@r1651371: ........... ሓደ መንእሰይ ንኽምርዖ መዓልታት ምስ ተረፎ ወላዲቱ ብድንገት ካብዛ ዓለም ብሞት ትፍለ::እቲ መርዓ ንዓመታ ተሰጋገረ ንመርዓ ዝተዳለወ እኽለማይ ድማ መሕለፊ ሓዘን ኮነ::ዘይበጽሕ የለን ዓመት ኣኺሉ ዝተቖጽረ ዕለተ መርዓ በጽሐ::እቲ መንእሰይ ድማ ምስታ ዘፍቅራ ሕጽይቱ ተመርዓወ::ብድሕርዚ ድማ ኣቦ መርዓዊ ኣብ ገዝኦም ንበይኖም ክተርፉ ተገደዱ:: ምኽንያቱ ድማ ድሕሪ ሞት በዓልቲ ቤቶም እቲ መርዓዊ እቲ እንኮ ዉላዶም ብምንባሩ::እቲ ወዶም ድማ ድሕሪ ምምርዓዉ ምስ ሰበይቱ ንበይኖም ሓዳሮም ፈልዮም ክነብሩ ብምጅማሮም እዩ::ወዶም ሓደ ሓደ ግዜ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ንበይኑ ናብ ቤት ኣቦኡ እናተመላለሰ ደሃይ ኣቦኡ ይገብር ነበረ::እታ በዓልቲ ቤቱ ድማ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ንኣቦኡ ንላዕሊ ንስድራቤታ ክግደሰሎምን ክበጽሖምን ተገድዶ ነበረት:: በዚ መንገዲ እዚ ሓሙሽተ ዓመታት ሓለፈ::እቲ ምስኪን ዓቢ ሰብኣይ ድማ ብሕማም ተዳኸመ::እቲ ወዱ ድማ ብኩነታት ኣቦኡ ተሻቐለ::ንኣቡኡ ድማ ምስኡ ወሲዱ ክኣልዮም ከምዝኽእል ንገዝኡ ክወስዶም ከምዝደሊ ለመኖም::ብሰይቲ ወዶም ተቐባልነት ዘይብሉ ጋሻ ከይኮኑ ሓዳር ወዶም ድማ ኣብ ሓደጋ ከይወድቕ ብምፍራሕ ምስኡ ምቕማጥ ኣበይዎ::ድሕሪ ብዙሕ ልመናን ምምልላስን ግን እቶም ኣቦ ንሓሳባት ወዶም ኢዶም ክህቡ ተገደዱ እሞ ዝተረፎም ዓመታት ምስ እንዳ ወዶም ከሕልፉ ምስኦም ምንባር ጀመሩ:: እቶም ኣቦ ኣብ እንዳ ወዶም ክነብሩ ካብ ዝጅምሩ ንሰበይቲ ወዶም ደስታ ሓጎስ ረሓቓ::ክልተ ዓይነት ምግቢ ክትሰርሕ ጀመረት ዝበለጸ ንዕኦም ነቶም ኣቦ ድማ ከም ሻሙ::እቶም ኣቦ በይኖም ምብላዕ ዝኸብዶም እኳ እንተነበረ ምስ ደቆምን ደቂ ደቆምን ብሓንሳብ ክምገቡ ግን ዝፍቀዶም ኣይነበረን::ናይ ኣብኡን ብናይ በዓልቲ ቤቱን ኩነታት ዝሓርበቶ ወዶም ብክልተ ማዕበላት ክናወጽ ጀመረ ምስ ኣቦይ ድየ ክዉግን ዋላስ ምስ ሰበይተይ!!! ኣብ ከምዚ ኩነተት ከሎ ሰበይቱ ሓደ ሓሳብ ኣቕረበት ንሱ ከኣ ስለምንታይ ሰበይቲ ዘይነምጸኣሎም ንሳ ምኣለየቶም ንሕና ከኣ ሰላምና ምረኸብና በለቶ::ወዶም ድማ ኣብዚ ዕድመ እዚ ኣቡኡ ተመርዕዮም ክነብሩ ከምዘይክእሉ ብምርዳእ::ሓደ ነገር ጥራይ ክዉስን ከምዘለዎ ዝተረደአ::ናብቲ ኣለይቲ ዘይብሎም ሽማግለታት ዝቆብሉ መዕቆቢ እንዳ ዓበይቲ ክወስዶም ገበሮ ድማ ንኣቦኡ ናብኡ ኣረከቦም::እቲ መንእሰይ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ብፍቕርን ሓልዮትን ክንክንን ሓደ ከም ሓሙስ እናበለ ዘዕበዮ ገዛእ ወላዲኡ ብገዛእ ኢዱ ናብቲ ክኣትዎ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ መእለይ ኣብጺሕዎ ክምለስ እንከሎ ምስ ገበታ ንብዓቱ ነበረ:: ድሕሪ ሰሙን ንኣቡኡ ናብቲ መእለይ ድሕሪ ምርካቡ ደሃይ ኣቡኡ ክገብር ናብቲ ቦታ ምስ ከደ::ኣቡኡ ጽሑፍ ዘለዋ ንእሽተይ ወረቐት ገድፎምሉ ብሞት ተፈልዮም ጸንሕዎ::እቲ ጽሑፍ ድማ ከምዚ ይብል ነበረ:: ወደየ!!!ካብ ዘሕለፍክዎም ኩሎም ምሩጻት ግዜታት እቲ ካብ ስራሕ ክኣቱ እንከለኹ:ናብ መደቀሲ ክፍልኻ ኣትየ ዝተማላእኩልካ መጻወትታትን ካልእ ጽቡቕ ነገራት ክህበካ እንከለኹ እዩ:: ወደየ!!!ካብ ዘሕለፍክዎም ምሩጻት ግዜታት ደስ ዝብለኒ ነዓኻ ምሕንባስ ከላምድ ተሰኪመካ ናብ መሐንበሲ ክኣቱ እንከለኹ እዩ:: ወደየ!!!ኣብ ህይወተይ ካብ ዘሕለፍክዎም ምሩጻት ግዜታት ኩሉ ደስ ዝብለኒ ህጻን እንከለኻ ሒዘካ ናብ ቤት ጽሕፈተይ ክኸይድ እንከለኹ ዝጠቕሙኒ ናይ ስራሕ ወረቓቕቲ ክትቀዳድደለይ እንከለኻ ብፍቕሪ ፍሽኽ ኢለ ክሪኤካ እንከለኹ እዩ:: ወደየ!!!ኣብ ህይወተይ ካብ ዘሕለፍክዎ ምሩጻት ግዜታት ደስ ዝብለኒ ኣነ ዝኣረገ ልብሲ ለቢሰ ኣብ ጁባይ ዘሎ ኩሉ ገንዘብ ኣውጺአ ነዓኻ ደስ ዝበለካ ልብሲ ገዚአ ጸቢቕካ ክሪአካ እንከለኹ እዩ:: እዚ ወደይ ሕጂ እዉን ነዓኻ ኣይወቅስን እየ::ነገር ግን የዒንተይ ብንብዓት መሊኡ ነዚ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት ናተይ መወዳእታ ከምዚ ክኸዉን ኢለ ሓሲበ ስለ ዘይፈልጥ እየ::ናይ ህይወተይ መፈጸምታ ኣብ ሑቕፎካ ክኸዉን እዩ ኔሩ ትምኒተይ ግን ኣይኮነን::ካብ ዘፍቅረካ ኣቦኻ::እቲ መንእሰይ ነቲ ጽሑፍ ኣንቢቡ ምስ ወድአ ብኽቱር ጓሂ ንብዓቱ እናርገፈ ከልቅስ ጀመረ:: 👉ስለዚ ክቡራት ኣሕዋት እቶም ናይ ሕጂ መንእሰያት ናይ ጽባሕ ኣቦታትን ኣዴታትን ክንከዉን ኢና(ኣቲ ናይ ሎሚ መርዓት ጽባሕ ትኾኒ ሓማት)ከም ዝበሃል እቲ ጽባሕ ብደቅና ኣባና ክፍጸም ዘይንደልዮ ሎሚ ኣብ ወለድና ወይ (ሓሞና:ሓማትና)ከይንፍጽሞ ክላቦ እደሊ:: 👉ብህይወት ክሳብ ዘለኹም ንኣቦኹምን ኣዴኹምን እንዳ ኣገልገልኩምን እንዳ ተኣዘዝኩምን የንብርኩም::ደው ኢልና ንሕሰብ:: ካብ ከምዚ ዓይነት ጣዕሳ እግዚኣብሄር ይሰዉረና::🙏 እግዚኣብሄር ሓይሊ ፍልጠት ኣእምሮ ልቦና ይሃበና🙏
🤔🤔COንFUዝED🤔🤔
Region: KE
Wednesday 09 September 2026 17:03:30 GMT
Music
Download
Comments
fekar gal agame :
ካብዚ ብዙሕ ተማሂረ ኣለኩ ከምዚ ከማይ ሓደ ሓደ ክትማሃሩ ሉ ተስፋ ይገብር 🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-09 19:13:10
65
filimonhslase :
ብሓቂ ዓብዪ ትምህርቲ 🙏🙏🙏
2026-09-09 18:24:43
27
Mizu ymaryam Lij✝️ :
ብሓቂ ዓቢ ትምህርቲ እዩ[Red heart]
2026-09-13 10:53:12
0
እምነተይ ንፈጣሪ ልበይ ንፍቅሪ 🫶✌️💋🤌 :
ኣነውን ብሓቂ ብዝሕ ተማሂረ ኣለኩ 🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-10 00:49:50
2
astu life 💥 :
አብ ፍርቂ ምስ በፃሕኹ😢 ሕማቅ ስምዒት ተሓዋወሰ ንብዓት ምስ ሕርቃን ፈጣሪ አቦይ አብ ፈተና አይተእትወኒ🥺😢🙏🙏🙏🙏
2026-09-11 17:19:27
3
brhan gal hawzen :
እፍፍፍፍፍፍፍፍፍፍ ልቢ ዝትንክፍ ዓብዪ ት/ቲ ንወላዲካ ክብሪ ይግብ
2026-09-11 10:21:31
2
selu😎 :
bnbat darga aynbebkuwan btaemi eya tgerm gn amlak aboy kab kemzi aynet ysewreni🙏🙏
2026-09-11 07:44:42
1
Mussie tttttt :
ኣሜን ቃለ ሂወት ይስማዓልናኣ 🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-11 20:56:40
1
ፈቃር የ! ንዘፍቅረኒ 🇨🇭‼Ⓜ👑✌ :
ናይ ባሓቅ 🙏😢
2026-09-10 09:28:35
1
𝙤𝙣𝙚 𝙙𝙖𝙮🙏🎧🎼 🦅 :
ኣሜንን።❤❤❤#
2026-09-11 11:28:47
2
𝑚𝑦 𝑑𝑒𝑎𝑟 👑🥀💞💋 :
nay behbqi weladi kbur eu🙏🙏💞
2026-09-10 07:40:24
1
gual keren :
ናይ በሓቂ ዓባይ ትምህርቲ እያ 🥰🥰🥰🥰🥰
2026-09-10 08:55:13
1
ከይርሳዕ ከይድገም :
ኣሜንንንንንንንን
2026-09-10 07:16:09
1
ሊሊየ ምስ በልኩ እየ :
እፍፍፍፍፍፍ
2026-09-10 01:04:23
1
Hope :
kbid eu kab xbah mteas ydhnena ftari
2026-09-09 22:19:07
2
timu :
ufffff kabzi adhnena 🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-09 19:04:59
1
tewelde tewelde :
አሜን
2026-09-12 01:54:23
1
briye :
ብጣዕሚ ምሃሪት እያ🙏🙏🙏🙏
2026-09-10 17:00:32
1
miki lewah eritrawi :
xbuk melekti bro 🥰🥰🥰
2026-09-09 18:01:32
2
ንኺድ ጥራይ :
kabzi kamzi mgbar amlak yhlwna
2026-09-10 22:55:17
1
𝑤𝑖𝑧 ℎ𝑎𝑙𝑖𝑓 :
ቅድሚ ኣቦይን ኣደይንማ ሞት ይመርፅ😭😭😭😭😭
2026-09-09 18:58:51
1
tsadkan haftu :
ብጣዕሚ መሕዘንን መምሀርን ታሪክ እዩ ፈጣሪ ካብዙይ መሓረኒ 🥰🥰
2026-09-10 01:01:33
1
Brye ዓgaመtaዊ :
ብጣዕሚ እዩ ዝገርም ግን ኣነ ንኣቦይ ብጣዕሚ እየ ዝፈቱ ሕጂ ግን ከምቱ ዝተፅሓፈ ኣቦይ ናፊቀ ኣቦ ማለት 🙏🙏🙏
2026-09-12 05:42:39
1
Gebreslassie Muruts :
ኣሜን
2026-09-19 10:07:34
0
sari hafti fani :
amen
2026-09-10 08:04:24
0
To see more videos from user @r1651371, please go to the Tikwm
homepage.