@umybistar: ዝኮነ ሰብ“የፍቕረካ/ኪ እየ” ምባል ንማንም ኣይኣብዮን። ​ቃላት ቀለልቲ እዮም። ​ሓቀኛ ፍቕሪ ግና ቃላት ጥራይ እኹላት ኣብ ዘይኮኑሉ እዋን እያ ብግሁድ ዝረአ። ​እዚ ማለት ድማ ​ሓደ ሰብ ኣብ ጸገም ወይ ቁስሊ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ጎኑ ምህላው እዩ። ​ነተን ንኣሽቱ ነገራት ምዝካር እዩ። ​ሰባት ኣብ ግዜ ድኻሞም ምሕጋዝ ሓቦ ምሃብ ተስፍ ምሃብ -ምክልኻል እዩ። ​ዋላ ዝኾነ ይኹን ዝርከብ ረብሓ ኣብ ዘይብሉ እዋን እውን ከይተረፈ ኣብ ጎኑ ምህላው እዩ። ​እንስሳታት እሙናት ኮይኖም ከም ዝነብሩ መጽብዓ ኣይኣትዉን እዮም፣ ብግብሪ ጥራይ እዮም ዝጸንሑ። ​“ንፍቕርኻ ዘለኒ ናፍቖት” ዝብሉ ጽቡቓት መልእኽትታት ኣይጽሕፉን እዮም። ኣብ ጥቓ ደገ ኮይኖም ይጽበዩኻ ጥራይ። ​ክንደይ ዝኣክል ዋጋ ከም ዘለኻ ኣይግልጹልካን እዮም። ናብ ገዛ ክትኣቱ ከለኻ ግና ናብኣኻ ይጎዩ። ​ምናልባት ፍቕሮም ክሳብ ክንድዚ ንጹህ ኮይኑ ዝስምዓና እውን ብሰንኪ እዚ ይኸውን። ​ኣብኡ ዝኾነ ይኹን ምትላል የለን። ​ተሓሪዮም ዝተዳለዉ መደረታት ወይ ዘረባታት እውን የለዉን። ​ህላወ፣ እምነት፣ ተኣማንነትን ግብርን ጥራይ እዩ ዘሎ። ​እዚ ሕደ ትምህርቲ እዚ ንሰባት እውን ይሰርሕ እዩ። ​ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ንዝነግረካ ዘይኮነስ፣ ብተደጋጋሚ ከመይ ከም ዝሕዘካ/ከም ዘክብረካ ዝያዳ ኣስተውዕለሉ። ​ምኽንያቱ ጽቡቓት ቃላት ጽቡቕ ስምዒት ጥራይ እዮም ዝፈጥሩ። ቋንቋ ዘይብሉ እሙን ግብሪ ግና ነቲ ሓቂ የቃልሖ። ​ፍቕሪ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ኣመስኪርካሉ ዝሕለፍ ነገር ኣይኮነን። ​እንታይ ደኣ ብህዱእ መንገዲ ብተደጋገሚ ብግብሪ እተርእዮ እዩ። #ፎለው_copylink_ናገበርና_familly

um ybi star
um ybi star
Open In TikTok:
Region: SA
Saturday 03 October 2026 10:39:43 GMT
357
18
0
1

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @umybistar, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About