@kidanzelalem: ሰብኣውነት ኣቐድም! ቅድሚ ንነብስኻ ክርስቲያን፡ ሙስሊም፡ ሂንዱ፡ ቡድሃ ወይ ሃይማኖታዊ ወግዒ ዝሓዘ ሰብ ጌርካ ምቕራጽካ፦ መጀመርታን ቅድሚ ኩሉን ጥዑይ ሰብኣውነት ተምሃር! ሰብ ምዃን እምበር ሃይማኖታዊ ምዃን ጥራይ ኣይኮነን ዝጠቅም። ነገሩ ከምዚ እዩ፦ ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ንመገሻ ይኸይድ ነበረ፤ ኣብ መገዲ ድማ ከተርቲ ረኸቡዎ። ቀጥቂጦም ዘለዎ ኩሉ ገፊፎም ድማ ደርብዮሞ ከዱ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ብቓንዛ ምስ ሓመድ ተለዊሱ ኸሎ፦ ድንገት ሓደ ካህን በቲ መገዲ ሓለፈ፤ እንተዀነ ርእይ ኣቢሉዎ ካብኡ ተኣልዩ ከደ። ካልእ ሽማግለ ሰብኣይ እውን ብኡ ሓለፈ፤ እንተዀነ ንሱ እውን ርእይ ኣቢሉዎ ገጹ ከዊሉ ሓለፈ። እቲ ካህን ሃይማኖታዊ ምህሮ ዘለዎ እዩ፡ እቲ ሽማግለ እውን ወግዕን ሃይማኖት ምስ ባህልን ዝፈልጥ እዩ። እንተዀነ ኣብ ውሽጦም ዝሰርሕ ሕሊና ስለዘይነበረ፡ ግዲ ናይቲ ግዳይ ኣይነበሮምን። ካልእ ሳምራዊ ካብ ሃይማኖታዊ ወግዒ ርሑቕ ዝበሃል ከኣ መጸ። ገና ካብ ርሑቕ ሰብ ወዲቑ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ብድንጋጼ መልኤ። ተጓዩ ከይዱ ድማ ቀዳማይ ረድኤት ንምግባር ጸዓረ፤ ዝኽእሎ ኩሉ ጌሩ ንቑስሉ ኣህዲኡ ድማ ኣብ ኣድጉ ጽዒኑ ናብ ዓዲ ወሰዶ። ወሲዱ ድማ ንኣለይቲ ዝግባእ ገንዘብ ከፊሉ፡ ግቡእ ክንክን ክገብርሉ ተማሕጸነ። እዚ ኹሉ ነቲ ሰብ ስለዝፈልጦ ወይ ወዲ ሃይማኖቱ ስለዝዀነ ዘይኮነ ጌርዎ፤ "ሰብ" ወዲቑ ስለዝረኣየ ጥራይ እዩ ደጊፍዎ! ምኽንያቱ ኣብ ውሽጡ ዘይሞተት ሕሊና ስለዘላ ክረድኦ ኸኣለ። ሃይማኖታዊ ወገነኝነት ብዛዕባ እታ ናትካ ነገር ጥራይ ክትሓስብ እዩ ዝገብረካ፤ ሕሊና ግና ሰብ ምዃንካ ጥራይ ንሰብ ክትሕግዝ ከምዘሎካ እዩ ዝነግረካ። ስለዚ ቀዳምነት ሰብ ምዃን እዩ ክቕድም ዝግብኦ። ሰብ ምዃን እንተኺኢልካ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ምልላይ ኣይክትሽገርን ኢኻ። ቅድሚ ኩሉ ሰብ ምዃን ይቕደም! @ ዘፍጥረት
ሰረት
Region: GB
Wednesday 30 September 2026 12:04:42 GMT
Music
Download
Comments
dani :
ሃይማኖት ዶ ይዓዚ ሰብኣውነት ብሩኽት?
2026-09-30 12:19:08
2
ĢÒĎ ÎS ÁLWĄYS ŴĪTH MÈ ☆✝️🤍 :
ቅድም ሰብኣውነት ኢዩ ዝምህረና ሃይማኖትና ።
2026-09-30 20:14:11
1
𝑛𝑖,,𝕪𝕒𝑡➤💎➛✝️👑 :
💙🙏☑️
2026-10-03 17:16:14
1
ሻቅዋይ wedi 80 :
nay behaqi xebuq tarike
2026-10-03 12:40:06
1
Flimon Kibrom💙🇬🇧 :
🥰🥰🥰🥰
2026-10-05 20:38:08
1
ሒሊና ትክኽለኛ ዳኛ16 :
💗🙏
2026-10-05 08:12:38
1
Yonas :
[Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming]
2026-09-30 19:41:49
1
BiLIEN✝️2️⃣7️⃣ :
🙏🙏🙏
2026-10-07 08:46:28
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.