@rayan5766: #ኣንብብዎ ሸር ምግባር ኣይትሕሰሙ ቅ ከምዚ ንዓይ ዝመሃረትኒ ከም ትምህርቲ ርግጸኛ እየ እቲ ዝምህር መንፈስ ቅዱስ እዩ እቲ ዝምህር ድማ ክፉት ልቢ ዘለዎ ሰብ። ¶'ነታ ውቅብቲ ሰበይትኻ' ኣፍቅራ ¶ ¶⌲ ክትዛረብ ከለኻ ኣይትነድር፦ እዚ ብጣዕሚ ከም ዝጎድእ ኣስተውዕል። (ምሳ 15:1) ¶⌲ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ካልኦት እትገልጻ ከምኡ ከምእትኸውን ፈሊጥካ፦ ብዛዕባኣ ሕማቕ ካብ ምዝራብ ተቖጠብ። (ዘፍ 2:19) ¶⌲ ፍቕርን ፍትወታን ንካልእ ጓል ኣንስተይቲ ኣይተማቕሎ፦ እዚ ዝሙት እዩ። (ማቴ 5:28) ¶⌲ ንሰበይትኻ ምስ ካልእ ጓል ሂወት ኣይተወዳድራ፦ ካብኣ እትበልጽ ንዓኻ እትበቅዕ ሰብ እንተትንበር፡ ኣምላኽ ንዕኣ ምሃበካ ነይሩ።( 2ቆረ 10:12) ¶⌲ ሕያዋይን ሰናይን ኩንላ፦ ምሳኻ ንክትነብር ክንደይ ዋጋ ከም ዝኸፈለት ዘክር። ጨካንን ቕጡዕን ኣብ ትኾነሉ ኣዝያ ብውሽጢ ከም እትጉዳእ ፈሊጥካ፡ ልኡም ኩን። (ኤፌ 4:2) ¶⌲ ሕጂ ሓደ ኣካል ምዃንኩምን ካብ ኣምላኽ እተዋህበትካ ህያብን ምዃና ኣሚንካ፦ ካብኣ እትሓብኦ ምስጢር ኣይሃልኻ። (ዘፍ 2:25) ¶⌲ ህይወታን ጽባቔኣን ውሉድክን ክትስከም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእተወት ዘክር፦ ብዛዕባ ቅርጺ ኣካላታ ኣሉታዊ ቃላት ካብ ምውጻእ ተቖጠብ። ብዓቢኡ ንሳ ህያው ነፍሲ ደኣ እምበር ስጋን ደምን ጥራይ ከም ዘይኮነት ኣይትዘንግዕ። (ምሳ 18:22) ¶⌲ ክብረታ ብደገ ርኢኻ ኣይትገምቶ፦ ክሳብ እርጋንካ ተኸናኺንካ ኣይንዓቃ። (ኤፌ 5:29) ¶⌲ በይንኹም ኣብ ትኾኑ ይኹን ኣብ ቅድሚ እኩባት ሰባት፦ ድምጽኻ ኣውጺኻ ኣይትገንሓያ። ዘየሰማምዕ ጉዳይ እንተድኣ ሃልዩ፡ ኣብ ብሕት ዝበለ ቦታ ክትፈትሖ ፈትን።( ማቴ 1:19) ¶⌲ ንዓኻን ንደቅኻን ቤትካን ስለ እትገብሮ ኩሉ ናይ ምስጋናን ኣድናቖትን መግለጺኻ ኣይተውሕደላ፦ እቲ ምኽንያቱ ነዚ ክትገብር ብዙሕ መስዋእቲ ስለ እትኸፍል።( 1ተሰ 5:18) ¶⌲ ኩለን ኣንስቲ ሓደ ዓይነት ክእለት ኣሰራርሓ መግቢ ከም ዘይብለን ተገንዘብ፦ ንእትቕርበልካ መግቢ ንኣደላ። ኣብ መዓልቲ ንሰለስተ ግዜ፡ ኣብ ዓመት ን365 መዓልታት፡ ንብዙሕ ዓመታት ክትክሽን ቀላል ከም ዘይኮነ ተረዳእ። (ምሳ 31:14) ¶⌲ ደቅኻ ቅድሚ በዓልቲ ቤትካ ኣይትሰርዓዮም፦ ንሳ ሰበይትኻ እያ፡ ምሳኻ ከኣ ሓደ! ስለዚ ቅድሚ ስድራኻ ክትስራዕ ይግባእ። ( ዘፍ 2:24) ¶⌲ ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ኣዝዩ ጽኑዕ ዝኾነ ወፈራ ግበር፦ ኣብ ጉዕዞ ምስ ጎይታ ክህንጹን ከብርሁን ዝኽእሉ መጻሕፍቲ፡ ካሴታትን ካልእን ገዚእካ ሃባ። እዚ ንዓኣ ክትገብሮ እትኽእል ዝዓበየ ነገር እዩ። (ኤፌ 5:26) ¶⌲ ንጸሎትን ቃል ኣምላኽን ዝኸውን ግዜ ምስኣ ፍለ፦ (ያቆ 5:16) ¶⌲ ንምዝንጋዕ ዝኸውን ግዜ'ውን ይሃልኻ፦ ህላወኣ ምስኻ ከም ዝግባእ ኣስተማቕሮ፡ እቲ ምኽንያቱ'ሲ ጽባሕ ንጉሆ ኣብ ሞትካ ኣብ መቓብርካ እናተመላለሰት እትነብዕ ንሳ እያ። የዕሩኽትኻ ምናልባት ኣብ ቀብርኻ ንምውጻእ'ውን ብስራሕ ትሑዛት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። (መክ 9:9 ) @ #Genet #ze #tewahdo ❤️👸✍️

Genet ze Tewahdo ✝️🦋🫰
Genet ze Tewahdo ✝️🦋🫰
Open In TikTok:
Region: SA
Saturday 31 October 2026 23:03:08 GMT
852
162
4
3

Music

Download

Comments

user499204221096
ደረቅ ትግራወይቲ👌💊💋✅ :
ደሰ ክብል👏👏👏🥀🥰❤
2026-11-01 03:44:38
1
user5056087956509
ሰሉ ምንኣስ ገኒ 👭🥰 :
2026-11-01 00:27:40
1
fifi.hafti.anbes
ጋል ኢመብርሃን :
🥰🥰🥰
2026-11-01 12:31:34
1
even.kesete8
Even⛪✝️16 Enatie🇱🇾🙏🙏🙏 :
[Pray][Pray][Pray]
2026-11-01 00:15:35
1
To see more videos from user @rayan5766, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About