@.459206: ዝደለኻዮ ካብ ምሕሳብ ኣይትፍራሕ !!! . . ብዛዕባ ነብስኻ ክትሓስብ ምጅማር ከፍርሕ ይኸእል እዩ። ናበይ ኣንፈት ከም ዘምርሕ መን ክፈልጥ ይኸእል፡ ብዛዕባ ነብስኻ ምሕሳብ ምስቶም ኣዕሩኸተይ ቀረብተይ ከምኡውን ፈተውተይ ትብሉም ሰባት ናብ ዘየሰማምዕ መትከላትን ኩርናዕ ኣተሓሳሰባን ክወስደካ ይኸእል እዩ ። ሓደ ብኣተሓሳስባ ደገፍ ዘይብሉ ዓይነት ሱብ ውን ክገብረካ ይኽእል እዩ። ኩሉ ዝመጸኻዮ መንገዲ፡ ብኣዝዩ ዘገርም ደረጃ ጌጋ ከምዝበረ ውን ከርእየካ ይኸእል እዩ። ነዚ ኩሉ እንተታት ንጸጋም ገዲፍካ ፍርሕኻ ኣወጊደካ ካብ ምሕሳብ ዓዲ አይትውዓል። ብሓፈሻ ሓደ ዓቢ ሓሳቢ ካብ ሙዃን ዝዕንቅጸካ ዓቢ ነገር እንተልዩ፡ ፍሉይ ናይ ምዃን ፍርሒ እዩ ። እዚ ሓቂ እዚ ርዱእን ክንቅበሎ ዘለናን ሓቂ እዩ፡ ነዚ ሓቂ እዚ ግና ብኣዝዩ ምዕቡልን ህዱእን ኣገባብ ክንፋለሞ ንኸእል ኢና። አብ ናይ ሓሳብ ዓለም ፖሊስ የለን፡፡ ብውሕዱ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈጥረን። ዝኾነ ሰብ እንታይ ትሓስብ ከምዘለኻ ከይነገርዮ፡ ብልክዕ እንታይ ትሓስብ ከምዘለኻ ክፈልጥ አይክእልን አዩ፡ ሰለዚ ከምቲ ክትሓስቦ እትደልዮ ንምሕሳብ ናይ ዝኮነ ፍቻድ ክትሓትት አየድልየካን እዩ፡፡ ዝደለኻዮ ካብ ምሕሳብ ድማ ኣይትፍራሕ፡፡ thanks for reading if you like it please share , like , follow , copylink 🙏 🙏 🙏#📚📚📚📚📚📚📚📚📚mexhaf sdetena#📚📚📚📚📚📚📚📚📚🥰🥰🥰 #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habeshatiktokthe

መጽሓፍ ስደተኛ 🇪🇷📚
መጽሓፍ ስደተኛ 🇪🇷📚
Open In TikTok:
Region: MR
Monday 05 October 2026 13:25:00 GMT
7341
392
3
11

Music

Download

Comments

.wyonas
ዘጠይ.w,Yonas :
🥰🥰🥰
2026-10-05 15:07:15
1
miki.miki0328
it's me mayc🇨🇦🇪🇷🇨🇦 :
👍👍👍👌
2026-10-05 19:45:16
1
asmierur
Asmeret 🇬🇧 :
🥰
2026-10-09 11:41:30
0
To see more videos from user @.459206, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About