@kidanzelalem: ሓያል እንተ ኲንካ "ስምዑኒ" ምባል ኣየድልየካን እዩ። ፈላጥ እንተ ኰንካ ምሕታት ኣየድልየካን እዩ። ጥበበኛ እንተ ኲንካ ድማ ምስ ሰብ "ብኸመይ" ከም እትነብር ኣይጠፍኣካን እዩ! ብዙሕ ግዜ "እቲ ዓቢ ዓሳ ነቲ ንእሽቶ ዓሳ ይበልዖ" ዝብል ምስላ እናሰማዕና ስለ ዝዓበና ግዲ ኰይኑ፡ ኣብ ርሑቕ ዘሎ እምበር ኣብ ጥቓና ዘሎ ሓቂ ምርኣይ ንፉዓት ኣይኰነናን። ስለዚ እዩ ድማ ካብ በደልና በደል ካልኦት፡ ካብ ድኻምና ድኻም ካልኦት ቀልጢፉ ዝረኣየና። ምኽንያቱ ምሳና ዘሎ ገዲፍና ናይ ካልኦት ምርኣይ ልማድ ስለዘለና። እንተዀነ ግን፡ እቲ ሕጊ እዛ ምድሪ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ሓቅታት ዝተጠቕለለ እዩ፦ "ሓይሊ፡ ፍልጠት፡ ጥበብ"። እዚኣተን እተን ሰለስተ ዓበይቲ ቋንቋታት ናይዛ ዓለም እየን። 1. ሓይሊ (እቲ ቀዳማይ ቋንቋ)፦ ሓደ ሰብ፡ ሓንቲ ሃገር ወይ ሓደ ህዝቢ ሓያል እንተ ኲኑ፡ "በጃኹም እንዶ ስምዑኒ" እናበለ ምልማን ኣየድልዮን እዩ፤ ምኽንያቱ ዝዛረብ ሓይሊ ስለዘለዎ። ስለዚ እዩ ኣሜርካ ክትዛረብ ከላን ግሪኽ ክትዛረብ ከላን እቲ ውጽኢት በበይኑ ዝኸውን። 2. ፍልጠት (እቲ ካልኣይ ቋንቋ)፦ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ማዕጾ ንኽትከፍቶ ምንባብ እምበር ምሕታት ኣይኰነን ዘድልየካ። ፍልጠት ዘለዎ ሰብ፦ ኣበይ፧ ናበይን፧ ከመይ፧ ዝብሉ ሕቶታት ቀዲሙ ባዕሉ ዝምልሶም ብምዃኑ ምሕታት ኣየድልዮን እዩ። 3. ጥበብ (እቲ ሳልሳይ ቋንቋ)፦ ምናልባት እውን ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ከነቐምጦ እንኽእል ናይ ዓለም ቋንቋ ጥበብ እዩ። ጥበብ፥ ምስጢር ሰማይን ምድርን ዝሓዘ፡ ብመንፈሳውን ዓለማውን ቋንቋ ናይ ምርዳእ ተኽእሎ ዘለዎ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ ምንባር ሜላን መፍትሕን ዝሓዘ ቋንቋ ወድ ሰብ እዩ። ኣብ ሓደ ሓድሽ ዓዲ ምስ ኣተኻ "ተርጉመለይ፡ ሓግዘኒ" ክንብል እንከለና ንዝክሮ'ዶ፧ እዚ እቲ ናይ ቋንቋ ፍልጠት ዘይምህላው ዘስዓቦ ጸገም እዩ። ልክዕ ከምኡ፥ ፍልጠት ዝጐደሎ ሰብ ኰንካ ትነብር እንተሃሊኻ፡ ኩሉ ግዜ "ተርጓማይ" እናደለኻ ኢኻ እትነብር። ስምዒትካን ድሌትካን ብግቡእ ዘየመሓላልፍ ተርጓሚ ማለት እዩ። ውሑስ ህይወት ኣብ ውሑስ ኲነት እዩ ዝረጋገጽ። ኣብ ዓለም ብውሕስነት ክትነብር ድማ፡ ውሕስነት ዝህብ ቋንቋ ዓለም ምሓዝ የድልይ። ኣስተውዕል! • ድኹም እንተ ኰንካ፦ ኩሉ እዩ ዝዓልበካ! ኣፍ ዘውጽአ ኹሉ ናባኻ እዩ ዝጐይ። • መሃይም እንተ ኰንካ፦ ኩሉ እዩ መሳርሒ ዝገብረካ! • ዓሻ እንተ ኰንካ ድማ፦ ኩሉ እዩ ዝላገጸልካ! ስለዚ ካብ ላግጺ፡ ካብ ጸቕጢ፡ ካብ ኢደ-በዛ ምዃን ክትድሕን እንተ ኲንካ፡ ነቲ ትኽክለኛ ቋንቋ ዓለም ብምሓዝ ውሕስነትካ ከተረጋግጽ ይግበኣካ! ንስኻትኩምከ ኣብዚ "ሰለስተ ሓቅታት" ኣብ ዝብል ቴማ ዝቐረበ ሓሳባዊ መግለጺ እንታይ ርኢቶ ኣሎኩም፧ ርኢቶኹም ኣብ ቦታ ርኢቶ (comment) ክተቐምጡ ብትሕትና እናሓተትኩ መልእኽተይ ኣብዚ እዛዝም። -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ፍልስፍና #ጥበብ
ሰረት
Region: GB
Wednesday 28 October 2026 11:07:38 GMT
Music
Download
Comments
medhanit gebrehiwet :
🥰🥰🥰🥰
2026-10-28 16:50:48
1
Jaki :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰
2026-10-28 11:39:50
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.