@magi.kiros: "ህወሓት ስልቲ ቀይሩ እምበር ኣይተስዓረን!!" #ሚኪ_ራያ ኣብዚኣማ ብፆት! ህወሓትን መንግስቱን ትበተነ እምበር ኣይትደምሰሰን:: ካብ ሱሩዕ ኩናት ወፂኡ ናብ ደባይ ኩናት ቀየረ እምበር ኣይተስዓረን:: ሱሩዕ ውግእ ንምውጋእ ዘኽእል ሓይሊ ሰብ ዘይክህልዎ ይኽእል ብደባይ ውግእ ኣብ ሓደ ግዜ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ናይ ምጥቃዕን ቦታ ምቕያርን ተኽእሎ ኣለዎ እዩ:: ሓይሊ ሰላምን ሰራዊት ፌዴራልን ክስዕሩ ዎ ተኾይኖም ናይውግእ ስልቶም ምስ ኣሰላልፋ ደባይ ተስተኻኺሎም እዩ:: መንግስቲ ቀዋሚ ዓላማ ስለዝኾነ ካብ ተፈላለየ መጥቃዕቲ ምድሓን ከቢድ እዩ:: ን50 ዓመት ሂወት ትግራይ ካብ ኢኮኖሚ ክሳብ ኣእምሮ ተቆፃፂሩ ካብ ጉጅለ 5 ክሳብ ፌዴራል ዝመርሕን ዝገዝእን ዝነበረ ውድብ ብኣማኢት ኣሽሓት ተንኣሰ ኣብዚ እዋን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ደገፍቲ ዘለውዎ ውድብ ብቐልሉ ክጠፍእ ኣይኽእልን:: ህወሓት ዓቕሙ መዳኸመ ብዙሕ ሓይሊ ሰብን ወታደራዊ ንዋትን ዘስኣኖ ናይ ዓይኒ ዕሙተይ ኮናት መስመር ቆቦን ኣገው ሰቆጣን ሓይሊ ክዛባዕ ገይሩ መንግስቲ ክነቅልን ስልቲ ውግኡ ክቕይር ትገዲዱ እምበር ንምልሰት እኳ ተዘይክኣለ ንምሕንፋሽን ምሕማስን ዘኽእል ዓቕሚ ግን ሕዚ እውን ከምዘሎ እዩ:: ላዕለዎትን ታሕተዎትን ሓለፍቲ ሓይሊ ሰላምን ምስለነ መንግስቲ ብዓል ሓደራን ህወሓት መይቱ እዩ ዳግም ኣይልዓልን ዝብል ነድሪን መደረን ትክክል ኣይኮነን:: እቲ ኣሰላልፋ እዩ ትቐይሩ:: TPF ናብ ህወሓትህ, ህወሓት ድማ ናብ TPF እዩ ትቐይሩ:: TPF ኣብ ክልል ዓፋር እዩ ሓራ መሬት ገይሩ ፀኒሑ, ህወሓት ግን ዳርጋ ኣብ ኩለን ከባቢታት ትግራይ ሓራ መሬት ዝመስል ዝንቀሳቐሰሉ ቦታ ኣለዎ እዩ:: ህወሓት ክዳኸምን ዳግም ናብ ስልጣን ከይምለስ ክግበር ዝኽእል ብክልተ ነገር እዩ:: ሓደ እቲ ስልቲ ቃልሲ ብኽፋል በቲ ናሃቱ ቕዲ ተተቓንዩ, ክይልኣይ ነቲ ሕዚ እውን ብውዲ ይኹን ብግዲ ዝውንኖ ሰሰራት ንክብተን ግቡእ ፖለቲካ ብምስራሕን ነቲ ቓልሲ ክኽተል ዝኽእል መንእሰይ ከይህሉ ሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ብምኽኣል እዩ::: እቲ ሕዚ ብናይ ዓርሰምሕደራ ተጀመረ መረፃ መሰረታዊ ግልጋሎ ክረክብ ብምግባርን ናብ ንቡር ንክምለስ ዘኽእልግልጋሎት ብምሃ, ከምኡ እውን ሕገመንግስትዊ ግዝኣት ትግራይ ብምምላስን ዳግም ኣሸናፊ ኮይኑ ናብ ስልጣን ነይክይልምልሰ ብምግባርእዩ:: ብወገን ሓይሊ ሰላምን ፌዴራልን ድሌት ህዝቢ ማእኸል ገይሮም ተዋደደን ተወደበን ዘመተ ብምግባር ነቲ ናይ ህወሓት ዝነበረ ሰንሰለት ክሽፍኑዎን ብዝበለፀ ክሰርሑን ክኽእሉ ኣለዎም:: ካሊእ ብወገን ምስ ፌዴራል ብፍላይ ምስ ብልፅግና ጥምረት ዝፈጠሩ ፖለቲከኛታትን ታሕተዎት ኣክቲቪስታትን ከምኡ እውን ንሓይሊ ሰላም ዝውክሉን ዝመርሑን መመሓደርቲ መንግስቲ ሓደራን ዝዝረቡ/Rhetoric ክቕንስ ኣለዎ:: እዚ ኩናት ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ዝካየድ ዘሎን መዋቲን ቀታሊን ትግረዋይ ብሙኻኑ ብሰላማዊ ዘተን ድርድርን ንምፍታሕ ድሌት ከርእዩ ኣለዎም:: ደምሰስናዮም,, ኣረናዮም, ቀበርናዮም ዝዓይነቱ መደረ ንጉጅለ ህወሓት ንባዕሉ እውን ኣይጠቐሞን:: ህዝቢ ቕድሚ ተግባር ናይ ሓሳብ ተበግሶ እዩ ዝግምግም ስለዚ እቲ በቢ ቦታኡ ዝግበር ፕሮፓጋንዳ ዝመስል ወግዒ ቕጥዒን መልክዕን ክህልዎ ክስራሕ ኣለዎም:: ብተወሳኺ ፍርቂ ዓወት ዝሽፍንን ልቢ ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ዝገዝእ ናይ ፕሮፓጋንዳ ተረኽ ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ ናይ ትግራይ ማሕበራዊንእሴትምእታው ኣይድልን:: ንኣብነት ሃይማኖዋላ ፀገም ይሃልዋ ብሰንኪውልቀ ሰባት ምዝላፍን ምንኣስን ኣየድልን:: ህዝቢ ከም ህዝቢ ድሑርን ዘየገናዝብን ከምዝኾነ ገይርኻ ናይ ብልፅግና ዝዓይነቱ ብንዕቐት ናይ ምርኣይን ምዝላፍን ከይህሉ ጥንቃቐ የድሊ:: ናይ ኩሉ መሰረት ይድሓር ይማዕብል ህዝቢ ስለዝኾነ:: ካሊእ ናይ ሚድያ ብፍላይ ካብ ኣካላትእቲ መንግስቲ ሓደራን TPF ን ዝግበር ዘረባታት ብማእኸላዊነት ክቆፃፀር ኣለዎ:: ተዘየሎ ኩሉ ኣባል TPF እየ ዝብል በቢ ዘምፅአሉ ዝዛረብ ተኾይኑ ሓደገኛ እዩ:: ምኽንያቱ ብግዝያዊ ዓወት ሰኺርኻን ብውልቃዊ ፅልኢ ተበጊስካ ብዙሕሰብ ናብ ስግኣት ዘእቱ ነገራትመአንተ ከይዝረቡ:: ናይ ሚድያቁፅፅር Monopoly of media ኣብ መንጎ ኣባላቱ ክህልዎኣለዎ:: ናፃ ክኸውን ዘለዎ ናፃ ናይ ህዝቢ ሚድያን ህዝቢ ጥራሕ እዩ:: እቲ ካሊእንኣገዳሲን ሓደ መንግስቲ መንግስቲ ዝገብሮ Monopoly of power/ናይ መሳርያ ቁፅፅር ምስ ዝህልዎእዩ:: ኣብዚእዋን ኣብ ትግራይተበተነ መሳርያ ብዙሕ እዩ:: እዚ ብዝግባእ ተሓሰበሉ ናይ ቁፅፅር መስርሕ ብምምስራት ክእክቦ ኣለዎ:: ምኽንያቱ ብዙሕ መሳርያተዓጠቐ ሓይሊ ስ ዝህሉ ውዱብን ተናፀልን ወንጀል ናይ ምፍፃም ተኽእሎ ስለዝውስኽ:: ብፍላይ ፀጥታ ንሓደ ማሕበረሰብ ወሳኒ እዩ:: ሓደ ስርዓት ከምስርዓት ንክቕፅልን ካልኦት ናይ ልምዓትን ህንፀትን ስራሕቲ ንከፈፀም ተረጋግዐ ኩነታትክፈጥር ኣለዎ:: እዚ ዝብል ዘለኹ ኣብቲ ተቖፃፀሮ ከባቢታት ዘሎ ህዝቢ ማለተይ እየ:: ነቲ ናብቲ ዝነበሮ ናይ 50 ዓመት ናይ ስልጣንን ሓይሊን ልዕልነት ክምለስ ዝፍትንዘሎ ጉጅለህወሓት ማለትኣይኮነን:: ንሱ እውን እንተኾነ ግን ብተፈላለየ ኣቀራርባ ምዕጥቁ ንዝፈትሐ ግቡእ ካሕሳን ምጥያስን ብምቕራብ ዕጥቂ ክፍትሕ ዝኽእል መስርሕ ምዝርጋሕ የድሊ እዩ:: ንምጥቕላል, ሓደ መንግስቲ ኣፍሪስካ ብፍላይ ብደማዊ ውግእ በቲንኻ ካሊእ ስርዓትን መንግስቲ ክትስርት ከለኻ ቀሊል ኣይክኸውንን:: ስለዚ ድማ ዝግበሩ ነገራት ዝልወጡ ይኹኑ ሓደሽቲ ዝህነፁ ነገራት ናይ ህዝቢ ድሌትማእኸል ዝገበሩ ብምግባርህዝቢ ብዓል ቤት እቲ ለውጢንስርዓትን ክኸውን ምእማንይሓትት:: ገለ ገሊኡድማ ክይብሕሉፍ ተሞክሮ ምምሃር የድሊ:: ድሕሪውድቀት ሃይለስላሴን ስዕረት ደርጊን ብሃገር ደረጃ ተገበረ ናይ ምርግጋዕ ከይዲ ነቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ናብ ንቡር ናይ ምምላስከይዲ ግብኣት ክኸውንይኽእልእዩ:: ኮይኑ ግን ሽዑ ዝነበረ ጠለብን ሕዚ ዘሎ ድሌትን ስለዝፈላለ ምስ ግዜን ኩነታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ:: ኣብ መወዳእታ ክብሎዝደሊ ኣገዳሲ ነገር ናይ ስራሕን ስልጣን ናይ ምክፋል መስርሕን እዩ:: ሓደ መግስቲ ፈሪሱ ማለት ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ሰራሕተኛን ትካላትን ክፈርሱ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን:: ነቲ ኩነታትብዝምጥን ክሰርሑን ንህዝቢ ብዘገልግ ክሰርሑ ምግባር እዩ ዘድሊ:: ምኽንያቱ ቢሮክራሲ/ ኣገልግሎት ውሃቢ ሰራሕተኛ መንግስቲ ነቲ ዝህነፅ ስርዓት ኣገዳሲ እዩ:: ከምኡ እውን እቲ ኣብቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ዝነበረ ሰራሕተኛ ዘዕንግሎ ከብዲን ዝመርሖን ስድራን ስለዘለዎ:: ንምድምዳም; ኣምባገነንነት እትስዓሮ ዝሐሽካ ኮይንኻ ምስ እትርከብ, ዓፈና እትሰብሮ ዘይትዕፍንኮይንኻ ምስ ትርከብ እዩ:: ዘይፍትሓዊነት እትቕይሮ ፍትሓዊ መማረፂ ኮይንኻ ምስ ትሰርሕ እዩ: “The best revange for dictatorship is democracy.” ከም ዝብሃል ምልኪ ብዝሓሸ ዲሞክራሲ እዩ ዝስዓር እሞ በሊፅኩም ትረኸቡ:: ሽዑ ህዝቢ መንተ ባዕሉ መንተ ረብሓኡ ኢሉ ነቲ ዝህነፅህዝባዊ ስርዓት ክሕልዎ እዩ:: ንክውንኖ ናይ ባዕሎ ከምዝኾነ ክኣምን ኣለዎ:: ንኹሉ መፍትሒ በሊፅኻ ምርካብ እዩ እሞ ንብለፅ:: ልባም ካብ ውድቀትንትንሳኤን ካልኦት ይምሃር Take a lesson.
Dendes View📚
Region: ET
Saturday 24 October 2026 17:31:20 GMT
Music
Download
Comments
Sollman26 :
ናይ ሕወሓት ጉዳይ ፈጣሪ እዩ ወዲኡዎ
2026-10-24 21:08:56
7
nazrawi :
ሓቂመንእሰይይከድሎቡዙሕ
2026-10-24 20:59:23
3
Tom :
ትክከለኛ ሓሰብ እዩ
2026-10-24 18:54:05
3
ቀፃሊ እዩ ጉዕዞይ።🙏🙏🙏 :
ትኽክል
2026-10-25 15:44:58
1
tedy sky light :
ቅመም ዝኾነ ሓሳብ
2026-10-25 05:33:33
2
ጥቁር ሰው 😎 :
ትክክል ሓሳብ
2026-10-24 20:29:18
4
noad boos dan 💪 :
right
2026-10-25 07:40:16
1
haile :
ትክክል100%
2026-10-25 06:24:26
2
Nove :
😂😂😂 ኣይብልን
2026-10-25 04:14:50
1
sho :
aminka do
2026-10-24 19:56:56
1
Getachew Muez :
ሓቂ እዩ ሚኪ
2026-10-25 03:20:13
1
ቀፃሊ እዩ ጉዕዞይ።🙏🙏🙏 :
ወያኔ መቸም ኣይሰዓርን ከምዘይትስዓር ንባዕሎም ይፈልጡ እዮም
2026-10-25 15:45:36
2
Tk፩NF :
ፅቡቅ ኢኻ ገሊፅካዮ ነገር ግን TPF አብ መጀመርታ ጀሚሩ ፈሪስዎ እዩ። ዋላ እውን ብሕገ መንግስቲ መሠረት ፌደራል መንግስቲ በዓል ሓደራ መንግስቲ ናይ ምጥያሽ ስልጣን የሃልዎ ህዝቢ ትግራይከ ሕገ መንግስቲ መሠረት ጌሩ አብይ አሕመድ ዝመረፀሉ ኣካላት ይቅበል ዶ እዩ??ምከኽንያቱ ሕገ መንግስቲ ዋሕስ ክኾኖ ስለዘይከአለ
ናይ ትግራይ ጉዳይ ገና እዩ።
2026-10-25 11:06:21
3
user9229565058461 :
ሕወሐት ንቅድሚት
2026-10-25 14:28:35
2
ቢንያም ሓዉ ን ሰውእ ተጋዳለይ ሓየሎም :
tplf king
2026-10-25 08:03:08
2
Tsegay :
ወያኔ መቸም ኣይሳዓርን
2026-10-25 13:00:32
1
tsegakidane105 :
ፍናፍንቴ ሓሳብ እንዳምፃኹም ኣይተዳኹሙና🙏
2026-10-25 09:23:26
1
ňŏ ņãmé 🤴 :
ባነር ከቢሩ ይባሃልሎ ብከዚኩም ኣዝዙ
ብሰላም ተሰውኡ
2026-10-25 05:15:56
1
Haftamu :
አዝይ ምፍላቲካ እውን ቱብቅ አዩ 🙏🙏
2026-10-24 20:16:19
3
PRO :
ኩሉ ሓሪፍ ነይሩ ግን ህዝቢ ካብ ብልፅግና ታይ እዩ ክረክብሞ ንባዕሉ ኢሉ ክሕሉ😂
2026-10-24 20:09:41
3
haf :
amazing idea
2026-10-24 22:07:46
1
user04567796569 :
mechewum ayshenefim
2026-10-25 15:40:21
1
nahom Aura :
ካብ ልቢ ሰብ እንተወፂእኻ መንግስቲ እንድሕር ፈሪሱ 50 ዓመት ዝኣከብኻዮ ንብረትን ሃፍትን እንተጠፊኡ ዋላ ተመሊሶም ስልጣን ተሒዞም እዚ ኹሉ ሃፍትን ንብረትን ዝጠፈአ ንምእካብ ንህዝቢ ትግራይ ኣዋፅኡለይ እናበለት ሰንሰን ከምተብሎ ርግፅ እዩ።
2026-10-25 07:30:53
1
ሰላማ :
ናይ 800 ዓመታት መርገፅትን መቕተልትን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዘይተመነዎምስ ናይ 50 ዓመታት ወያናይ ዲሞክራሲ ተመንዩና ማለት ገዛእትና ከም ድሌቶም ከይረግፁና ከየጥፍኡና ሕወሓት ዕንቅፋት ኮይንዎም እዩ ዝብሃል። ካብ ሰላማዊ ናብራ ጨፍጫፍ ኢትዮጵያ ዝብህግ ሕልና ጥዑይ ኣተሓሳስባ እዩ ምባል ኣይከኣልን። ብጨፍጫፍ ብዙሓት ከብደይን ጁባይን ክመልእ እንተዘይኮይኑ።
2026-10-25 18:24:45
0
almaz gebru :
ካብ ልቢ ድዩ !
2026-10-25 05:20:33
1
To see more videos from user @magi.kiros, please go to the Tikwm
homepage.