@moggucci01: #

B E K A
B E K A
Open In TikTok:
Region: KZ
Monday 26 October 2026 15:59:59 GMT
1859
285
4
10

Music

Download

Comments

_di.ma.sh
Massazh_Atyrau :
Дұрыс айтасың🔥
2026-11-02 19:07:34
0
mini..max01
max :
2026-11-02 18:20:00
0
ensepov_077
Baik0nurСКИЙ🇵🇸🦅 :
🇵🇸☝️
2026-11-02 14:51:55
0
usernames04_04_1
꧁♔ ПрОсТоЙ пАрЕнЬ ♔꧂ :
👍
2026-11-02 15:29:16
0
To see more videos from user @moggucci01, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


"ንሰብ ኣኽብር፤ ብሰንሰለት ባርነት ክኣስረካ ግን ኣይተፍቅደሉ! ምኽሪ ሰባት ስማዕ፤ ግን ወሳኒ ናይቲ ትነብሮ ህይወት ኩን!" ክልተ ነገራት ኣብ ማሕበራዊ ህይወትካን ጉዕዞኻን ፍጹም ክትገድፎም ዘይብልካ ኣለዉ። ምስ ሰብ ስለ እትነብር፥ ምስ ሰባት ከመይ ጌርካ ከም እትነብር ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ። ምክብባር መሰረታዊ ናይ ሰላም ዓንዲ ስለዝዀነ እውን፥ ተኸባቢርካ ክትነብር ከምዝግበኣካ ምልላይ ቅኑዕ ትልሚ ህይወት እዩ። እንተዀነ ግን... "ክብርን ናጽነትን" ከምዘድልየካ ብፍጹም ኣይትረስዕ! ክብርኻ እናገሃሰ ፍቓዱ ክትመልኣሉ ዝተኸፈልካዮ ናይ መግዛእቲ ዓርዑት የለን። ናጽነትካ እናተገፈ ኣብ ትሕቲ ባርነት እትቘረነሉ ምኽንያት እውን የለን። ናጽነት እቲ ኣብ ህይወትካ ክህልወካ ዝግብኦ ናይ ምንባርካ ብርሃን እዩ፤ ክብርኻ ድማ ናይ ህላዌኻ ሰንደቕ እዩ! እታ ክብርኻ ዝደርበኻላን ናጽነትካ ዝተሓረምካላን ዕለት፥ እሳ እታ ናይ ውውዳቕካ ጅማሬ እያ። ስለዚ፡ ብክብሩ ዘይደራደር፡ ናጽነቱ ኣሕሊፉ ዘይህብ ሰብ ኩን፤ ናጽነትካ ክስረቕ እውን ኣይተፍቅድ! ንሰብ ምኽባር ናይ ስነ-ምግባርካ ጽባቐ እዩ። ንሰብ ክተኽብርን ክተሐጉስን ከለኻ ግን፡ ብሰንሰለት ናይ ኣተሓሳስባኦም፡ ብናይ በለጽ ረብሓኦም ወይ ብናይ ምትላል ስምዒቶም ብባርነት ክኣስሩኻ ፍጹም ኣይተፍቅድ! ንስኻ እናቖሰልካ ንኻልኦት ከተሐጉስ ምፍታን ድኽመት እምበር ብልሒ ኣይኰነን። ምኽሪ ሰባት ምስማዕ ናይ ትሕትናኻን ብስለትካን መርኣያ እዩ። ካብ ዓበይቲ ኽትመሃር፡ ካብ መሓዙት ክትሰምዕ ጽቡቕ እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ናይ መወዳእታ ወሳኒ ናይቲ ትነብሮ ህይወት ንስኻ ባዕልኻ ኩን! ምኽንያቱ፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዋጋ ናይቲ ውሳነ ዝኸፍሎ፡ እቲ ኣብቲ ጸበባን ራህዋን በይኑ ዝጓዓዝ ንስኻ ጥራይ ስለዝዀንካ። ስለዚ፡ ኣብቲ ናይ ህይወት ቅድድም ምስ ገዛእ ርእስኻ እሙን ኩን። ንሰብ ኣኽብር፡ ምኽሪ ስማዕ፤ እታ ናይ ህይወትካ መሪሕ ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ኢድካ ኣጽኒዕካ ሓዛ! -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ባዮ #ነጻነት

About