@kidanzelalem: ወላ እውን ኣብቲ ኮነ ኢሎም ዝፍትኑኻ እዋን፣ በዓል ዕላማ ምዃንካ ስምዒትካ ብምግታእ ኣርእዮም! ስምዒትካ ምግታእ እቲ ዝለዓለ ናይ ብስለት መኣዝን እዩ። ብዙሕ ግዜ ንብዙሓት ሰባት ዘሸግሮም ስምዒቶም ምግታእ እዩ። እዚ ማለት ኣብቲ ንስምዒቶምን ንትዕግስቶምን ዝትንክፍ ኩነታት ዘልዕል ነገር ዘርእይዎ ግንፍልነት እዩ። ገለ ሰባት ኮነ ኢሎም ዝፈትኑኻ፣ ነቲ ዘይትደልዮ ክትገብር ዝደፍኡኻ ኣለዉ። ገለ ኩነታት እውን ብኣጋጣሚ ኣጋጢሙ ናብ ቆይቅን ዘሕርቕ ስምዒትን ዘልዕል እዩ። ኣብዚ እቲ ዝድለ፣ ምኽንያት ናይቲ ኩነታት ዘይኮነስ፣ እቲ ካባኻ ዝድለ "ነብሰ-ምግታእ" እዩ። "እቲ ልሳኑ ዝገትእ ብሰላም ይሓድር" ከም ዝበሃል፣ ልሳንካ ክትገትእ ምኽኣልን ሕርቃንካ ክትቆጻጸር ምኽኣልን ብቐንዱ ንዓኻ እዩ ዝጠቕመካ። ካብ ናይ ሕልና ክሲ ኮነ ወቐሳ ድሒንካ፣ ሰላማዊ ኣእምሮ ወኒንካ ብሰላም ክትሓድርን፣ ነታ ትስዕብ መዓልቲ ብጽቡቕ መንፈስ ንሓድሽ ስራሕ ድሉው ኮንካ እትትንስኣሉ መድረኽ ተዳሉ ኣለኻ ማለት እዩ። ብናይ ሓንቲ ቃል ጸርፊ መላእ ነርቭታትካ ሓዊ ተዘሪእዎም፣ ዘይነበረካ ሕማም ናብ ምጥራይ ክትከይድ ከለኻ፣ ብናይ ሓንሳእ ትዕግስቲ ድማ ናይ ኣእምሮን መንፈስን ሰላም ትዕድግ ከም ዘለኻ ኣይትረስዕ! ኣእምሮኻ ንስራሕን ንትምህርትን ካልእ ንዓኻ ዝጠቕም ናይ ህይወት ነገራት እምበር፣ ኣብቲ ዘይጠቅም፣ እንትርፎ ክሳራን ጓህን ባእስን ጸርፍን ካልእ ዘየምጽእ ናይ ህልኽን ክትዕን ኣይትቖረኖ። ነፍስኻ ብዘይካኻ ካልእ ዋና ስለ ዘይብላ ባዕልኻ ሓልዋ! ጥዑም ኣየር ናብ እተስተንፍሰሉ፣ ሪላክስ ናብ እትኾነሉ፣ መንፈስካን ኣእምሮኻን ናብ ዝሕደሰሉ ቦታታት ውሰዳ፤ ተኸናኸና! ስለዚ ወትሩ ካብዘን ክልተ ነገራት ተጠንቀቕ፦ ንኸብድኻ ካብ እተእትዎ መግብን ንኣእምሮኻ ካብ እትመልኦ ሓሳባትን ኣስተውዕል! ክልቲኦም ብዝመልእዎ መጠን ስለ ዝንቀሳቐሱ፣ ጥዑይ ነገር ኣብ ምምላእ ኣስተውል! — ዘፍጥረት
ሰረት
Region: GB
Monday 05 October 2026 07:08:36 GMT
Music
Download
Comments
kfletesfay :
🥰🥰🥰🥰💙💙💙💙💙
2026-10-13 05:54:16
0
Yared-5 :
ብሓቅ
2026-10-09 14:04:50
1
𝑛𝑖,,𝕪𝕒𝑡➤💎➛✝️👑 :
ብሓቂ ።🙏💙
2026-10-07 11:13:47
0
ዕባይ ጎርጎረ :
ኣዝያ ኣገዳሲትን ጠቃሚትን ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ አዋን ።
2026-10-05 07:24:37
2
ruftalibey4 :
👍👍
2026-10-05 07:29:13
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.