@lost.in_music: ғɪʜɪʀᴀ_ʙᴇʟᴜʟᴇʏ 🥺🎶🎧 ፍሒራ፣ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በቀሊል ክኣቱ ዝክእል፡ ስምዒቱ ክትንክፍ፡ ዝተረስዐ ተዘክሮታት ክትንስእን ብዘይ ቃላት እውን ብዙሕ ክዛረብን ዝኽእል ሓይሊ ስነ-ጥበብ ዘለዎ ድንቂ ስነጥበበኛ'ዩ እዩ። ዕምቆት ግጥምታቱ፡ ልዝብን ትርጉም ዝመልኦን ኣገላልጻኡ፡ ከምኡ'ውን ካብ ልቢ ዝወጸ ዝመስል ዜማታቱ፡ ንደርፍታቱ ካብ ተራ ደርፊ ናብ ህያው ታሪኽ ስምዒት ይቕይሮ። ነፍሲ ወከፍ ግጥሙ መልእኽቲ ኣለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜማኡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ደርፉ ድማ ኣብ ልቢ ሰማዒ ምስ ተሰምዐ እንተዘይኮይኑ ብቐሊሉ ዘይጠፍእ ምልክት ይገድፍ። እቲ ዝያዳ ዘደንቕ ኣብኡ፡ ደርፍታቱ እዝኒ ጥራይ ዘይኮነስ ልቢ እውን ስለ ዝሰምዖ እዩ። ኣብ ዜማታቱ ፍቕሪ፡ ሓዘን፡ ተስፋን ተዘክሮን ኣብ ሓደ ዝተዋሃሃደ ስነ-ጥበብ ይራኸቡ። ንዓኡ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ሙዚቃ ምስራሕ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሰብ ዘይተዛረበ ስምዒት ብዜማ፡ ናይ ልቢ ምስጢር ብግጥሚ፡ ናይ ህይወት ተመኩሮ ድማ ብደርፊ ክገልጽ ምኽኣሉ እዩ። ከም ብዓል ፊሒራ ዓይነት ደራፊ... ደርፊ ኣይኮነን ዝሰርሒ፤ ተዘክሮ ወይ ትዝታ'ዮም ዝሓድጉ። ዜማኡ ኣይውዳእን እዩ፤ ኣብ ልብኻን ኣእምሮካን ብዘይምቁራጽ ይቕጽል። ግጥሙ ኣይርሳዕን እዩ፤ ምስ ህይወትካ እናተጓዕዘ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሓድሽ ትርጉም ይህበካ። ዓመታት ምስ ዝሓለፉ'ውን ኣብ ልብኻ ህያው ኮይኑ ዝነብር ደራፊ መን'ዩ ተዝብሃል "ፊሒራ"ያ መልሰይ። #habeshatiktok #eritreantiktok #creatorsearchinsights #fyp #eritreantiktok🇪🇷🇪🇷habesha
❥ 𝓙𝓪𝓻𝓮𝔂 𝓳𝓻.⚓️
Region: UG
Wednesday 21 October 2026 19:06:28 GMT
Music
Download
Comments
natnael0306 :
Eza derfi gin ab YouTube yelan abey ena kinrekba ba hukot
2026-10-21 19:15:15
1
ማንቸ ደመይ ⚽️🤌 :
2026-10-21 19:15:00
1
✥ ካትሪን ♔ 🧡 :
King🎼⚡️🧡
2026-10-21 22:07:06
0
𝐩a𝓝a𝐃𝕆Ļ 🦅 ᵀᵉᶻᵉᶻ ᵗᵃᵖᵉˢ :
ህልም 🎶🫂
2026-10-21 20:43:07
0
Fili :
2026-10-21 19:43:20
0
ከመይ ዲና ንሕና 😉 :
2026-10-21 20:19:27
0
Sayat :
🩶
2026-10-21 20:24:09
0
To see more videos from user @lost.in_music, please go to the Tikwm
homepage.