@kidanzelalem: ትዕግስቲ ኣብ ጽንኩር ጉዕዞ፣ ልሳንካ ምግታእ ኣብ ናይ ሕርቃን ግዜ፦ ዝበለጸ ባህሪ እዩ። ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዝፍጠረሉ ግዜ፦ ነገራት ከየረጋገጽካ ኣይትወስን። ጫው ጫው ኣብ ዘለወሉ ቦታ ተገሪሂኻ ኣይትጨድር። እንታይ ሒዙ ናበይ ይኸይድ ከይፈለጥካ፣ መማሞቚ ሰብ ዕላማ ኣይትኹን። "ንቁም በበህላዌነ እስከ ናእምር ኣምላክነ"—"ኣምላኽና ክሳዕ እንፈልጥ ኣብ ዘዘለናዮ ብህድኣት ንጸበ።" እዛ ናይ ግእዝ ብህሎ፣ ኣብ ጉዳይ ናበይ ገጹ ከምዝኸይድ ኣነጺርካ ዘይፈለጥካዮ ናይ ዕግርግር ግዜን ቦታን፣ ሃዲኢኻ ነቲ ዝኾውን ብትዕግስትን ምስትውዓልን ምጽባይ ኣዝዩ ቅኑዕ ኣማራጺ ምዃኑ ትምህረና። ኣብ ታህዋኽ ዕንወት እዩ ዘሎ፦ ከም ወዮ "ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ" ዝበሃለሉ፤ ኣብ ታህዋኽን ዘይምስትውዓልን እንትርፎ ዕንወትን ጣዕሳን ካልእ ስለዘየለ፣ ሃዲኢኻ ክልተ ግዜ ምሕሳብ ቅኑዕን መማረጺ ዘይብሉ ምርጫ እዩ። ስለዚ፦ ኣብ ዘይትፈልጦ ጓይላ ተሃዊካ ኣይትሳዕስዕ። ኣብ ዘይትፈልጦ ጉዳይ ብታህዋኽ ርኢቶ ኣይትሃብ። "ቅድም ረኣዮ፡ ፍለጦ፡ ኣስተውዕሎ። ብድሕሪኡ ነቲ እትብሎ ምባል እውን ትኽእል።" — ዘፍጥረት

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Wednesday 14 October 2026 06:16:03 GMT
3596
132
4
15

Music

Download

Comments

habeney84
gal eri 💝 :
yes 💯 😳
2026-10-14 07:03:51
1
miliyenybrah
BiLIEN✝️2️⃣7️⃣ :
በትክክል🔥👌👌
2026-10-14 06:26:40
1
getachewasefa7591
life is short :
አዎን
2026-10-14 09:18:15
0
wedimomonabibi
💫🎶𝓌𝑒𝓭ƗмØмØ𝐍𝐚🎶🤴🙌 :
2026-10-14 07:55:41
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About