@titi.16.2026: #መልካም_ጓደኛ [ ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ 6፣5~ 17] 🦋" ጥዑም ዘረባ ፈተውቲ የብዝኃልካ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ብዘኃት ተፈታዊ ይገብረካ። ምስ ብዘኃት ዕርክነት ይሃሉኻ ምኽርኻ ግና ኻብ ሽሕሲ ምስ ሓደ ጥራይ ይኹን።,ዓርኪ ክትገብር ከሎኻ ከይፈተንካ 🦋" ኣይትተዓራረኽ ቀልጢፍካ ኸኣ ኣይትእመኖ። ከመይ ንገዛእ ርእሱ ምእንቲ ኪጥዕሞ ጥራይ ዚተዓራረክ ኣሎ ጸገም ምስ ኣጓነፈካ ግና ካባኻ ይሃድም፡፡ ተሰልቢጡ ጸላኢ ዚኸውን ባእሲ ከም ዘሎካ ኣሳጢሑ ዜኅፍረካ ዓርኪ እውን ኣሎ። "🦋ካብ ማእድኻ ዘይፍለ ኣብ መዓልቲ መከራኻ ግና ምሳኻ ዘይቀውም ዓርኪ ኣሎ። ምስ ሃብተምካ ማዕሬኻ ይሥራዕ ነገልገልትኻ ድማ ብትብዓት ይእዝዞም፡፡ ምስ ተዋረድካ ግና ኣንጻርካ ይኸውን ይኅብኣካ ናባኻ እውን ኣይቐርብን። 🦋"ካብ ጸላእትኻ ርሓቕ፥ ካብ ፈተውትኻ ድማ ተሓሎ እሙን ፈታዊ ኸም ጽኑዕ ዋልታ እዩ እቲ ሓደ እሙን ዓርኪ ዝረኸበ ብዙኅ ሃብቲ ከም ዝደለበ እዩ። ከም እሙን ዓርኪ ኽቡር ነገር የልቦን ንኽብሩ ድማ መመዘኒ የብሉን። 🦋" እሙን ዓርኪ ምሉእ ጥዕና ኸም ዚህልወካ ዚገብር ፈውሲ እዩ። ከምዚ ዝበለ ዓርኪ ዚረኽቡ ኸኣ እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርሁ እዮም። 🦋" ቅኑዕ ዕርክነት ኪገብር ዚኽእል እቲ ንእግዚኣብሔር ዚፈርህ ሰብ እዩ ዓርኩ እውን ልክዕ ከምኡ እዩ ዚኸውን። ☦️📚💜🌱

Titi Ze Tewahedo✝️📚🇨🇦
Titi Ze Tewahedo✝️📚🇨🇦
Open In TikTok:
Region: SA
Monday 21 September 2026 23:36:09 GMT
1599
247
0
55

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @titi.16.2026, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About