@kidanzelalem: ሓደ ካብቶም ዝመረሩ ቃንዛታት ቃንዛ ምፍልላይ እዩ። እትረፍ ብፍቕርን ሓልዮትን ተቐራሪብካዮ ዝነበርካ ሰብ፡ ንዝተወሰነ ግዜ ጥዑም መሓዛኻ ዝነበረ ሰብ "ቻው ደሓን ኩን" ክብለካ ከሎ ዘሎ ሓበጭቦጭ መቊጸሪ የብሉን። ንሰብ እቲ ዝኸበደ ፈተናኡ ምፍልላይ እዩ። ብዝተፈላለየ መንገዲ፡ ብቐሊል ይኹን ብኾለል፡ እቲ ምልላይ የጋጥም እዩ። እንተኾነ ግን፡ ከመይ ተላሊኻ፧ ይኽበድ ወይ ይፍኮስ። ኣብ ምልላይ ዝደኽሞ ሓሲቡ ዝሓዝን የለን። ኣብ ልቡ ዘእተዎ ሰብ ክፍለዮ ግን ካብ ሞት ዘይንእስ መርድእ እዩ ዝኾኖ። "እሕሕ ዝተሰርነቐ ይፈልጣ" ትብል ዓባይ ምስላ ኣላ። ተሰርኒቑ ዘይፈልጥ ሰብ፡ እሕሕ ክትብል ክሰምዓካ ከሎ፦ "ኣታ እንታይ ኮይኑ እዩ ዝርብሸና፡ ርግእ ዘይብል" እዩ ክብለካ። ምኽንያቱ እሕሕታኻ ድምጺ ጯቚጫን ረበሻን ስለዝኾነ ንዕኡ። ምናልባት ሓደ ምፍልላይ ዘይገጠሞ ሰብ፡ "ከይትፈላለ ምጽላይካ" ክሳብ ክንድኡ ቁምነገር ዘይብሉ ሻቕሎት ክመስሎ ይኽእል እዩ። ካልእ እውን "ከይትፈላለ ዘፈላሊ ኣይትግበር" ዝብል መዓዲ ኣይሰኣንን። ምኽንያቱ "መልክዕ ከም ጠማቲኡ" ስለዝበሃል፡ ሰባት ንነገራት በብሸነኻትናን በብተመኩሮናን ክንግምቱ ስለንፍትን ስምዒታትና በበይኑ ከኾውን ባህርያዊ እዩ። እቲ ሓቂ ግን፦ "ከይትፈላለ እትጽሊ" ክብደት ምፍልላይ ስለዝርደኣካን፡ ኣብ ዓለም ካባኻ ንላዕሊ ሓይሊ ዘለዎ ከምዘሎ ስለትኣምንን እዩ ምሕጽንታኻ ተቕርብ። ምሕጽንታ ሻቕሎት፣ ምሕጽንታ ንምፍልላይ ከም ኣማራጺ ዘይምውሳድ፣ ምሕጽንታ ቃንዛ ፍቕሪ፣ ምሕጽንታ ሓቀኛ ስምዒት። እዚ ስምዒት እዚ እዩ ክትምሕጸን ዝገብረካ። ምኽንያቱ፡ ንርክብካ ብ"ሰብ እንተኸደ ሰብ ይመጽእ" ስለዘይሃነጽካዮ! — ዘፍጥረት
ሰረት
Region: GB
Wednesday 14 October 2026 19:14:02 GMT
Music
Download
Comments
goytom :
@
2026-10-15 11:00:10
1
abel king 🤴 :
2026-10-14 23:20:19
1
ፀጋ ኣርአያ :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-10-14 20:52:58
1
ፀጋ ኣርአያ :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-10-14 20:52:58
1
አደዋይ እያ ዓለምይ😘😘😘 :
😥😥😥
2026-10-15 22:18:13
0
እዝግኣቢሄር ይእፈልጥ🤲👏🙏 :
😢😢🥺
2026-10-14 23:17:36
1
Markos Gere :
ማርያምን ብጣዕሚ
2026-10-15 13:04:53
1
yonas hadnet band :
[Red heart][Red heart][Red heart]
2026-10-15 08:51:20
1
ኩሉ ወዮ :
❤️❤️❤️
2026-10-15 08:20:30
1
BiLIEN✝️2️⃣7️⃣ :
🔥👌👌❤️
2026-10-14 19:39:34
1
yaryed @yaryed 1234 :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-10-15 19:40:53
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.