@kidanzelalem: ሕሜታ ናይ ጸላእቲ እዩ፤ ሓቀኛ ሰብ ፊትንፊት ይእርመካ እምበር ብድሕሬኻ ኣይሓምን እዩ! ክትከይድ ከለኻ ክትዕንቀፍ፡ ክትዛረብ ከለኻ ክትጋገ ንቡር እዩ። ጸላእትን ፈተውትን ድማ ንምዕንቃፍካን ምግጋይካን እተፈላለየ መልሰ-ግብሪ እዮም ዝህብሉ። ጸላእትኻ ንውድቀትካ እንተሰሪሖም ትጽበዮ እዩ፤ እቶም እፈትዎም እየ ትብሎም—ከም መሓዙትካን ኣሕዋትካን ኣብ ልብኻ እተቐበልካዮም—ብድሕሬኻ ክሓምዩ ምርኣይ ግን ቃንዛ እዩ። እቲ ሓቀኛ ብጻይ፡ እቲ ብድሕሪት ኮይኑ ዝሓምን ንምዕንቃፍካ ዝኸውን እምኒ ዘዳሉን ዘይኮነስ፡ እቲ ፊትንፊት ቆይሙ ካብ ጌጋታትካ ዝእርም፡ መገድኻ ክልወጥ ዝጽዕር ተባዕ ሰብ እዩ። ነዚ እዩ ጥበበኛ ሰሎሞን "ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ቅሉዕ ተግሳጽ ይበልጽ" ብምባል ጥበቡ ዘካፈለና። ሓቂ እዩ፡ ቅሉዕ ተግሳጽ ከሕምም ይኽእል እዩ፡ ዘይምቹእነት እውን ክፈጥር ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ሒደት ኣሕሚሙ ካብ ቀዋሚ ሕማም ስለዘገላግል ተመራጺ እዩ። ሕቡእ ፍቕሪ ከምቲ ሽሙ ሕቡእ እዩ፤ ማንም ኣይረኣዮን፡ ሃልዩን ኣይሃለወን ዝህቦ ትርጉም ውሑድ እዩ። ስለዚ፡ ካብቲ ንዘይረኣኻዮ "ይህሉ ዶኾን?" ኢልካ ምሕሳብ፡ ነቲ ዝሰማዕኻዮ ሓቂ ተቐቢልካ ዝተዋህበካ መኣረምታ ኣብ ግብሪ ብምውዓል፡ ዘድልየካ ምትዕርራይ ምግባር ይሓይሽ። "ወይ ቀሪብካ ቅረብ ወይ ርሒቕካ ርሓቕ" ትብል ደርፊ ኣብ ቦታኣ እያ! @ ዘፍጥረት
ሰረት
Region: GB
Wednesday 16 September 2026 08:05:03 GMT
Music
Download
Comments
food :
tax
2026-09-16 23:48:54
1
Awet Zeray :
gnle ayrdukay lkdmit tenegernayom
2026-09-16 17:03:07
1
🫶ስቅታይ ትርጉም ዩ🇪🇷 :
🥰🥰
2026-09-16 16:46:24
1
miko :
👍👍👍👍👌👌👌👌👌👌👌
2026-09-16 15:28:02
1
user6111601555271 :
🥰🥰🥰
2026-09-16 12:32:26
1
fetahawit tekle :
🥰🥰🥰
2026-09-16 10:40:22
1
shewit hagos :
👌👌👌
2026-09-16 08:16:31
1
𝐀𝐬𝐡𝐮 𝐤𝐢𝐧𝐠(👑) :
👌👌👌👌
2026-09-16 20:21:40
0
s' :
✅
2026-09-16 22:52:21
0
Jadu💊💊 :
🤟🤟🤟🤟
2026-09-16 15:56:48
1
Yirga Adhanom :
🥰🥰🥰
2026-09-16 22:33:01
0
tesfa🐘 :
✍️✍️✍️✍️✍️
2026-09-17 14:46:06
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.