@zeamanuel14: ምሥጢረ ሥላሴ ምሥጢረ ሥላሴ ማለት ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሰለስትነትን ዝገልጽ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ እዩ። ሥላሴ ቃሉ ናይ ግእዝ ኮይኑ ሠለሰ› ካብ ዚብል ግሲ ዚወጸ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኸ ሓደ ከሎ ሰለስተ እዩ፡ ሰለስተ ከሎ ድማ ሓደ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሰለስትነቱ ብስም፡ ብኣካል፡ ብግብሪ፡ ሓድነቱ ኸኣ ብባህርይ፣ ብህልውና፡ ብፍቓድ፡ ብስልጣን፡ ብመለኮት፡ ንዓለም ብምፍጣርን ብምሕላፍን…ወዘተ እዩ። “እንዘ ኣሐዱ ሠለስቱ፡ ወእንዘ ሠለስቱ ኣሐዱ፣ ይሤለሱ በኣካላት ወይትዋሐዱ በመለኮት።" ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት። ነዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ የረድኣና፣ ዘፍ 1፡26 “ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር በለ።" ኣብዚ ቃል፡ ንሰለስትነቱ ከግህድ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር" ክብል እንከሎ፡ ንሓድነቱ ንኸገልጽ ድማ “በለ” ብምባል ገሊጽዎ ይርከብ። ምኽንያቱ ብመልክዐይ፣ ብምስለይ፡ እንተዝብል ነይሩ ሓደ ኣካል ጥራይ እዩ ምበልና ኔርና። እንተኾነ ግና ገለ ወገናት ነዚ ቃል ወሲዶም “እዚ ቃል ንብዝሒ ዘመልክት ዘይኮነስ፡ እግዝኣብሔርከም ልምዲ ነገስታት ንባዕሉ ከኸብር ኢሉ ብብዙሕ ኣንቀጽ ገሊጽዎ እሰምበር፡ ንሰለስትነት ኣየመልክትን እዩ ይብሉ።” እዚ ግና ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣባሃህላ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረጋግጸልና እዩ። ከመይሲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጠቐሱ ነገስታት ንርእሶም ንሕና እንዳበሉ ወይ ኸኣ ብብዙሕ ኣንቀጽ ኣይዛረቡን እዮም።ንኣብነት ፈርዖን ንዮሴፍ “ኣብ ልዕሊ ኩላ ሃገርግብጺ ሸይመካ ኣለኹ” በሎ እምበር ሸይምናካ ኣሎና ኣይበሎን። (ዘፍ 41:41) ናቡከደነጾር'ውን ንኹላቶም ኣማኸርቲ ንጉስ ባቢሎን ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ከፍልጡኒ ኣብ ቅድመይ ከምጽእዎም ኣዘዝኩ።" በለ እምበር፡ ከፍልጡና፡ ኣብ ቅድሜና ከምጽእዎም ኣዘዝና› ኣይበለን። (ዳን 4፡6) ዘፍ 3፡22 “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ፡ እንሆ ኣዳም ከም ሓደ ካባና ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኮነ፡ በለ።" ከምኡ'ውን ዘፍ 11:7 "ንዑ ንውረድ እሞ ቛንቛኦም ንደባልቕ በለ።'' ይብል። እዚ ቓል እዚ፡ ሓደ ኣካል ተዛራቢ፡ ልዕሊ ሓደ ኸኣ ሰማዕቲ ከምዘለዉ የረድኣና። ጸረ ሥላሴ ዝኾኑ ሰባት፡ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ብኻልእ መዳይ ክትርጉምዎ ይረኣዩ እዮም። እዞም ወገናት ‹እቲ ዝዛረብ ዘሎ እግዚኣብሔር ክኸዉን ከሎ፡ እቶም ሰማዕቲ ኸኣ መላእኽቲ'ዮም› ይብሉ። እዚ ሓሳብ እዚ ጌጋ ምዃኑ ግና መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና እዩ። ከመይ'ሲ እግዚኣብሔር ብባህርዩ ድኻም ስለዘይብሉ ሓገዝ ኣይደልን እዩ። ብመሰረቱ ኸኣ ሓገዝ ዝደሊ ፍጡር እምበር፡ ፈጣሪ ኣይኮነን። ንከሃሊነቱ ደረት ዘይብሉ እግዚኣብሔር ንቕዱሳን መላእኸቱ፡ ኪዱ ከምዚ ግበሩ› ኢሉ ይእዝዝ እምበር፣ ንዑናይ ከምዚ ንግበር ኣይብልን። ከምኡ'ውን ንእግዚኣብሔር መማኸርቲ ከምዘይብሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረናእዩ። (ኢሳ 40፡12-14 ዕብ 1፡14) ዘፍ 18:1-15 “ኣብርሃም ብሃርሃረት ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ ከሎ እግዚኣብሔር ኣብተን ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ ዘለዋ ተገልጸሉ። ኣዕይንቱ ቋሕ ኣበለ እንሆ ድማ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ርእይ ምስ ኣበሎም ድማ ብድድ ኢሉ ክቀባበሎም ጐየየ። ፍግም ኢሉ ኸኣ ሰገደ። ኦ ጐይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ ንባርያኻ ጐሲኻኒ ኣይትሕለፍ። ሒደት ማይከ ምጽኣልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ኣዕርፉ፡ ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፡ ቁራስ እንጌራ ከምጽኣልኩም እሞ ብልዑ፡ ብድሕሪኡ ትሓልፉ በሎም። ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝበልካዮ ግበር በልዎ።" እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ‹ተገልጸሉ› ዝብል ቃል ንሓድነቱ ዘመልክት ክኸውን ከሎ፡ ‹ሰለስተ ሰብኣይደው ኢሎም ረኣየ› ዝብል ድማ ንሰለስትነቱ ዝገልጽ እዩ። ኦ ጐይታይ…ጐሲኻኒ ኣይትሕለፍ› ምባሉ እግዚኣብሔር ሓደ ምዃኑ የመልክት። ከምኡ እንተ ዘይከውን ግና፡ ጐይቶተይ…ጐሲኹምኒ ኣይትሕለፉ ምበለ ኔሩ። ንሰለስትነቱ ክገልጽ ከሎ ኸኣ ከምጽኣልኩም፡ ተሓጸቡ፡ ኣዕርፉ፡ ብልዑ…› በሎም። ‹ንሳቶም ድማ ከምቲ ዝበልካዮ ግበር በልዎ› ምባሉ ኸኣ ንሰለስትነቶም ዝገልጽ እዩ። ኢሳ 6፡1-3 “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚኣብሔር።" እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝተጠቕሰ “ቅዱስ” ዝብል ቃል፡ ቅድስና ናይ ባህርይዩ ንዝኾነ ንሥላሴ፡ ንኣብ ንወልድ ንመንፈስ ቅዱስ ካብ መላእኸቲ ዝቐረበ ምስጋና ምዃኑ ነስተብህል። ብሓደ ቃል ሰለስተ ግዜ ምድግጋሙ ሓድነቱን ሰለስትነቱን ብንጹር የረድኣና። ትሕት ኢሉ ክልተ ሳዕ፡ ልዕል ኢሉ ኣርባዕተ ሳዕ ዘይምዃኑ'ውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። (ራእ 4፡8) ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ሰለስቱ ምእት ቅዱሳን ኣቦታትና “እንዘ ኣሓዱ ሰለስቱ ወእንዘ ሰለስቱ ኣሓዱ፡ ይሴለሱ በኣካላት ወይትዋሓዱ በመለኮት” ብምባል ገሊጾሞ እዮም።
zeamanuel14
Region: LY
Wednesday 23 September 2026 12:00:39 GMT
Music
Download
Comments
Semhar Teklay :
Amen amen amen qal hiwet yesmalna
2026-09-24 20:44:26
0
soli 🌴👑✝️ :
mistire slase bmlita 🤗🙏
2026-10-16 22:48:08
0
Fifi,Meksb, :
Amen Amen Amen
2026-09-23 17:03:51
2
tesfa aleni ✝️♥️🍇🍒🍋🟩 :
🙏🙏🙏
2026-10-18 19:20:59
0
user3991871763703 :
777 777 777 !!!
2026-09-23 19:36:12
0
ወዲ ማፍያ ሰላም :
2026-10-16 22:26:27
0
እመ ብርሃነይ'ከ🙏🤲💒 :
🙏
2026-10-10 13:33:08
0
elilta abrehe :
amen amen amen
2026-09-23 19:41:45
0
Fikirte Taddesse :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-29 01:43:50
0
ንኩሉ ጸዋር ኩኒ ነብሰ 🇩🇰 :
2026-09-23 19:57:05
0
Hani Hani :
amen
2026-10-07 09:25:48
0
Tomas Yemane Abera :
🙏🙏🙏
2026-09-23 18:22:40
1
redaeyohannes85gmail :
🥰🥰🥰🥰
2026-09-23 18:43:50
0
user5777621958679 :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-23 14:51:06
0
𝙬𝙚𝙙𝙞 𝙠𝙛𝙡𝙖𝙮 🤜👈🇰🇪🌿 :
[Pray][Pray][Pray]
2026-10-10 20:40:42
0
Sami Zeray :
🥰🥰🥰
2026-09-24 04:19:37
0
DENARO 7 ◇ ¿▪︎☆ :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-09-24 18:40:39
0
ik Ben ik :
🥰🥰🥰
2026-09-25 11:10:41
0
men kem Ade :
[Pray][Pray][Pray]
2026-10-17 19:00:32
0
To see more videos from user @zeamanuel14, please go to the Tikwm
homepage.