@travel_with_kk1: Milano Duomo Cathedral, Milan Italy 🇮🇹 #viral #italy #MilanDuomo #fyp #europe

KhaliĎ
KhaliĎ
Open In TikTok:
Region: IT
Monday 05 October 2026 17:37:55 GMT
279
16
1
1

Music

Download

Comments

shahadathossainkhaled
Khaled~ :
যাক আমার নামের কাউকে পাইলাম
2026-10-05 18:03:24
0
To see more videos from user @travel_with_kk1, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ሰንዓፈን ከባቢኣን ኣስታት 1231 ትርብዒት ኪ.ሜ ስፍሓት ኣለዎ ፡፡ እቲ ዝበረኸ እምባ ካብ ኤርትራ ዝኾነ እምባ-ሶያራ ኣብ ሰንዓፈ ዝርከብ ኮይኑ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 3013 ሜትሮ ብራኸ ኣለዎ ፡፡ እዚ ከባቢ ኣስታት 3,048 ኪ.ሜ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተዶኪኑ ይርከብ፡፡ ሓፈሻዊ ዝርጋሐ ማይ ኣብ ዓመት ከባቢ 40 Omm ከምኡ ውን ኣብ ጽቡቕ ክራማት ድማ ከባቢ 900mm ኣቢሉ ይረክብ፡፡ ኩነታት ኣየር እዚ ከባቢ ንኽትነብረሉ ኣዝዩ ባህታ ዝፈጥር'ዩ ፡፡ እቲ ኸባቢ መሬቱ ብ'ሓምላይ ሳዕሪ ዝተሸፈነ ኮይኑ ዝተፈላለያ ዘቤታዉያን እንስሳታት ከምኡ ውን እንስሳታት ዘንዳም.. ከም ኢራብ፡ ዓጋዜን፡ መፍለስን ዛግራን ዝፋረያሉ ከባቢ'ዩ፡፡ እዚ ቦታ እዚ ዝተፈላለየ ታሪኻዊን ኣርኪዮሎጂካዊን ጂኦግራፍያውን ኣገዳስነት ዘለዎ ቦታታት'ዩ ፡፡ እባ መጠራ ሓንቲ ካብ መስሕብ በጻሕቲ እዚ ኸባቢ እያ ፡፡ ብ'በለው-ከለው ዝብል ቅጽል እትፍለጥ ታሪኻዊት ቦታ መጠራ ፣ ካብ ከተማ ሰንዓፈ ን'ደቡባዊ ምብራቕ ሓደ ኪ.ሜ.ርሒቓ እትርከብ ጥንታዊት ቦታ'ያ፡፡ መጠራ ኣብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ቅ.ል.ክ. ዝተመስረተት ጥንታዊት ከተማ ኮይና ፣ ካብቲ እዋን'ቲ ኣትሒዛ ክሳብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብ ዝነበረ ንግዳዊ መስመር ንግስነት ኣኸሱም ቀንዲ መሰጋገሪት ድልድል ምንባራ ይግለጽ፡፡ ስልጣኔ መጠራን ከባቢኣን ኣብ ንግድን ሕርሻን ዝተመርኮሰ ከም ዝነበረ ይፍለጥ፡፡ ብፍላይ ምስ ኣዱሊስ ፣ ከስከሰን ፣ቆሓይቶን ብዝነበራ ንግዳዊ ርክብ ኣብ እዋና ስልጥንቲ ንኽትከውን ከም ዝሓገዛ ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ይሕብሩ፡፡ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ 2.8 ሜትሮ ቁመት እትውንን ሓወልቲ እውን ኣገዳሲት መስሕብ በጻሕቲ ናይቲ ከባቢ እያ፡፡ ጥንታዊት ከተማ መጠራ ኣብ 1960ታት ብፈረንሳዊ ተመራማሪ ስነ- ጥንቲ ፍራንሲስ ኣንፍረ ብዝተገበረላ መጽናዕቲ ዝተመስከረላ ታሪኽ መንነትን ጥንታውነትን  ወለዶታትና እተጉልሕ ኣገዳሲት ጥንታዊት ቦታ'ያ፡፡

About