሽ ምሃብ)፡ ንሱ ዝርእዮ ነቲ ናታቶም ዘይግቡእ ግብሪ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሳዕቤኑ ዝኾነ ናትካ ናይ ጠባይ ምቕያር ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ናቶም ጌጋ ምእማን ጥፍኣተኝነት ስለ ዝስምዖም፡ ነቲ ሕማቕ ወገን ናብኡ ከየቕንዕዎ ይመርጹ። ​ 👉​ሰባት ምስኦም ክትህሉ ከለኻ፡ ነቲ እተራእዮም ሕያውነቱ፣ ሓልዮት፣ ወይ እምነት ከም ሕጊ (ቅቡል ነገር) ገይሮም እዮም ዝወስድዎ። 👉​ነቲ ብጽቡቕ ዝገበርካሎም ነገር ከም ናቶም መሰል ገይሮም ይርእይዎ። 👉​ነቲ ሕያውነቶም ዘየመስግኑሉ ባህሪ ምስታ እዋን እቲኣ ከም ዘላ ይቕጽልዎ። ​እቲ ንስኻ እተራእዮም ለውጢ ግን ነቲ ተላመድዎ ሕጊ ስለ ዝሰብሮ፡ ብኡንብኡ “ተቐይሩ”፣ “ተበላሸዩ”፣ ወይ “ኣረመነ ኮይኑ” ኢሎም ይፈርጁኻ። ​ ​ ሰባት ብዛዕባኻ ዘለዎም ኣረኣእያ ሓቀኛ ዘይምዃኑ ​ንስኻ ጠባይካ ወይ ኣተሓሕዛኻ እትቅይር ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፤ ነቲ ዝበጽሐካ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፣ ምግሃስ ዶባትን፣ ዘይምኽባርን ተረዲእካ ነብስኻ ንምክላኸል እዩ። ​እቲ ብስምዒት ወይ ብባህሪ እትወስዶ ስጉምቲ፡ ውጽኢት ናይቲ ንነዊሕ እዋን ዘሕለፍካዮ ሕቡእ ቃንዛ ወይ ትዕግስቲ እዩ። ​ ​ናይ ሰባት ወቐሳ ኣየስደምምካ ሰባት “ተቐይርካ” ኢሎም ክወቅሱኻ ከለዉ፡ “ኣነ ስያመይ ጥራይ እየ ዝቕይር ዘለኹ፣ ንሳቶም ግን ነቲ ምኽንያት ዘስዓበ ጠባዮም እዮም ዝሓብኡ ዘለዉ” ኢልካ ተረዳኦም። ​ዶባትካ ምሕላው ሓደስቲ ጸላእቲ የፍሪ ነብስኻ ክትሕሉን ዶባትካ ክትሕዝን ከለኻ፡ ነቶም ብኣኻ ክጥቀሙ ዝጸንሑ ሰባት ከተሕረቖም ተፈጥሮኣዊ እዩ። 👉​ነብስኻ ኣይትቅጻዕ ሰባት ነቲ ንዓኻ ዝጎድኡሉ ነገር ኣይረኣዮምን ማለት ንስኻ ተበላሺኻ ማለት ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ነብስኻ ንምኽባርን ንምሕላይን እትወስዶ ዝነበረ ናይ ምብሳል ስጉምቲ እዩ።

um ybi star
um ybi star
Open In TikTok:
Region: SA
Tuesday 08 September 2026 12:08:49 GMT
3945
174
2
30

Music

Download

Comments

user55498329
rahel🔐📚 :
behaki
2026-09-08 15:32:05
1
finan.weldu
Xewag gize :
ነቲ ብጽቡቅ ዝገበርካሎም ነገር ከም ናቶም መሰል ገይሮም ይርእይዎ🤜🤛 👌👌
2026-09-08 15:45:00
0
esu.esu75
𝑚𝑒𝑟𝑎 :
☑️☑️☑️☑️☑️☑️☑️👍👍👍
2026-09-08 13:18:43
0
To see more videos from user @umybistar, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About