@thank1229: ሚዛን ሓቀኛ ዓርኪ ኣብ ህይወት እሙን መሓዛ ወይ ዓርኪ ክህልወካ ዓቢ ጸጋ እዩ። ዋጋ ዕርክነት ምሕዝነት በቲ ቅኑዕ መግለጺኡ ክቡርን ኣገዳስን ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ።ኣብ ጽቡቅካን ሐጎሰካን ግዜ ጥራሕ ዝቀርበካ ፡ኣብ ግዜ ሽግርካ ጸገምካ ጭንቀትካ ከኣ ዝርሕቀካ ዓርከ መሓዛ እንተ ሃልዩካ ግን ብፍቅርን ምርድዳእን ጸገሙ ነጊርካ ካብ መንገዲ ዕርክነት ወጺእካ ናብ ተራ ፈላጢኻ ከተውርዶ እዩ እቲ ፍታሕ።እዚ ማለት ብዘይ ቂምታ ሰላምታ ናይ ኣምላኽ ከይነፈግካ ማለት እዩ።ጸሊአዮ ኢልካ ሰላም ናይ ኣምላኽ ምኽላእ እሞ ዓቢ ጌጋ እዩ።ሎሚ ከም እንዕዘቦ ዘለና ዝተጨነቁ፡ ዝተነጸሉ ፡ ብጽሙዋ ዝተዋሕጡ ወገናት ኣለዉና ።ሰብ ንሰብ እዩ ዝደሊ ክንበጽሖም ጸገሞም ንምፍታሕ ካብ ሽግሮም ንምግልጋል ኣብ ጎኖም ክንኮነሉ ዝግባእ ሕጂ እዩ።ዕግበት ሕልና ሰብ ምስ ኮንካ ብ ሰብኣዉነት ምስ ሰራሕካ ዝርከብ ደስ ዝብል ስምዒት እዩ።ጸገምካ ዝነግረካ እንበር መፍትሒ ክትረክብ ዘይድግፈካ ሰብ ኣብ ዝበዝሓሉ ናይ ምስሉዩነት ዘመን ኢና ዘለና።ካብ ሰብ ከይተጸበና ነፍሲ ወከፍና እሙናት፡ለዋሃት፡ፈቃራት እሞ ንኹን ዕጋበት ህይወት ኣብኡ ክንረኽቦ ኢና።እሙናት ለዉሃት ኮይንና አብ ጭንቀትን ሽግርን ንዘለዉ ወገናት እሞ ነደግፎም ሓቀኛ ፈታዊ ኣብኡ ክንረኽቦ ኢና።ምኽንያቱ ሚዛን ሓቀኛ ዓርኪ ኣብ ሽግር እዩ ዝፍለጥ#tigraytiktok🇻🇳🇻🇳tigraytiktok #highlight #ብርጌድንሓመዱ #eritreantiktok #fypシ゚viral

Tsiyonawit👸☦️❤️‍🩹🦅
Tsiyonawit👸☦️❤️‍🩹🦅
Open In TikTok:
Region: LB
Saturday 31 October 2026 19:21:56 GMT
1189
65
1
17

Music

Download

Comments

barakigerezghier
barakigerezghier :
🥰🥰🥰❤️❤️❤️
2026-10-31 22:31:51
1
To see more videos from user @thank1229, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About