@kidanzelalem: "ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ" ከምዝበሃል፤ ትጽቢታትካ ነዊሖም ተስፋ ከየቚርጹኻ ምእንቲ፡ ትጽቢትካ ካባኻ ደኣ እምበር ካብ ደገ ኣይትግበሮ! ኣብ ህይወት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዘጕህየናን ዘዕርፈናን ባዕሉ እቲ ኩነታት ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት እነንብሮ ዓቢ ትጽቢት እዩ። መገድና ሰባት ክጎዓዙልና፡ ኩነታትና ድማ ብደጋዊ መደብ ክኸዱ፡ ወይ ድማ ካብ ደገ ሓግዚ ክመጸና እንተተጸቢና፡ መዓልታት ናብ ኣዋርሕ፡ ኣዋርሕ ድማ ናብ ዓመታት ይልወጡ እሞ፡ እቲ ነዊሕ ትጽቢት ንውሽጣዊ ሓይልናን ሓጎስናን እናምሃመኖ ብምኻድ ውሽጣዊ ሕማም እዩ ዝኾነና። ትጽቢትካ ኣብ ካልኦት እንተንቢርካ፡ ቁልፊ ሓጎስካ ኣብ ኢድ ካልኦት ኣረኪብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ካልኦት ሰባት ንትጽቢትካ ክመልኡልካ ምጽባይ፡ ንባዕሉ ዓቢ ናይ ወልፊ ሕማም እዩ። ስለዚ፡ ካብ ደገ ዝመጽእ ደገፍ ከም ተወሳኺ በረኸት ደኣ እምበር፡ ከም ቀንዲ መሰረት ህይወትካ ኣይትቆጽሮ። ትጽቢትካ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ግበር፦ ናይ ባዕልኻ ጻዕርን ውሽጣዊ ዓቕምን ኣለሊ። ስጉምታትካ ባዕልኻ ሰጉም፤ ድኻምካን ሓያል ጎንኻን ተቐቢልካ ድማ ናይ ህይወትካ ቀላሲ ባዕልኻ ኩን! ንኹሉ ነገር ናይ ባዕሉ ግዜ ከምዘለዎን ከምዘድልዮን ኣይትረስዕ። ስጉምታትካ ዘግምታ ይኹና ብፍጥነት ብዘየገድስ፡ ኣብ ናይ ውሽጣዊ ጸዓትካ ተኣመን! @ ዘፍጥረት

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Sunday 13 September 2026 16:59:33 GMT
4735
151
4
19

Music

Download

Comments

zeyadaabraham511
ምቅናይ :
Yes
2026-09-13 17:32:59
1
senayt8826
senayt 🥀🥀 :
eshi🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-13 18:58:49
1
rahwa609
ፈታዊት ሓዋ 👫❤💝 :
yes
2026-09-14 04:41:20
0
daniwedi09
ወዲ Emba🇧🇪 :
[Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming]
2026-09-13 17:27:58
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About