@kidanzelalem: ሰብ ብኸመይ እዩ ካብ ጭንቀት ከምልጥ ዝኽእል፧ ክኢላ ናይ ስነ-ልቦና "ኣይትጨነቕ፡ ጭንቀት ኣወግድ" ይብለካ፤ መንፈሳዊ ፍልስፍና ድማ "ንመዓልቲ ክፍኣታ ይኣኽላ እዩ እሞ ኣይትጨነቕ" ይብል። ስለዚ እቲ ምኽርን ትእዛዝን ኣሎ እዩ፤ እንተዀነ "ዘይምጭናቕ ይከኣል ድዩ፧" ንዝብል ሕቶ ግን፦ እቲ መልሲ "ዘይምጭናቕ ኣይከኣልን እዩ" ዝብል እዩ ክዀውን! ምኽንያቱ ዘይምጭናቕ ይከኣል ኔሩ እንተዝዀውን፦ "ኣይትጨነቕ" ዝብል ምኽሪ ኣይምሃለወን። ስርቂ ስለዘሎ እዩ "ኣይትስረቕ" ዝብል ትእዛዝ ዘሎ። እቲ ቀንድን ኣገዳስን ነገር ዘይምጭናቕ ዘይኰነስ፦ ካብ ጭንቀት ብኸመይ ትርሕቕ ወይ ንጭንቀት ብኸመይ ትኣልዮ እዩ እቲ ቅኑዕ መስርዕ ክዀውን ዘለዎ! ኣብዛ ሓላፍ ዘላፍ ናይ ኣነባብራ ስልትን ዘይምዕሩይ ትሕዝቶን ዘለዋ ዓለም፦ ኣብዛ ኲናት፡ ወረ ኲናት፡ ሞት፡ ሕማም፡ ስእነትን ሻቕሎትን ዘለዋ ዓለም፦ ዘይምጭናቕ ብፍጹም ኣይከኣልን እዩ። ነቲ ዝገጠመካ ብድሆ ከመይ ትፈትሖ ብምሕሳብን ብምርዳእን ግን፦ ጭንቀትካ ምቅላል ይከኣል እዩ! ከምቲ ኣብዛ ተለጢፋ ዘላ ስእላዊ መግለጺ ናይቶም ቃላት ተዓዚብናዮ ዘሎና፦ ወድሰብ መዓስ እዩ ኣብ ጭንቀት ዝኣቱ፧ መዓስ እዩ ኣብ ጸቕጢ ዝህሉ፧ መዓስ እዩ'ኸ ሻቕሎት ዘለዎ፧ እዞም መግለጺታት እዚኦም ንዓቕምናን ተኽእሎታትናን ብምግላጽ፦ ኣብ ክንዲ ኣብቶም ዘይንኽእሎም፡ ናብቶም ንኽእሎም ኣቢልና ክንጥምት ብምግባር ናህሪ ናይቲ ጭንቀት ምእላይ ይከኣል እዩ! ናህሪ እንተኣሊኻ ድማ፦ ናህሩ ዝተኣለየ ውሕጅ ክወስደካ ዓቕሚ ስለዘይብሉ፡ ነገራት ኣረጋጊጽና ኣሎና ማለት እዩ። በዚ እዩ ምርግጋእ ጭንቀት እተተግብሮ። ንውሕጅ "በዚ ኣይትምጻእ" ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና፤ ናህሩ ከመይ ይሃድእን ጉድኣቱ ከመይ ይቕንስን ምግባር ግን ዕድሉ ኣሎና! @ ዘፍጥረት

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Monday 28 September 2026 06:33:15 GMT
5211
186
6
39

Music

Download

Comments

anenyatadesse
ኣነንያ ታደሰ official :
ብርዕኻ ይሰስን! ክቡር ሓው! በቲ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ናይ ኲናትን ወረ ኲናትን ካብ ጭንቀትን ሻቕሎትን ከመይ ንርሕቕ ዝብል መፍትሒታት እስቲ ፀሓፈልና!
2026-09-28 12:34:57
0
user6141674345531
ውድ ራማ ሓላሉ :
🤟🤟🤟
2026-09-28 07:54:47
2
mekonenataklty
Mekonen Ataklty :
❤️❤️❤️
2026-09-28 07:00:23
1
tesfalemtewelde34
alem xewar :
🥰🥰🥰🥰
2026-09-28 10:34:42
1
abel.michael976
abiti :
🥰🥰🥰
2026-09-28 07:13:40
1
user8204870756717
ትዝታዬ 💕 :
🥰🥰
2026-09-28 11:58:08
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About