@m544986: ድሕሪ ደቀምሓረ፡ ግዚያዊ ይኹን ቀዋሚ መስመር ምክልኻል ኣይክህሉን’ዩ። ናይ መወዳእታ ንሕዛ ዒላማ ኣስመራ እያ ክትከውን ዘለዋ።” ክብል ንስብሓት ኢፍሬም ገለጽኩሉ። እቲ እንኮ ንመደብና ዕንቅፋት ክኸውን ዝኽእል ኣብ ዙርያ ደቀምሓረ ድፋዕ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ። እዚ ድፋዕ እንተ ተሰይሩ ግና ኣስመራ እታ ርትዓዊት ዒላማ ክትተሓዝ ዘለዋ ከተማ እያ። ስብሓትን ኣነን በዚ ጉዳይ ብዙሕ ተሰሓሓብና/ተመላለስና። ምስጋና ይኹኖም እቶም ካልኦት ብጾትና ኣብዚ ጉዳይ ጣልቃ ኣተዉና። ዑቕበ ኣብርሃ ንሓሳበይ ደጊፍዎ፡ ብርሃነ ድማ ንዑቕበ ደጊፉ ምስ ሓሳበይ ተሰማምዑ። ጴጥሮስ ግና ኣስቕጥ ኣቢሉ ነበረ። እንተኾነ እቲ ሓለቓ ስታፍ (ስብሓት) ሓሳቡ ቀይሩ ምስቲ ናተይ ሓሳብ ተሰማመዐ፡ ኣስመራ ድማ ዒላማና ክትከውን ተረዳዳእና። ግንቦት 23 ምስቶም ኣብ ወቐርቲ ገስጊሶም ዝነበሩ ሰራዊትና ለይቲ ምስኦም ከሕልፍ ንቕድሚት ኣምራሕኩ። ኣብታ ትቕጽል ግንቦት 24 ድማ ንቕድሚት ናብ ጉዋ ገስጊሰ ንኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 85 ዑመር ጠዊልን ንኣዛዚ ኮር 271 ን ቺና ረኸብክዎም። ሓቢርና ድማ ናብ ኩርባ እምበይቶ ብምኻድ ን ኣዛዚ ክ/ሰራዊት 52 ንፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ረኸብናዮ። ኣርባዕቴና ደው ኢልና እናተመያየጥና ኸለና፡ እቲ ሓለቓ ስታፍ (ስብሓት) ረዲዮ መልእኽቲ ገበረለይ፡ ብዛዕባ ኣቀማምጣ ሰራዊተይን ናይ ካልኦትን ሓበሬታ ሃብክዎ። ሓይልታትና ብ 23 ግንቦት ንዝግብ ተቖጻጺሮም ንጽባሒቱ ናብ ኣፍ ደገ ኣስመራ በጽሑ። ብወገን ደቡብ ኮር 491 ዓዲ ጓዕዳድን ዳዕሮ ቃውሎስን በጽሑ። እቶም ናብ መገዲ ኣስመራ ደቀምሓረ ዝመረሹ ካብ ጎዳይፍ ናይ እምኒ ምድርባይ ርሕቀት በጽሑ። ኣሃዱታት ኮር 271 ንምብራቓዊ ኣጻድፍ ደቡባዊ ኣስመራ ብምሕላፍ ቤት ገርግሽ በጽሑ። ዉልቀመላኺ ኢትዮጵያ መንግስቱ ሃይለማርያም ን ኣዲስ ኣበባ ሓዲጉ ናብ ዙምባብወ ፈርጠጠ፡ እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ኢትዮጵያ ለሚሱ ተረፈ። ዓቕሚ ሰራዊት እቲዮጵያ ንሓልታትና ንምምካት ኣብ ዘይክእልሉ መኺኹ ተረፈ። ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ናይ መንግስቲ ራድዮ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዘተ ከምዝዓደመ ጸወዐት። ሰራዊትና ናብ ኣስመራ ኣትዩ ኣብ ዝነበረሉ ስብሓት ኤፍሬም ብራዲዮ ርክብ “ሕጂ’ውን ንዋና ጸሓፊ ክንሓቶ ኣለና፡ ኣብ ኣስመራ ንዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብራድዮ ዝገብሮ ዘሎ ጻዊዒት ዘተ’ውን ኣብ ግምት ከነእትዎ ኣለና።” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ኣዚየ ተቖጣዕኩ፡ “ክልቲኡ ሓሳብ ሰራዊትና ደው ከብሎ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን።” በልክዎ። እቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገበሮ ናይ ዘተ ጻውዒት ግዜ ንምዕዳግ ምዃኑ ተረዲአ ኣይተቐበልክዎን። ብዛዕባ እቲ ን ዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝበሃል ምስ ኣቶና ነታ ናይ መወዳእታ ቅላዕ ጥራይ ኢና ክንሕብሮ ንኽእል ኢለዮ። እቲ ቅልጣፈ ምረሻ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ምዕባለ ተደጋጋሚ ምልውዋጥ መልእኽቲ ምግባርን ነኣሽቱ ምሕደራዊ ውሳነታት ንምግባር ዘኽእል ኣይኮነን። ብተወሳኺ እቲ ዝግስግዝስ ዝነበረ ሰራዊት ድሮ ሰምበል ኣትዩ እዩ። ናብ ዉሽጢ ከተማ ኣስመራ ንምእታው ገዛእ ርእሶም ኣብዘይከላኸልሉ ኩነታት እዮም ነይሮም። ተመሊስካ ናብ ምክልኻል ምምላስ ማለት ዘይሕሰብ ዉሳነ እዩ። ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት እናተመያየጥና ብዝተወሃሃደ መልክዕ ናብ ማእከል ኣስመራ ድቅድቕ በልና። ግንቦት 24 ሰራዊትና ኣብ ዉሽጢ ኣስመራ ኣትይሉ ኣብዝነበረ፡ ኣነ፡ ዑመር ጠዊልን ፍሊጶስን ኣብ ኩርባ እምበይቶ ኮይና ብዛዕባ ቀጻሊ ስጉምቲ ንመያየጥ ነበርና። ካብቲ ዝርርብና ብዛዕባ ዝተረፉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ከተማ ምጽራይ፡ ምርግጋጽ ጸጥታ እታ ከተማ፡ ካብታ ከተማ ናብ ምዕራብን ደቡብን ዝሃድም ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ዳግም ከይወዳደብ ምክትታል ። ኣብዚ ኩነታት ከለና ምስቲ ስርዓት ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ቢሮክራሲ ሰራሕተኛታት ኣገዳሲ ሓበሬታን ምትሕብባርን ክገብሩልና መጹ። ናብቶም ናብቲ ከተማ ኣትዮም ዘለዉ ሓይልታትና ከይዶም ዘድሊ ምትሕግጋዝ ክገብርሎምን ሰደድናዮም። ዑመርን ፊሊጶስን ናብ ክፍለ ሰራዊቶም ክኸዱ’ከለዉ፡ ኣነን ሃይለ ሳሙኤልን ናብቲ ኣብ መንጎ ጸሎትን ኩርባ እምበይቶን ብምኻድ ነቲ ዝምዕብል ዝነበረ ወተሃደራዊ ኩነታት ክንከታተል ጀመርና። ብፍላይ ኣነ ናብኡ ክኸይድ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ምስ ክ/ሰራዊት 96 (ኮር 381) ክራኸበሉ ዝክል ከባቢ ስለ ዝኾነ ኣዩ። ስብሓት ኣብ ፎርቶ ኣስመራ እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ ስለሞን ምስ ስብሓት ምንባሩ ዉሕስነት ጸጥታ ዝህብ እዩ ኔሩ፡ ምኽንያቱ ስለያና ካብ ዉሽጢ ኣስመራ ሓገዝቲ መልሚሉ ብምንባሩን ናብ ዉሽጢ ኣስመራ ተጋደልቲ ኣስሊዂ ብምጽናሑ ንጡፍ ስራሕ ክገብሩ ኣኽኢሉ። ናይታ ከተማ ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ነቲ ህዝቢ ኣብ ምርግጋእን ዓቢ ተራ ክገብሩ ተስፋ ገበርና። ሓይልታትና ናብ ኣስመራ ክኣትዉን ቀጻሊ ክውሰዱ ብዛዕባ ዘለዎም ስጉምትታት ብንጥፈት ኣብ ዘወሃህደሉ ዝነበርኩ፡ እቲ ናብ ኣስመራ ምእታው ዝብል ሓሳብ ሓቅነቱ ብመልክዕ ሕቶ ኣብ ዉሽጠይ ክመላለስ ጀመረ። ይሓልም ድየ ዘለኹ ዋላ ሓቂ’ዩ ዝብል ጥርጣረ ተመላለሰኒ። ሃንደበት ብድድ ኢለ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ብምዝዋር ናይታ ከተማ ኩነታት ክዕዘብ ጀመርኩ፡ ንሕቶይ ድማ መልሲ ረኸብክሉ። ረዲዮ ርክባት ብቐጻሊ ካብ ኣሃዱታትና መጸኒ፡ ን ኣስመራ ብማዕዶ ምዕዛብ ጥራይ ግን ነቲ ሓታቲ ኣእምሮይ ከዕግቦ ኣይከኣለን። ብ24 ግንቦት፡ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ከባቢ ኣስመራ ለይተይ ኣውጋሕክዎ። ብዙሓት ነፈርቲ ካብ ደቡብ ተበጊሰን ናብ ሰሜናዊ ሸነኽ ክበራ ተዓዝብኩ። ድሒረ ከምተረዳእክዎ እተን ዝበራ ዝነበራ ነፈርቲ ኣካል ናይቲ ናይ እስራኤል “ስርሒት ሶሎሞን” ኮይኑ ልዕሊ 14000 ቤተ እስራኤል (ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ) ኣብ ዉሽጢ 36 ሰዓታት ብ35 በረራ ኣብ እዋን መወዳእታ መዓልታት ህላወ ደርጊ ዝወጽሉ ስርሒት እዩ ነይሩ። ካብ ጊንዳዕ ተበጊሱ ቤት ገርግሽ ዝበጽሐ ካብ ኣዛዚ ኮር 161 ዝኾነ ተኽላይ ሃብተስላሴ ናይ ረዲዮ መልእኽቲ ትቐበልኩ። ካብ ኣሃዱታቱ ናብ መገዲ ከረን መንሳዕ ከይዶም ነቲ ንምዕራብ ናብ ሱዳን ዝግስግስ ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ ክዓግቱ ተሰማማዕና። ነበርቲ ኣስመራ ናብ ጽርግያታት ብምፍሳስ ሓጎሶም ክገልጹ ጀመሩ። ንሰሙናት ድማ ለይትን መዓልቲን ህዝቢ ኣብ ጽርግያታት ወጺኡ ሓጎሱ ክገልጽ ቀነየ። ከም ወተሃደራት መጠን ንኹሉ ጥንቁቓት ክንከውን ነይሩና፡ እቲ ፈንጠዝያ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝኾነ ሕሉፍ ክኸውን ኣይደለናዮን። እንተኾነ ነቲ ወተሃደራዊ ዲሲፕሊን ኣኽቢርና ስሚዒትና ዓብዒብና ትም ክንብል ኣይከኣልናን። ንሕና’ውን ንንዊሕ ዓመታት ዝተጸበናዮ እዩ ነይሩ። (ምንጪ፡ An African Revolution Reclaimed page 319-321) BY Beyene Semere #eritreantiktok #tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok #eritrea

꧁༒𝐏𝐚𝐛𝐥𝐨 𝐞𝐬𝐜𝐨𝐛𝐚𝐫☬༒꧂
꧁༒𝐏𝐚𝐛𝐥𝐨 𝐞𝐬𝐜𝐨𝐛𝐚𝐫☬༒꧂
Open In TikTok:
Region: UG
Tuesday 20 October 2026 16:20:22 GMT
21537
477
14
69

Music

Download

Comments

tewle.media
Tewle Media :
I think he is alive yes. When you say memory it is for someone who passed away
2026-10-20 22:11:26
3
thealchemist577
The-Alchemist :
Sbhat was a puppet of Iseyas from early
2026-10-21 19:30:57
2
erisimom
Eri power :
Jeganu
2026-10-22 02:31:54
1
usamazain181
OM :
its very interesting history
2026-10-21 07:41:37
1
abdounour1976
abdounour1976 :
2026-10-21 10:05:05
1
kkk32851bi9
ብዕድሉ 🇪🇷🌍 :
2026-10-20 21:24:53
1
anbes.19
Anbes 19 :
100%
2026-10-20 17:05:51
2
efrem.tesfay97
እሄም ያልፋል💪🇪🇷 :
ይሕጺርካያ ወስከና ዝዓርከይ ናይ ጀጋኑ ታሪኽ ኣይጽገብንዩ ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንስራዊትና ፡ንስማእታትናን
2026-10-20 18:02:41
12
zaramara93
Sona :
ኢሰያስ ኣብ ሎንዶን ኔሩ ስጋብ ሰነ 10/1991
2026-10-23 13:06:11
1
namso.namso79
Namso Namso :
false history
2026-10-21 13:38:24
2
hanagualmassawa
Hana Gual Massawa :
kor 271, kor 491 dihiri natsinet zikome ahadutat eyou sorry fake news 😅😅😅😅😅
2026-10-23 20:05:27
0
yonatan3747
hiyabey :
[Perfect score][Perfect score][Perfect score]
2026-10-20 16:54:11
1
To see more videos from user @m544986, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About