@sport2458: ብራኸ (altitude) ናይሮቢ ንኤርትራ ብኸመይ በዲሁዋ? ተራ ብራኸ ኣብ ውድድራት ስፖርት ሓደ ካብቶም ለውጢ ዘምጽኡ ዓበይቲ ረቛሒታት እዩ። ብራኸ እናወሰኸ ክኸይድ እንከሎ መጠን ኦክሲጂን ስለዝውሕድ ንበጻሕቲ ሳምቡኦም ክዓብሶም ስለዝረአ። ኣብነታት ክነቕርብ፥ - ብራዚላዊ ሮናልዶ ናዛርዮ "ናብ ኤኳዶርን ቦሊቭያን ተጓዒዘ ልዕሊ 45 ደቒቕ ክጻወት ኣይክእልን፥ ቀልጢፈ እደክም፥ ፍጥነተይ እንኪ።" ክብል ይገልጽ። ርእሰ ከተማ ኤኴዶር ዝኾነት ኩዌቶ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2,800 ሜትሮ፡ ናይ ቦሊቭያ ርእሰ ከተማ ላፓዝ ከኣ 3,500 ሜትሮ እዩ ብራኸአን። ከም ኣርጀንቲናን ብራዚልን ግና ንኤኳዶርን ቦሊቭያን ናብ ሜዳአን ዓዲመን ብገፊሕ ስለዝስዕራአን እየን ብነጥቢ ዝቕድማአን። - ኣስመራ'ውን 2300 ሜትሮ ብራኸ ስለዘለዋ በዓል ናይጀርያን ካሜሩንን ንኤርትራ ተወዳዳሪ ብቕዓት ዘይነበራ ክነሳ ክስዕራኣ ተጸጊመን እየን። - ከም በዓል ዘርእሰናይ ዝኣመሰሉ ፕሮፌሽናል ኣትሌታት'ውን ኣብ ኤርትራ ልምምድ ገይሮም ውድድር ክጅምር 2-3 መዓልቲ ክተርፎ ደንጉዮም እዮም ዝኸዱ። ትንፋስ ምእንቲ ክረኽቡ። - ተቐዳደምቲ ብሽክለታ'ውን ብተመሳሳሊ። - ሎሚ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይሮቢ'ውን ተመሳሳሊ ጸገም ገጢሙዋ ክበሃል ይከኣል። ናይሮቢ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ኣስታት 2000 ሜትሮ በሪኻ ትርከብ። ስለዚ ድማ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ትሕቲ 500 ሜትሮ ለጠቕታ ምጽዋት ዝለመዱ ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ማዕረ'ቶም ደቂ ዓዲ ዝኾኑ ኬንያውያን ከተንፍሱን ክጎይዩን ተጸጊሞም። - ድሕሪ 4 መዓልቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ውድድር ኤርትራ ዘሎ ሓደ ሓደ ተክኒካውን ታክቲካውን ሕጽረታት ኣማሊኣ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ እትገብሮ ግጥም እቲ ናይ በሓቂ ብቕዓታ ክተርእየና እምንቶ ኣሎና። ነቲ ናይ ሞሮኮ ብቕዓታ ክትደግሞ እያ ብርግጽ። ያ ሓባይ Like ❤️ ንርስዕ ኣለና Like ❤️ Like ❤️ Like ❤️

Sport
Sport
Open In TikTok:
Region: SE
Saturday 26 September 2026 17:24:33 GMT
1436
84
0
1

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @sport2458, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About