@kidanzelalem: ድላይካ ንምግባር ሓርነት ይህልወካ ይኾውን እዩ፤ ንዝገበርካዮ ናይ ዘይምሕታት ሓርነት ግን የብልካን! ናጽነት ከም ቃል ጥዕምቲ እያ፤ ሒዛቶ ትመጽእ መዘዝ ግን ብዙሕ እዩ። "ድላይካ ናይ ምግባር ሓርነት ኣሎካ" ይብሉኻ እሞ፡ "ብእትገብሮ ግን ተሓተቲ ኣይኮናን" ድማ ይብሉኻ። ዝበዝሐ ሰብ ነታ ቀዳመይቲ ቃል የድምቓ፣ ይፈልጣ፣ ይጥቀመላ እውን እዩ። ነታ "ብእትገብሮ ግን ተሓተቲ ኣይኮናን" ትብል ግን ፍጹም እዩ ዘየስተውዕለላ። እንተኾነ እቲ ዝዓበየ ትርጉም ናይ ናጽነት ኣብታ ካልኣይቲ ዝርከብ ምዃኑ እዩ! እትረፍ ግል-ሰብ፡ ሃገር እውን ናጽነት ምስ ረኸበት—በቲ ብድሕሪ ናጽነታ ዘሎ ባህሪ ዝመጽእ ሳዕቤን ተሓታቲት ንሳ ባዕላ እያ። ናጽነት ኣሎካ ማለት — ንኻልኦት ናጽነት ምኽላእ መሰል ኣሎካ ማለት ኣይኮነን! ናጽነት ኣሎካ ማለት — ነቲ እተፈቕደልካን ዝግበኣካን ናይ ምግባርን ናይ ምስትምቃሩን ሓርነት ኣሎካ ማለት እዩ። ውልቃዊ ሓላፍነት! 🛑 "ሙዚቃ ናይ ምስማዕ መሰል እንተልዩካ፡ ብሙዚቃኻ ንኻልኦት ናይ ምርባሽ መሰል ግን ከምዘይብልካ እዚኣ ውልቃዊት ሓላፍነት እያ!" ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ፤ ድላይካ ናይ ምዝራብ መሰል ኣሎካ እንተተባህለልካ—ንሰብ ክትጸርፍ ግን መሰል ኣሎካ ማለት ከምዘይኮነ ንጹር እዩ! ከም ሕብረተሰብ ክነቕሓሉ ዝግበኣና እቲ ዝዓበየ ድኻምና፡ ናጽነት ካልኦት ኣብ ምሕላው ንጡፋት ዘይምዃና እዩ። ማሕበራዊ መራኸቢታት (Social Media) ኣባል ኴንካ ክትጽሕፍ ወይ ክትልጥፍ ተኽእሎ ተውሂቡካ ማለት፦ ንኻልኦት ከተዋርደሉ፣ ከተናሽወሉ፣ ክትዕምጸሉን ከተፈራርሓሉን መሰል ተውሂቡካ ኣሎ ማለት ኣይኮነን! እታ "ልዕሊ 18 ዓመት ክትኮውን ኣሎካ" ትብል ቅድመ-ኹነት፦ ወላ እኳ ንሕና "ሃሁ" ኢልና ንነግረካ ሕግታትን መምርሕታትን ብዙሕ እንተዘይሃለወ፡ ኣብዚ ክሳዕ 18 ዕድሜኻ ግን መሰረታዊ ዝኾነ ሕግን፣ ስነምግባርን መምርሕን ፈሊጥካ ኣሎኻ እሞ "እኹል ሰብ ኢኻ" ዝብል ትጽቢት ኣባኻ ስለዘሎ እዩ። እዚ ማለት እንታይ ክትገብር ኣሎካን የብልካን ቀዳማዊ ሓላፍነት ኣባኻ እዩ ዘሎ። ንሕና ከም ህጻን "ከምዚ ግበር፡ ከምቲ ኣይትግበር" ክንብለካ የግዲ ኣየድልየናን እዩ፤ እቲ ሓፈሻዊ መምርሒ እንተተዋሂቡካ፡ ካልእ ከም እኹል ሰብ ናይ ምውሳእ ናትካ ሓላፍነት እዩ! ስለዚ "ናጽነት" ዝብል ኣምር—ሱቕ ኢልካ ከምድላይካ ትፍልለሉ ወይ ድማ ንኻልኦት ትዕምጸሉ ዘይኮነስ፡ ከም ሰብ ንሰባት እናኣክበርካን እናተኸበርካን እትነብረሉ መድረኽ ሕድሕድ ምትሕልላው መኣዲ ምዃኑ ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ! "ብናጽነት ንበር — ናይ ካልኦት ናጽነት ድማ ኣይትግሃስ!" — ዘፍጥረት
ሰረት
Region: GB
Monday 19 October 2026 18:48:23 GMT
Music
Download
Comments
ኤልያስ 💫✍️🔐🇸🇦 :
ናጽነት ኣሎካ ማለት — ንኻልኦት ናጽነት ምኽላእ መሰል ኣሎካ ማለት ኣይኮነን!
2026-10-21 06:37:02
2
ማ.ፍ.ያ🤸♂️🤸🏼♂️❤ :
yes of course
2026-10-19 22:22:18
1
Erdi Hadish :
It is a very good lesson🙏
2026-10-20 05:41:08
1
kesit kesit kesit :
bahaki
2026-10-19 20:38:11
1
selam Selamskkkk :
🥰🥰🥰🥰
2026-10-23 19:58:10
1
ጻዕዳ ሓቂ ጥቃ ጽድቂ (ሸለላ ምሽያግ ) :
🥰🥰🥰
2026-10-20 16:11:02
1
ሓቂ ዘረባ ኣብ ቀረባ :
😳😳😳
2026-10-19 19:27:00
1
Eyal Eyal :
🥰🥰🥰
2026-10-19 18:57:57
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.