@berhane_abraham: ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ስም ናይቲ ሃገር ዘምጽኤን ሃገር ይከላኸልን ዘሎ ውድብ ህ.ግ.ደ.ፍ ታሪኹ ንምዝንባዕ፣ ሓዲሽ ውድብ ድሕሪ 1994 ከምዝተፈጥረ ጌሮም ስም ናይዚ ውድብ ንምድዋንን ካብቲ ነጻነት ዘረጋገጸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምንጻል ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ክዛረቡን ክጽሕፉን ንዕዘብ ኣሎና። ብሓቂ’ኸ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካብ’ቲ ነጻነት ዘረከበ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ይፍለ ድዩ? ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ’ኸ ካብ ህዝባዊ ሓይልታት ኤርትራ’ኸ ይፍለ ድዩ? እዚ ሰለስተ ኣስማት በብግዚኡ  እንታይ ዕላማ ንምውቃዕን ስለምንታይን መጺኡ? እዚ ሰለስተ ኣስማት መድረኻዊ ኣጸዋውዓ ናይ ሓደ ውድብን ሓደ ዕላማን እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዕላማን ውድብን ሰባት ራሕሪሖሞ እንተኸይዶም ነቲ ዕላማን ኣምርን ናይቲ ውድብ ዝትንክፍ ኣይኮነን። ብ1970 ኣብ ውሽጢ ተ.ሓ.ኤ ብዝነበረ ድሑር ኣመራርሓ ኣርባዕተ ጉጅለታት ማለት ሰልፊ ነጻነትን ህዝባዊ ሓይልታት ቀዳማይን ካልኣይን ዑበሊንን ዕላመኣን ብምንጻር ካብ ተ.ሓ.ኤ ከምዝተፈንጨላ ኣፍሊጠን። እዘን ጉጅለታት ብመሪሕነት ጀብሃ ይህደና ስለዝነበራ ነብሰን ንምክልኻል ኣብ መጀመርታ ስሙር ግንባር ፈጢረን፣ ቀጺለን ድማ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ሓባር ተመኩሮ ብ1974 ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝብል መጸዋዕታ ሓደ ሃገራዊ ውድብ መስሪተን። ቀጺሉ’ውን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ሓባር ተመክሮ ዕላሙኡን መደባቱን ዝያዳ ብምንጻር ካብ ሓደ ሃገራዊ ውድብ ናብ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ውድብ ንምስግጋር ብ1977 ቀዳማይ ጉባኤኡ ኣቃኒዑ። ኣብ’ዚ ጉባኤ ንህዝብን መሬትን ደረጃ ብደረጃ ሓራ ንምውጻእ ዝብል ስትራተጂ ብምሕንጻጽ፣ ናይ ሓፋሽ ውድባት ማሕበራት፣ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፣ሰራሕተኛታትን ሓረስቶትን ተማሃሮን ክምስረታን ኣብ ሓራ መሬት ህዝባዊ ባይቶታት ንክቆማ ብምውሳን ነዚ ደሞክራስያውን ሃገራውን ዕማማት ንምክያድ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ዝብል ስም ኣብዚ ጉባኤ ተጸዊዑ። ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ነዚ ሃገራውን ደሞክራስያውን ዕማም ንምሕያል ሓደ ካብ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ብሳግም ዝፍለጥ ተኣኪቡ ዝነበረ ሰራዊት ወይ ውድብ ንምሉእ ሓድነት ብምርድዳእ ብ1987 ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣካይዱ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝብል ስም ድማ ከምዘለዎ ጉባኤ ኣጽዲቅዎ። ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ጉባኤታት ዝተሓንጸጹ መደባት ብግብሪ ስለዝተሰርሓሎም ድማ ኤርትራ ሃገርና ሓራን ሉእላዊት ሃገርን ክትከውን በቂዓ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ፣ ዕማም ሓርነታዊ ምንቅስቃስን ዕማም ምህናጽ ሃገርን ስለዝፈላለ መደባት ህ.ግ.ሓ.ኤ ክንጸር ነይርዎ። ስለ’ዚ ኩሎም ኣባላት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጥን ወጻእን ልዕሊ ሓደሽሕ ወከልቲ ዝተሳተፍዎ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ብሚያዝያ 1994 ኣብ ናቕፋ ተኻይዱ። ኣብዚ ጉባኤ ካብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ክሳብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ዝነበረ ኩነታት ተገምጊሙ፣ ዕማምን ሓላፍነት መንግስትን ግንባር ተነጺሩ፣ ብዙሓት መንእሰያት ዝሓቆፈ ሓዲሽ መሪሕነት ብምምራጽ ዕላማታትን ራእይን ህዝባዊ ግንባር ድሕሪ ነጻነት እንታይ ከም ዝመስል ሃገራዊ ቻርተር ብምስናድ ነዚ መድረኽ ዘንጸባርቅ ሓዲሽ ስም ክህሉ ብምውሳን ጉባኤ ብዓወት ተዛዚሙ። ኣብዚ ጉባኤ ከምዝዝከረኒ ናይ’ዚ መድረኻዊ ዕማም ስም እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ብቡዝሓት ሰባት ዝተፈላለየ ኣስማት ቀሪቡ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ብተጋዳላይ ሃይለ ወልደትንሳኤ(ድሩዕ) ዝቀረበት ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንክትከውን ጉባኤ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቅዋ። ስለዚ እዚ ሰለስተ መድረኻዊ ኣስማት ናይ ሓደ ውድብን ዕላማን ኣስማት እዩ። ሰባት ክመጹ ወይ ክከዱ ይኽእሉ እዮም፣ ህዝባዊ ግንባር ግን ነባርን ቀጻል እዩ። ህ.ግ.ደ.ፍ ድማ ብምርጫን ዕበትን ናይ ኩሉ ኣብ ጉባኤ 🇪🇷🇪🇷🇪🇷 ዝተዋህበ ስም እዩ። ግንባር ከም ስሙ ድማ ንብዝሕ ዝንባሌታት ዝሓቆፈ ጥርናፈ ስለዝኾነ ሙሉእነት ፍጹምነት ምጽባይ ወድዓዊ ኣይኮነን። ኣብ ናይ ቃልሲ ዳይናሚክስ እቲ መስርሕ ብግርጭታትንን ሓድነትን  እንዳተዋሃሃደ እዩ ዝኸይድ ። ስለ’ዚ “ህ.ግ.ደ.ፍ ኣምጺእኩምልና” ዝብል ኣዘራርባ ዝንቡዕን ዘይቅኑዕን ኣባሃህላ እዩ።          ግርማይ የማነ #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha #ارتريا_تيك_توك🇪🇷

berhane
berhane
Open In TikTok:
Region: IL
Thursday 10 September 2026 17:17:27 GMT
4027
262
31
31

Music

Download

Comments

abeltebebu1224
nohe :
🇪🇷ኤርትራ❤️❤️❤️❤️🇪🇷🇪🇷👌👌👌🙏🙏❤☂️☂️
2026-09-11 11:24:47
2
anemsasane
wetru hagerey :
2026-09-11 10:36:49
1
salihanjabba
صالح انجابا (Salih Anjabba ) :
الله ينعلك ويحشرك فى الآخرة مع اسياس افورقى
2026-09-11 01:41:27
0
heywot1234
Heywot siyoum❤🇪🇷❤️👈 :
2026-09-15 03:01:30
0
mesay.mesay.mesay7
mesay123 :
100% ሓቂ ❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2026-09-11 14:14:06
1
kem.kiefey30
mnbar :
yes
2026-09-11 05:44:18
1
amanuel.gebresila82
Amanuel Gebresilasse :
2026-09-12 16:57:11
0
yonasteklezgi
1473884427user :
yes
2026-09-11 08:49:46
1
kerter92
ከርተት 🇪🇷🇪🇷🇪🇷 ሻዕብያ :
444።🇪🇷🥀🇪🇷🥀🦅🇪🇷🇪🇷🇪🇷🦅🇪🇷🥀🇪🇷🥀
2026-09-11 20:33:45
1
muzitmuzit2
muzit muzit :
3+3+3=9ሓድነትና
2026-09-11 10:25:36
1
user8581759262749
1988 :
00000דדדדד
2026-09-12 03:58:40
0
po73850
po :
ezom eiyom
2026-09-12 14:18:40
0
million.ande
millionande6 :
🥰🥰🥰
2026-09-12 13:45:13
1
fthawikidane
fthawi :
🥰🥰🥰
2026-09-11 14:29:13
1
bahta.semere
bahta semere :
❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2026-09-11 21:29:26
1
alemfornaio
alem fornaio :
[Corona][Corona][Corona][Corona][Corona][Corona]🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷🇪🇷💪💪💪💪💪💪💪❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
2026-09-11 06:23:35
1
luwamasmerom
Luwam👸 gal asmera📚 :
❤️
2026-09-11 15:20:06
1
kebu521
Wedi Negash :
😍😍😍
2026-09-11 12:42:03
1
erifover
Done :
👑👑👑👑
2026-09-10 19:42:18
1
erifover
Done :
🥰🥰🥰
2026-09-10 19:42:22
1
omer.ali470
MO-S :
🥰🥰🥰
2026-09-10 17:46:34
1
dagi.man4715
Dagi Man :
🥰🥰🥰
2026-09-10 19:22:45
1
erifover
Done :
👑👑👑
2026-09-10 19:42:02
1
badimegemhalo
9876 :
♥️♥️♥️
2026-09-11 04:49:39
1
samuel.lemlem
Samuel LemLem :
💪💪
2026-09-11 02:40:31
1
To see more videos from user @berhane_abraham, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About