@orthodoxsawi11: 🔴ሓፂር ታሪኽ ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ 🍁ገዳም ኣቡነ ኣረጋዊ ደብረ ዳሞ ኣብ ትግራይ ወረዳ ጉለመከዳ ዝርከብ፣ ካብ ጥንታዊን ታሪኻዊን ገዳማት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሓደ እዩ። 🍁ገዳም ደብረ ዳሞ ብትውፊት ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን፣ ብኣቡነ ኣረጋዊ (ዘሚካኤል ኣረጋዊ) ከም ዝተመስረተ ይንገር። 📍ኣቡነ ኣረጋዊ ሓደ ካብቶም ብስም ትሽዓተ ቅዱሳን ዝፍለጡ ቅዱሳን ሓደ ኮይኖም፣ ኣብ ኢትዮጵያ ምንኩስናን ክርስትናን ንምስፋሕ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ይእመን። 🍁ብዛዕባ መስረት ገዳሙ ዝንገር ታሪኻዊ ትውፊት፣ ኣቡነ ኣረጋዊ ናብቲ ልዑልን ኣብ ኩሉ ኣንፈት ብገደል ዝተኸበበን እምባ ክድይቡ ከለዉ፣ ብተኣምራዊ መንገዲ ብዓቢ ተመን ከም ዝተሓገዙ ይገልጽ። እዚ ታሪኽ ኣብ ትውፊት ቤተክርስትያን ዝተዓቀበ ታሪኻዊ ገዳም እዩ ሐዚ ድማ ኣብ ዩኒስኮ ንምምዝጋብ ኣብ ከይዱ ይርከብ። 📍እቲ ገዳም ብጥንታዊ ህንፃኡ፣ ኣብኡ ብዝርከቡ ብራናታትን መንፈሳዊ ቅርስታትን ፍሉይ ቦታ ኣለዎ። ናብ ጫፍ እቲ እምባ ንምድያብ እውን ገመድ ይጥቀሙ። ብምኽንያት እዚ ፍሉይ ኣቀማምጣኡን ነዊሕ ታሪኹን፣ ደብረ ዳሞ ካብ ዝኸበሩ ታሪኻዊ ገዳማት ሓደ እዩ። 🍁ኩሉ ግዘ በቢ ዓመቱ ጥቅምቲ 14 ድማ እናተኸበረ ይርከብ። ብዙሓት ኣመንቲ ተዋህዶ ድማ ናብዚ ታሪኻዊ ገዳም ካብ ውሽጥን ደገን ንክሳለሙ ይመፁ። 📍ትግራይ ዘይተሃወፁ ብዙሓት ታሪካትን ሓድግታትን ዝወነነት ገፀ በረኸት ስፍራ ቅዱሳን ከም ዝኸነት ይንገረላ። 📍ኣብ ስደት ዘለኹም ኣሕዋተይ ናብዚ ቅዱስ ገዳም ብሰላም ዓድኹም ተመሊስኩም ንምስላም የብቅዕኩም👏 እንኳዕ ንዓመታዊ ክብረ በዓል ኣብፀሐኹም👏 #orthodox #ደብረዳሞአቡነአረጋዊገዳም #debredamo #foryoupage #ተዋህዶ

𝐎𝐫𝐭𝐡𝐨𝐝𝐨𝐱𝐬𝐚𝐰𝐢 ☦📸
𝐎𝐫𝐭𝐡𝐨𝐝𝐨𝐱𝐬𝐚𝐰𝐢 ☦📸
Open In TikTok:
Region: ET
Wednesday 21 October 2026 15:34:39 GMT
2429
179
3
134

Music

Download

Comments

tewelde.abadi
Tewelde Abadi21 :
🙏🙏🙏🙏🙏
2026-10-21 17:16:20
0
hadush4734110639311
wedi tafie :
❤️❤️❤️
2026-10-21 15:45:13
0
giduweditewehdo
ጊዱ ወዲ ተዋህዶ :
💗💗💗
2026-10-22 09:02:15
0
To see more videos from user @orthodoxsawi11, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About