@elicohen054: one day my love🫂💖 ድምጺ ዘይብሉ ስውር ቋንቋ ፍቅሪ❣️🔐.. ምሳኻ ክዕልል እንከለኹ ኣብ ውሽጠይ ዝፍጠር ፍሉይ ሓጎስ እቲ ምስጢሩ እንታይ ይኾን? ነቲ ዝስምዓኒ ዘሎ ዓሚቝ ስምዒት ክፈልጦ እደሊ፣ ግና ከኣ ብልሳነይ ክገልጾ ዘይኽእል ኣብ ውሽጢ ልበይ ጥራሕ ዝተሓብአ ምስጢር ኮይኑኒ ኣሎ። ብሓንቲ ተራ 'Hii' ዝጀመረ ሌላና፣ ሎሚ ኣብዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ፍቕሪ ጥርዚ ክበጽሕ ፈጺሙ ትጽቢተይ ኣይነበረን። ንስኻ ግና ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ውሽጠይ ብምኽንያት ክርድኦ ዘይኽእል ዓቢ ሓጎስ ፈጢርካ፣ ንልበይ ክትቆጻጸራ ምኽኣልካ ብሓቂ የገርመኒ። ክትድውል ከለኻ፣ ቴለፎነይ ተቐቢለ ኣብ እዝነይ ምስ ኣቕረብክዋ፣ በቶም ጥዑማትን ክቡራትን ቃላትካ ኣዋዲድካ ሰላምታ ትልግሰለይ። ብድሕሪኡ ከም ቆልዓ ቀብጠርጠር እናበልካ፣ ሓንሳብ ተስሕቀኒ፣ ሓንሳብ ተኮርየኒ፣ መሊስካ ከኣ ብምቁራት ቃላትካ ተንድደኒ (ትማርከኒ)። እቲ ኣብ ልዕለይ ዘለካ ክብርን ፍቕርን ኪኖ ቃላት ሓሊፉ ብተግባር ክርእዮ እንከለኹ፣ ኣብ ልዕሌኻ ዘለኒ ፍትወት መመሊሱ ይዓዝዝ። ዝያዳ ዝገርመኒ ግና፣ ልሳንና ከይተዛረበ ልብታትና ብስውር ስቕታ ፍቕረን ክገልጻ ምኽኣለን እዩ። እቲ ናይ ውሽጥኻ ሕሹክታ ብንጹር የስተማቕሮ ኣለኹ፤ ስለዚ እዩ ድማ ፍቕርኻ ብቓላት ዘይኮነ ብተግባር ስለ ዝረኣኽዎ፣ ልበይ ኣብ ልዕሌኻ ሙሉእ እምነት ዘሕደረ። በይነይ ክኸውን ከለኹ ብዛዕባኻ እሓስብ እሞ ሓደ ዘገርመኒ ነገር ኣሎ፦ 'እናተፋቐርና ልብታትና ሓደ ኾይነን እንከለዋ፣ ስለምንታይ ኮን ይኾን ብቓላትና ክንገልጾ ዘይንኽእል?' ይብል። መልሲ እኳ እንተዘይረኸብኩ፣ ከምዚ ብምዃኑ ግና ሕጉስቲ እየ። ሓደ መዓልቲ እቲ ኣብ ልብና ዘሎ ፍቕሪ ብልሳንና ፈሊሙ ከም ዝፈስስ እፈልጥ እየ። ክሳብ ሽዑ ግና፣ በቲ ድምጺ ዘይብሉ፣ ልብታትና ብናተን ፍሉይ ቋንቋ ተረዲአን ዝናበባኦ ፍቕሪ ብዕምቆት ከስተማቅሮ እየ። ንስኻ ናይ ውሽጠይ ቃንዛ እተድምጽ፣ ንሕማመይ እተሕውይ፣ ሰላማዊት ህይወተይ ኢኻ። ኣብ ሓጺር እዋን ንውሽጠይ ናይ ሓቀኛ ደስታ መንፈስ ዝዓደልካ፣ ብቓላትካን ተግባርካን ፍቕርን ክብርን እተዐድለኒ ፍሉይ ኣዳም ኢኻ። ስለዚ ኣብ ዙፋን ልበይ ክትነግስ ሙሉእ ፍቓደይ ሂበካ ኣለኹ።"✍️

✨𝗟𝗼𝘃𝗲 ❤️
✨𝗟𝗼𝘃𝗲 ❤️
Open In TikTok:
Region: KE
Wednesday 21 October 2026 09:27:46 GMT
32217
1355
14
316

Music

Download

Comments

as9104742
A&S❤💋❤💋🤴💫🙏💋❤ :
nay behaqi me Adiss too may love kampala
2026-10-21 18:36:41
0
che.che.love2
che che love :
ya naye bhqi eu rihqat zawo fqri zhzana 🥰🥰🥰❣️
2026-10-21 14:03:05
0
fveline2
N̶A̶T̶E̶Y̶ 🅂👌🅃 :
3 ዓመት ኣነ ሊብያ ንስ ኣዲስ ሕጂ ግን ባሃንስብ ኣለና ስዊዚ ተመስገን 🙏🙏🙏🙏🙏
2026-10-21 21:19:15
3
aki395100
aki :
me Canada my love eritrea
2026-10-21 14:36:34
0
galadwa69
Raki12💊💎🔋🏖🍫🦋 :
nay bahakukum dikum rhket zelowo fkr zhzekum eski pls tegedskum melsuley
2026-10-21 11:22:28
0
jsiilove4
ምንባር ኣይድገምን ኢዩ :
me Nederands my love adis🥺
2026-10-21 18:27:30
0
fre_life
Fre ✝️ 👸 :
lule 🥺🤴
2026-10-21 13:28:51
0
alex_eri_boy1
ኣሌክስ⚡️ :
@luli gal Sudan 💫💥 🥺😔
2026-10-21 20:13:19
0
feven.estifanos0
gal fathu :
[Red heart][Red heart][Red heart]
2026-10-21 15:46:38
0
yikuno.abrha1
𝑦𝑖𝑘𝑢𝑛𝑜 𝑐ℎ𝑒𝑙𝑠𝑒𝑎 :
🥰🥰🥰
2026-10-21 13:04:35
0
shshaye.wedi.nega
ሳሚ ወዲ እ/ጉና :
[Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming]
2026-10-21 10:57:10
0
rodas.misgina
Rodas misgina🌺🌺 :
🥰🥰🥰
2026-10-21 10:52:33
0
merontsegay921
ምስጢር alem :
💙💙💙
2026-10-21 23:36:22
0
To see more videos from user @elicohen054, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About