@shutter_stories.pxl: ❤️‍🩹#fyp

𝙎 𝘼 𝙈 𝙄
𝙎 𝘼 𝙈 𝙄
Open In TikTok:
Region: PK
Saturday 26 September 2026 20:46:47 GMT
6123
377
6
37

Music

Download

Comments

sami684806
𓆩𝐒ᴀᴍɪᴜʟʟᴀʜ |✨ :
hum naam ho tum hum gham tu nahi
2026-09-27 08:13:18
0
poetry.by.uk
Noorvibes :
جانے والوں کو راستہ دیتے ہیں نہ کہ واسطہ follow me for sad poetry
2026-09-26 22:08:09
1
zubi78666
It’s me زubair 🌸🙂 :
💯
2026-09-27 15:10:35
0
rimsha.gafar
Guria :
❤️❤️❤️
2026-09-27 00:17:31
0
abdul.rehman.nizam7
Abdul Rehman Nizami :
🥰🥰🥰
2026-09-26 21:06:32
0
user1499611362740
malik Usman :
😳😳😳
2026-09-28 15:20:05
0
To see more videos from user @shutter_stories.pxl, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብህይወት ክትነብር ከለኻ፡ ካብ ዝኾነ ዓይነት ክሳራን ዕዳን ንላዕሊ ከተስተውዕለሉን ብጽንዓት ክትጥንቀቐሉን ዝግብኣካ ሓደ ዓቢ ነገር እንተሃልዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ድሕሪትካ ናይ ፍቕሪ ዕዳ ከይትገድፍ እዩ። ብዙሕ ሰብ ናይ ገንዘብን ንዋትን ዕዳ ከይህልዎ ይፈርህን ለይትን ቀትርን ይሽገርን እዩ፤ ናይ ሓቂ ዕዳ ግን እቲ ካብ ሰባት ዝወሰድካዮ ንጹህ ፍቕሪ፡ ዝተቐበልካዮ መስዋእትነት፡ ዝተዓደልካዮ ምሉእ እምነት ከይመለስካ፡ ብትዕቢትን ብሸለልትነትን ንልቢ ካልኦት ጎዲእካ ክትሓልፍ ከለኻ ዝተርፍ ናይ ሕልና ዕዳ እዩ።  እዚ ዓይነት ዕዳ ብወረቐት ዝምዝገብ ወይ ብቤት ፍርዲ ዝሕተት ኣይኮነን፤ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ መንፈስካ ዝኸበደ መርገምን ኣብ መላእ ዕድሜኻ ካብ ድቃስ ዝኸልክል ናይ ሕልና ወቐሳን ኮይኑ ዝነብር ዘይስረዝ ዕዳ እዩ። ስለዚ ሕጂ ነብስኻ ፈትሽ፡ ዓይንኻ ኸፊትካ ድማ ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ብኸመይ ትሕዞም ከም ዘለኻ ኣስተውዕል። ፍቕሪ ብዘይ ዋጋ ዝረኸብካዮ መሳርሒ ወይ ግዜኻ ክሳብ ዝሓልፍ ጥራይ እትጥቀመሉ ናውቲ ኣይኮነን። ገለ ሰባት ኣብ ህይወትካ መጺኦም ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ኩነት ልቦም ዝኸፈቱልካ፡ ኣብ ጸልማትካ መብራህቲ ዝኾኑኻ፡ ድኻምካን ሕጽረታትካን ሸፊኖም ብኽብሪ ዘልዓሉኻ፡ ንዓኻ ንምሕጓስ ኢሎም ድማ ገዛእ ርእሶም ዘጥፍኡ ኣለዉ። እዚ ኩሉ ክግበረልካ ከሎ፡ ከም ሓደ ግዴታኦም ወይ ንዓኻ ጥራይ ዝግብኣካ መሰል ጌርካ ክትርእዮ እንተ ጀሚርካ፡ ኣብ ዓቢ ጸድፊ ጥፍኣት ትወድቕ ኣለኻ።  ንዝተዋህበካ ልባዊ ፍቕሪ ብንዕቀት ምምላስ፡ ንዝተነድቀልካ ናይ እምነት ድልድል ብጥልመት ምፍራስ፡ ንዝነብዐልካ ዓይኒ ሸለል ኢልካ ብትዕቢት ምኻድ፡ እቲ ዝዓበየ ክፍኣትን ክሕደትን እዩ። ንሰብ ክሳብ ዘለኻ ጥራይ ተጠቒምካሉ፡ ንስኻ ምስ በጻሕካዮ ግን ከም ዘይጠቅም ቆጽሊ ኣድርቕካ ክትድርብዮ ከለኻ፡ ኣብ ልዕሊ ነብስኻ ናይ ዘይምሕር ጓሂን መርገምን እምኒ ትድምር ከም ዘለኻ ኣይትረስዕ። እቲ ዝኸፍአ ሓቂ ድማ እዚ እዩ፤ ናይ ገንዘብ ዕዳ እንተ ኣልዩካ ጽባሕ ጽዒርካ ወይ ሰሪሕካ ትኸፍሎ ኢኻ፡ ናይ ፍቕሪ ዕዳ ግን ሓንሳእ ምስ ተረፈ ብዝኾነ ምድራዊ ሃብቲ ክኽፈል ኣይክእልን እዩ። እቲ ንዓኻ ኢሉ ዝተሰበረ ልቢ ሓንሳእ ምስ ዓረቐ፡ እቲ ንዓኻ ዝተዘርግሐ ኢድ ብጓሂ ምስ ተዓጸፈ፡ እቲ ብሰንክኻ ዝፈሰሰ ናይ ቃንዛ ንብዓት ኣብ መሬት ምስ ወደቐ፡ ብድሕሪኡ ብሺሕ ጣዕሳን ብማእለያ ዘይብሉ ይቕረታን ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብፍላይ ድማ እቶም ንዓኻ ክብሉ ዕድሚኦም ዘሕለፉ ወለዲ፡ ብተኣማንነት ደው ዝበሉልካ መሻርኽቲ ህይወት ወይ ኣብ ክፉእ መዓልትኻ ዘይከሓዱኻ ናይ ሓቂ ፈተውቲ፡ ብህይወት ከለዉ ፍቕሮም ከይመለስካሎም፡ ዘድልዮም ክብሪ ከይሃብካዮም፡ ብሰላም ካብዛ ዓለም እዚኣ እንተ ሓሊፎም፡ እቲ ድሕሪኦም ዝተርፍ ናይ ሕልና ዕዳ ሞት ዘይቐትሎ ቀጻሊ ስቓይ ኮይኑ ኣብ ውሽጥኻ ክነብር እዩ። ኣብ መቓብር ደው ኢልካ እትነብዖ ንብዓት፡ ነቲ ብህይወት ከሎ ዝነፈግካዮ ፍቕርን ሓልዮትን ፈጺሙ ክትክኦ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ሕጂ ካብቲ ዘለኻዮ ናይ ትዕቢትን ዕሽነትን ድቃስ ንቓሕ። ኣብ ህይወትካ ሰባት ከም መወከሲ ወይ ከም መደያይቦ ድሌታትካ ጥራይ ክትጥቀመሎም ኣይትፈትን። ፍቕሪ ብፍቕሪ፡ እምነት ብተኣማንነት፡ ክብሪ ድማ ብምክብባር ጥራይ እዩ ዝምለስ። ሎሚ ምሳኻ ዘለዉ ሰባት ንዘለኣለም ምሳኻ ከም ዘይነብሩ ኣስተውዕል፤ ግዜ ሓላፊ እዩ፡ ዕድል ድማ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ዝመጽእ። ሓደ ሰብ ልቡ ከፊቱ እንተ ኣፍቂሩካ፡ እዚ ኣብ ምድሪ ዝዓበየ ክብሪ ምዃኑ ተረዲእካ ተኸናኸኖ እምበር ብዘይረብሕ ኩርዓት ኣይትጨፍልቖ። ሎሚ ዝጎዳእካዮ ንጹህ ልቢ ጽባሕ ክትክሕሶ ዘይትኽእል ዕዳ ኮይኑ ንዓኻ ክሃድነካ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ህይወት ካብቲ እትወስዶ ዘይኮነስ ካብቲ እትህቦ እያ ትዕቀን። ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዙሕ ሃብቲ ኣዋህሊልካ፡ ዓበይቲ ህንጻታት ሰሪሕካ፡ ኣብ ዝለዓለ ናይ ስልጣን ማዕርግ በጺሕካ ክነስኻ፡ ኣብ ድሕሪትካ ግን ዝተሰብሩ ልብታትን፡ ብሰንክኻ ዝነብዑ ኣዒንትን፡ ዝተጠለሙ መሕላታትን ጥራይ ገዲፍካ ትሓልፍ እንተዄንካ፡ ንስኻ ብሓቂ ክሳራ ዝበጽሖ ዕሩቕ ድኻ ኢኻ።  ስለዚ ሕልናኻ ኣንጽህ፡ ንዝበደልካዮም ሰባት ትሕት ኢልካ ይቕረታ ሕተት፡ ንዘፍቀሩኻ ድማ ብምሉእ ልብኻ ፍቕሮም ምለሰሎም። ጽባሕ ዘይኮነስ ሎሚ፡ ካብዛ ህሞት እዚኣ ጀሚርካ ንነብስኻ ካብ ናይ ፍቕሪ ዕዳ ነጻ ግበራ፤ ምኽንያቱ ካብ ኩሉ ዕዳታት ዝኸበደን ዝመርረን፡ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይንካ ዝስመዓካ ናይ ዘይተኸፍለ ፍቕሪ ጣዕሳ ጥራይ እዩ። ©✍️ミ☦ድምጺ መቓልሕ☦彡🇪🇷 #ኤርትራ_ን_ኤርትራዊያን_ብ_ኤርትራዉያን🇪🇷🇪🇷🇪🇷 #ኤርትራ_ንዘልኣለም_ትስሓቅ🇪🇷 #ሴማውያን #ትግራይ🇻🇳

About