@teklish.fiyameta: 📍6 ድንቅታት ገዳም ደብረዳሞ ==================== 🦎 እቲ መደያየቢ፡- ብጀንደ (ናይ ቆርበት ሓብሊ) ጥራሕ 15 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ፀድፊ ተንጠልጢልካ ዝድየብ እዩ። 🏛️ ፅንዓት ስነ-ህንፃ፡- ካብ 6ይ ክፍለ ዘበን ኣትሒዙ ብዘይካ ናይ ቆርቆሮ ሕድሳት ምንም ዓይነት ፅገና ዘየድለዮ ናይ ኣክሱማውያን ጥበብ። 🛡️ ናይ ዕንወት ተኣምር፡- ካብ ዕንወት ዮዲት ጉዲትን መሓመድ ግራኝን ዝተረፈን ብዙሓት ሓድግታት ዘዕቖበን ሓደ ኣካል ታሪኽና እዩ። 💧 መስተንክራዊ ሆረየታት፡- ኣብ ዝባን እቲ እምባ ዝርከቡ ልዕሊ 40 ብምስጢራዊ "ሳባ" ዝተሸፈኑ ፅሩያት ጉድጓዳት ማይ 📜 ናይ ስም መበገሲ፡- ኣቡነ ኣረጋዊ ነቲ ብሃፀይ ገብረመስቀል ዝተሰርሐ መደያየቢ «ዳህምሞ» ስለዝበሉዎ «ደብረ ዳሞ» ተባሂሉ ክፅዋዕ ክኢሉ። 🐐 ደቂ ኣንስትዮ ክድይባ ዘይፍቀደሉ፡- ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ገዳማት ብሓብሊ ጥራሕ ዝድየብን ደቂ ኣንስትዮ (እንስሳታት እውን ከይተረፋ) ዘይኣትዋሉን መስተንክራዊ ገዳም እዩ። ዓመታዊ ክብረ በዓል ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም ደብረዳሞ ፅባሕ 14 ጥቅምቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ክኽበር እዩ።
Teklish Fiyameta
Region: ET
Friday 23 October 2026 07:23:09 GMT
Music
Download
Comments
Abraha haylemelekot ስራሕቲ ደለላ :
እካዕ ንኽበረ በዓሉ ኣቡነ ኣረጋዊ ብሰላም ኣብፀሐኩም በዓሉ ናይሰላም ናይደስታ ይግበረልና
2026-10-23 11:55:05
3
haddis :
ናብዛ ቀዳመይቲ መጽረይት ሐጢአት ገዳም አመታዊ በአል እንዃእ አብጽሐና ።ናይዞም ቅዱስ ወላዲና በረከቶም አይፈለየና ።
2026-10-23 10:37:10
2
Amen :
እንቃዕ አብጸሓና ንአሚነአበና አመነአረጋዊ ዐመት ሰላም ይግበርልና ንኩልህዚቢትግራይ
2026-10-23 13:02:12
0
ጣፋጭ :
❤️❤️❤️
2026-10-23 13:05:03
0
awet awin :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-10-23 10:29:37
0
Gall 70 damo :
🙏🙏🙏
2026-10-23 14:08:41
0
merye :
🥰🥰🥰
2026-10-23 14:41:09
0
To see more videos from user @teklish.fiyameta, please go to the Tikwm
homepage.