@nimitbibae_official: ኣብ ህይወት ሓደ ኣዝዩ ዝኸበደ ጌጋ ኣሎ። ሰባት ከይሓዝኑ፣ ከይቕየሙኻ፣ ወይ ከይገድፉኻ ብምፍራሕ፣ እቲ ንስኻ ዘይትደልዮ ህይወት ምንባር። ንሰብ ከተሐጉስ ኢልካ ኣብ ዘይትደልዮ ነገር ትሰማማዕ። ንሰብ ከይትኸስር ኢልካ ናትካ ሓቂ ትሓብእ። ንሰብ ከይተቕይም ኢልካ ካብ መሰልካ ትምለስ። ንሰብ ከም ዝደልዮ ክትከውን ኢልካ ድማ እቲ ንስኻ ክትከውን እትደልዮ ሰብ ትርስዕ። ቀስ ብቐስ እቲ ዘሕዝን ነገር ይፍጠር፤ ሰባት ብምምሳል ንርእስኻ ትስእና። 👉 ኩሉ ሰብ ክሕጎስ ኢልካ ንርእስኻ እንተሓዲግካያ፣ እቲ ዝተረፈ ሰብ መን እዩ ክከናኸነካ? 🌱 ምስ ሰባት ምስምማዕ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፤ ግን ንርእስኻ ምኽሓድ ጽቡቕ ኣይኮነን። ሰባት ምኽባር ክብሪ እዩ። ግን ክብሪ ንሰባት ክትህብ ከለኻ፣ ንርእስኻ እውን ክብሪ ክትህባ ኣለካ። ሓደ ሰብ ንዘይትደልዮ ነገር ክትገብር እንተጸቕጠካ፣ ብኣኽብሮት "ኣይክእልን" ምባል መሰልካ እዩ። 🌱 እቶም ሰባት ዝህቡኻ ምስጋና ንዋጋኻ ኣይውስኑን። ሰባት ሎሚ እንተኣመስገኑኻ፣ ጽባሕ እንተነቐፉኻ፣ ዋጋኻ ኣይተቐየረን። ካብ ኣፍ ሰባት ዝወጽእ ሓሳብ ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን። ምኽሪ ስማዕ፣ ካብ ትችቲ ተማሃር፤ ግን ንርእስኻ ብኣፍ ኩሉ ሰብ ክትልክዓ ኣይግባእን። 🌱 ካብ ሰባት ምጥፋእ ዘይኮነስ፣ ርእስኻ ምጥፋእ ፍራሕ። ሰባት ክቕየሩ ይኽእሉ። ርክባት ክቕየሩ ይኽእሉ። ኩነታት እውን ክቕየር ይኽእል። ግን ኣብዚ ኩሉ ለውጥታት ንርእስኻ ምስ ረሳዕካ፣ እቲ ዝዓበየ ዋጋ ኢኻ ትከፍል። ንርእስኻ ምኽባር ማለት ንኻልኦት ምንዓቕ ኣይኮነን። ማለት ግን ንስኻ እውን ሰብ ምዃንካ፣ ስምዒትካ፣ ዕላማኻን መሰላትካን ክኽበሩ ከም ዝግባእ ምፍላጥ እዩ። ኣብ ህይወት ጽቡቕ ሰብ ኩን፣ ለዋህ ኩን፣ ሓጋዚ ኩን። ግን እዚ ኩሉ ክትከውን ኢልካ ንርእስኻ ኣይትስዋእ። ንኻልኦት ፍቕሪ ሃብ፣ ግን ፍቕሪ ንምርካብ ኢልካ ክብርኻ ኣይትሽጥ። ንኻልኦት ሓግዝ፣ ግን ንርእስኻ እውን ኣይትረስዕ። ምኽንያቱ እቲ ንሰባት ከየሕዘንካ ክትነብር እትፍትነሉ ህይወት፣ ንርእስኻ ኣብ ቀጻሊ ሓዘን ከይትነብር ዋጋ ክትከፍለሉ የብልካን። ሰባት ከይጠፍኡኻ ኢልካ ንርእስኻ ኣይተጥፍኣያ። እቲ ክትከውኖ ዘለካ ሰብ ክትከውን ተቓለስ፤ እቲ ካልኦት ክትከውን ዝደልዩኻ ሰብ ንምዃን ጥራይ ግን ኣይትነብር። #ንምትብባዕ #ኮፒሊንክ❤🙏 #mindset #selfgrowth #motivation

ንምትብባዕ📚✍️🦅
ንምትብባዕ📚✍️🦅
Open In TikTok:
Region: SA
Saturday 24 October 2026 22:38:08 GMT
4546
253
9
25

Music

Download

Comments

fyori.hadgu5
Prǐncess-lǐon🥀👸🏼 :
Behakiy dekiy sebet n seb knbl buzuh neger nkeser ena ms keserna shueu ayrdeanay aftiy time esu xubuk zeleka eyu zmeselena so choose yourself 🫡thank you man 🙌🏾
2026-10-25 00:02:07
2
bini.cr7x1
𝔅𝔦𝔫𝔦 • 𝕮𝕽7 ⚡ :
nay behaqi xebeqtin mahariten xehof 👌💯
2026-10-25 14:20:31
1
tewelde589
Tewelde🤙🇵🇪🇱🇷 :
nay bahqi meharit ❤️❤️❤️
2026-11-03 17:34:17
0
user2557243360624
kesit kesit kesit :
nay bahaqi
2026-10-25 08:40:09
1
erithomi
EriThomi :
thank u so much, nice Idea 🥰 👏👏👏👏👏👏
2026-11-05 20:46:44
0
mustofa.aman0
Mustofa Aman :
yas 🥰🥰
2026-11-06 16:32:54
0
kebromwedmikal1
kebrom weldemikael :
🥰🥰🥰
2026-10-25 14:50:17
1
henok.mussie
ማራ ናታ ኢየሱስ :
👍👍👍👍
2026-11-03 09:58:20
0
To see more videos from user @nimitbibae_official, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About