@kidanzelalem: ድኻ ኣይኮንካን! ድኽነት ብትሕዝቶ ገንዘብ ጥራይ ዝልካዕ እንተ ዀይኑ፤ ገንዘብ ንኣተሓሳስባኻ ከም ዝፈጠሮ ጌርካ ክትቕበሎ ኢኻ። እዚ ግና ፈጺሙ ቅኑዕ ምርዳእ ኣይኮነን። 💡 እስተውዕል! ገንዘብ ብኣተሓሳስባኻ ይመጽእ፤ ኣተሓሳስባኻ ድማ ብገንዘብ ምችኡነት ይረክብ። ከምዚ ጌርካ እንተ ተረዲእካዮ ካብ ክውንነት ኣይረሓቕካን። ገንዘብ ሓጓፍካ ክመልእ፡ መዓልታዊ ድሌታትካን ፋሲሊቲታትካን ከማልኣልካ ይኽእል እዩ፤ እንተኾነ ግን ኣተሓሳስባኻ እንተ ሞይቱ፡ ዘሎካ ገንዘብ ፈጺሙ ከድሕነካ ኣይክእልን። ስለዚ ሃብትን ድኽነትን ኣብ ጁባኻ ብዘሎ መጠን ኣሃዝ ገንዘብ ዘይኮነ፤ ኣብ ርእስኻ ብዘሎ ኣተሓሳስባ መጠን ለክዖ። ብርግጽ ንስኻ ድኻ ኣይኮንካን! ክትጽዕር፡ ክትሰርሕን ክትቅይርን እትኽእል ዕዉት ሰብ ኢኻ! እዞም ሎሚ ብትሕዝቶ ገንዘብ ሃብታማት ተባሂሎም ኣብ ቀዳማይ መስርዕ ቁጽሪ ተሰሪዖም ዘለዉ ሰባት፤ ኩሎም ብቑሪ ኣሳሕይታ ዝተገርፉ፡ ጥሜትን ጽምእን ዝሓለፉ፡ ብሰባት እውን "ሕማቕ፡ ዘይረብሕ" ዝተባህለሎም እዮም። እንተኾነ ግን ኣተሓሳስባኦም ካብ መጀመርታኡ ስለ ዘይሞተ፡ ነቲ ስኢኖሞ ዝነበሩ ገንዘብ መሊሶም ከምጽእዎ ኣይተሸገሩን። እቲ ምስጢር ኣብዚ እዩ ዘሎ! 🛑 ኣስተብህል! እዞም ንብሎም ዘሎና ሰባት ኣተሓሳስባኦም ቀቲሎምዎ እንተዝኾኑ፤ ብኽልተ ድኽነት ማለት (ናይ ኣእምሮን ናይ ስእነትን) ተጠቒዖም፡ ሎሚ ስሞም ዝፈልጦ ሰብ እኳ ኣይምሃለወን። 🎓 ከምቲ ቢል ጌትስ ብሂሉ ዝገለጾ፦ "ድኻ ኴንካ ምውላድ ናትካ ጌጋ ኣይኮነን፤ ድኻ ኴንካ ምማት ግን ናትካ ጌጋ እዩ!" 🔄 ስለዚ፡ ንምቕያር ንስኻ ብህይወት ሃሉ፤ ገንዘብ ንኽትሕዞ ድማ ኣተሓሳስባኻ ንጡፍ ይሃሉ! 💭 ንዓኻ ሃብቲ ማለት እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ኮመንት ሓሳብካ ኣካፍለና። -ዘፍጥረት
ሰረት
Region: GB
Sunday 25 October 2026 12:13:32 GMT
Music
Download
Comments
ኩሉ ብዓቅሊ :
you are smart
2026-10-25 18:55:16
0
Amanial Gg :
realy
2026-10-25 17:35:56
1
Sami 291Eyasudwb :
🇪🇷🇪🇷🇪🇷💞💞💞💞💞
2026-10-25 12:20:51
1
እመቤቴ ሆይ 🙏🙏🙏 :
🙏🙏🙏
2026-10-25 12:55:06
1
አበባ ጉዕሸ :
🙏🙏🙏
2026-10-25 19:39:23
0
GLife ❤❤️❤️🏋️♀️✝️💥 :
🥰🥰🥰
2026-10-25 21:22:16
0
wedi goyteom :
🥰🥰🥰
2026-10-25 14:35:19
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.