@atdongduong: Chọn dòng định mức cho tuyến busway ATELEC: theo công suất đặt hay theo dòng tính toán?

AT ĐÔNG DƯƠNG
AT ĐÔNG DƯƠNG
Open In TikTok:
Region: VN
Monday 02 November 2026 00:55:25 GMT
410
11
0
2

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @atdongduong, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ፍቕርን ብሕርያቱን... ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት
ፍቕርን ብሕርያቱን... ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት "ፍቕሪ ይድገም ድዩ፧" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ብዛዕባ ፍቕሪ ይደጋገም ዶ ኣይደጋገምን ብኸፊል ሓሳባትና ኣካፊልና ነይርና። ብዙሓት ካባኹም ድማ ተሳትፎኹም ኣብ ቦታ ርኢቶ ብምጽሓፍ ኣርእዮም እዮም። ኣብቲ ዝወረደ ርኢቶታት፥ ብዙሓት "እወ ይደጋገም እዩ" ብምባል ርኢቶኦም ክገልጹ ከለዉ፡ ካልኦት ውን "ሓቀኛ ፍቕሪ ብፍጹም ኣይደጋገምን እዩ" ብምባል ርኢቶኦም ኣስፊሮም። ካልኦት ውን "ንምዃኑ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣሎ ድዩ፧ ፍቕሪ ሒዙኒ ኣይፈልጥን ወይ ኣየፍቀርኩን" ዝብል ርኢቶ ዝሃቡ ነይሮም። ኵልኹም ስለ ተሳትፎኹም ልባዊ ምስጋናይ እናኣቕረብኩ፥ ንሎሚ ድማ "ሓቀኛ ፍቕሪ ከምዘሎ ብኸመይ ንፈልጥ፧ መለለዪ ሓቀኛ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧" ብዝብል ትሕዝቶ ተመሊስናኩም ኣለና። ከምቲ ወትሩ ተሳትፎኹም እናዓደምኩ ናብቲ ትሕዝቶ ከሕልፈኩም። 1. ህላዌ ሓቀኛ ፍቕሪ ሓቀኛ ፍቕሪ ከምዘሎ እንፈልጠሉ ቀንዲ ምኽንያትን ቀዳማይ መርትዖናን "ንሕና" ባዕልና ኢና፤ ኣነን ንስኻን! ሓቀኛ ፍቕሪ ከምዘሎ ንምርዳእ፡ ሓቀኛ ስምዒት ከምዘሎካ ባዕልኻ ምርዳእ የድሊ። ነዚ ድማ፦ "ኣነ ስምዒት ኣሎኒ ድዩ፧ እንተልዩኒ ስምዒተይ ሓቀኛ ድዩ፧ ስምዒተይ ሓቀኛ ምዃኑ ብኸመይ እየ ዘረጋግጽ፧" ዝብሉ ሕቶታት ብግልጺ ባዕልና ብምምላስ፡ ህላዌ ሓቀኛ ፍቕሪ እነረጋግጸሉ ሓደ መንገዲ እዩ። እዚ ሕቶ እዚ ልክዕ ምስቲ "ፈጣሪ ኣሎዶ የለን፧" ዝብል ሕቶ ዝተሓሓዝ እዩ። ምናልባት ህላዌ ፈጣሪ ንምግላጽ ቀለልቲ ቃላት ኣይትረክብን ትኸውን፤ ቀለልቲ ኣብነታት ግን ኣብ ዙርያኻ ከምትረክብ ኣየጠራጥርን። ገለ ካብቶም ቀለልቲ ሕቶታት፦ "ኣነ መን እየ፧ ካበይ መጺአ፧ እስትንፋሰይ ብኸመይ ቆይማ፧ ንምንታይ እስትንፋሰይ ብናተይ ድሌትን ክእለትን እትስራሕ ዘይኰነት፧" ዝብሉ ቀለልቲ ኣብነታውያን ሕቶታት ብምልዓል፥ ነቲ ኪኖ ዓቕምኻ ዝዀነ ሓይሊ ንምቕማጥ ኣይክትሽገርን ኢኻ። ኪኖ ምኽኣልካ ዝኽእል ሓይሊ ከምዘሎ እንተተረዲኡካ፥ "መን እዩ፧" ዝብል ብሕታዊ ሕቶ ክትዕና ኣይኰነን። እቲ ዋናን ኣገዳስን ነገር፥ ኪኖ እቲ ናትካ ምኽኣል ክኽእል ዝኽእል በዓል ሓይሊ ከምዘሎ ምርዳእ እዩ። ጉደይ ፍቕሪ ውን ከምኡ እዩ። ፍቕሪ ሃንደበት ካብ ምቁጽጻርካ ንላዕሊ ዝዀነ ስምዒት ወይ ድሌት ብምሕዳር፥ ግዙእ ናይ ሓደ ጥዑም ስምዒት ዝገብረካ ሓይሊ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ንሓደ ሰብ ብፍሉይ ኣጠማምታን ኣመለኻኽታን ክትርእዮ፡ ክትግደሰሉ፡ ክትደልዮ፡ ክትናፍቆ፡ ካብኡ ናይ ዘይመፍላይ ስምዒት ዘሕድረልካን ባህግን ድሌትን ናይቲ ሰብ ዘትሕዘካ ፍሉይ ስምዒት እዩ። እዚ "ህላዌ ፍቕሪ" ይበሃል። እዚ ህላዌ እዚ ድላዩ ዝገብረካ እምበር፡ ድላይካ ዘይትገብሮ ብምዃኑ ሓደ ካብቲ መግለጺ መንነቱ እዩ። ከምቲ ብዛዕባ ፈጣሪ ብዙሕ ዝዛረቡን ዝብሉን ብዙሕ ዓይነታት ምስልታትን መንነትን ብምርኣዮም ንምጭባጡ ድምብርብር ዝብለካ፥ ከምኡ ውን ህላዌ ፍቕሪ ብሰንኪ እቲ ቡቕሉ ወይ መስርሑ ብንጹር ዘይሕዝ "ኣሎን የለንን" ትብለሉ ንጹር ምስሊ ምሓዝ ተሸጊርካ ትኸውን። እንተዀነ ግን፡ ፍቕሪ ወላ እኳ ንባህርያቱ እትፈልጠሉን ጣዕሙ እተለልየሉን መንገዲ ኣብ ተባዕታይን ኣንስታይን ጾታ በበይኑ ኪደት እንተሃለዎ፥ እቶም ስምብራት (ውጽኢቱ) ግና ተመሳሳልቲ እዮም። ኣብዚ እቲ ከነነጽሮ ዘሎና እቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ዘሎና ቋንቋዊ ኣመለኻኽታ እዩ። ሓደ ፍቕሪ ክጅምር ከሎ እታ ቀዳመይቲ ምልክቱ ጦብላሕታ እዩ። ጦብላሕታ ድማ "ተገዳስነት" ዝብል ነገር ይወልድ። ኣብ ሓደ ሰብ እቲ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ክበቘል ከሎ፡ ተገዳስነት ኣብቲ ሰብ እዩ ዝዓብይ። ብዛዕባ እቲ ሰብ ምስማዕ፡ ምሕሳብ፡ ናቱ ነገር ኩሉ ባህ ክብለካ ምጅማር እዩ። እዚ ማለት እቲ ተገዳስነት፦ ባህታ፡ ቃሕታ ዝኣመሰሉ ናይ ስምዒት ህዋሳት የብቘል እዩ። እዚ ቡቕሊ እዚ ናብቲ ምሉእ መትረብ ስምዒት ብምእታው፥ ቅጽበታውያን ዝዀኑ ኣጽዋራቱ ብምልኣኽ ምቁጽጻር ኣእምሮን ፍትወት ልቢን የሕድር። እዚ ምቁጽጻር ክፍሊ ኣካላት እዚ እዩ ኸኣ ነቲ "ፍቕሪ" ዝብል ኣምር ዝፈጥሮ። እዚ ማለት ፍቕሪ ዘሊሉ ዝፍጠር ዘይኰነስ፡ ቀዲሙ ዝዘረኦም ዘርኢ ዝበቘሉ ቡቕሊ ኮይኑ፥ ብድሕሪ እዚ እዞም ቡቕሊ እዚኣቶም ናብ መላእ ሰውነት ህዋሳት ብምእታው ነቲ ፍቕሪ ዝበሃል ይፈጥርዎ። ስለዚ ህላዌ ናይ ፍቕሪ በቲ ኣባና ዘሎ ፍሉይ ስምዒት፥ ኣብ ሓደ ብፍሉይ ተገዳስነት እንጥምቶ ሰብ ዝገሃድ ወይ ዝረአ እዩ። ሓንቲ ጓል ሓው ኣለዋ፡ ኣቦ ኣለዋ፡ መሓዛ ውን ኣለዋ፤ ካብዞም ሰለስተ ብፍሉይ እትጥምቶ ግን እቲ እትሓስቦ ብዓይና፡ ብእዝና፡ ብልባን ብኣእምሮኣን ዘሎ ሰብ እዩ። እዚ ስምዒት እዚ ምስክር ህላዌ ፍቕሪ እዩ። 2. መለለዪ ሓቀኛ ፍቕሪ እንታይ እዩ፧ መለለዪ ሓቀኛ ፍቕሪ ብቐንዱ ሚዛን ፍትወትና ኣብ ሓደ ሰብ፦ ንኸዶ ርሕቐት፡ ንኸፍሎ ዋጋ፡ ንወስዶ ስጉምትን እንህቦ እምነትን እዩ። መቸም "መለለዪ ኣብ ኣዴኻ ዘሎካ ፍቕርን ኣብ ጐረቤትኩም ዘላ ሰበይትን እንታይ እዩ፧" ዝብል ሕቶ መጺኡካ፥ ኣብ መንጎ ኣዴኻን ጐረቤትካን ዘሎ ስምዒት ወይ ዓቀን ሚዛን ፍትወትካ ንምፍላዩ ትሽገር ኣይመስለንን። ልክዕ ከምኡ ሓቀኛ ፍቕሪ ካብ ናይ ሓሶት ፍቕሪ እነለልየሉ መዐቀኒ ብቐንዱ እቲ ኣብቲ ሰብ ዘሎና ምፈታው ክኸውን ከሎ፥ እቲ ድሒሩ ዝመጽእ ግን እቲ "እንኸፍሎ ዋጋ" እዩ። ሰብ ብባህሪኡ ምእንቲ እቲ ዝፈትዎ ነገር ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ዋጋ ምኽፋል ድልውነት የርእይ እዩ። ሓቀኛ ኣፍቃሪ ድማ ከበድቲ ዋጋታት ክሳብ ምኽፋል ይበጽሕ፤ ኣብ መንጎ እታ ዝወለደቶ ኣደን ዘፍቀራ ጓልን ዘርእዮ ሚዛናዊ ጸግዕነት እዚ መርኣያ እቲ ሓቀኛ ፍቕሪ ኣብ ውሽጡ ምህላው እዩ። ብመረዳእታይ እዞም "ሓቀኛ ፍቕሪ ኣሎ ድዩ፧ ብኸመይ ይፍለጥ፧" ዝብሉ ሕቶታት ካብ ክቱር በደል ዝወረዶም ሰባት ወይ ውን ካብ ዝሰምዕዎ ታሪኽ ዝበገሰ ቃንዛ ዝፈጠሮ ዘይምትእምማን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ሰባት ኣብ ረብሓ ውልቆም ተጸሚዶም ፈተውቲ ርእሶም ብምዃኖም፥ ናይ ዘይተገዳስነት ባህሪ ኣብ ዘንጸባረቐሉ ዘሎ ዓለም እዩ እዚ ናይ ኣብ ፍቕሪ ምጥርጥራ ሕቶ ዝመጽእ። እቲ ስክፍታ ቅቡል እዩ። ብሰንኪ በለጽን ግዝያዊ ጥቕምን ሓቅን ሓሶትን ብምትሕንፋጾም፡ ሓቂ ላዕለዋይ ኢድ ስኢና ብምህላዋ፥ ከምዚ ዓይነት ስምዒት ከተሕድር ዝገብሩ ነገራት ክገጥሙኻ ወይ ኣብ ካልኦት ክትርኢ ስለትኽእል ኣብ ፍቕሪ ጥርጣረ ክለዓል ባህርያዊ እዩ። እንተዀነ ግን፡ ሓሶትን ሓቅን ብሓደ ኣብ ሓንቲ ከተማ ትረኽበን ኢኻ፤ መታን ኣለሊኻ ሓዲአን እታ ናይ እምነትካ ክትወስድ። ሓቅን ሓሶትን ምልላይ ስለዝሰኣንካ ግን "ሓቂ የላን፡ እንታይ መለለዪ ኣለዋ፧" ዝብል ጥርጣረ ምሕዳር እኹል ምኽንያት ኣይኰነን። "ሓቂ ከመይ ገይረ እየ ዝረኽባ፧ ካብታ ሓሶትሲ ብኸመይ ይፈልያ፧" ተባሂሉ ደኣ እዩ ክጽዓር ዘለዎ እምበር፥ ድንግርግር ስለዝበለካ "ሓቂ የላን" ናብ ዝብል ድምዳሜ ምብጻሕ ዘድልየካ ኣይመስለንን። ስለዚ ሓቀኛ ሰብ ምልላይን ምርካብን ንሽገር ንኸውን፤ እዚ ማለት ግን ሓቀኛ ሰብ ስለዘየሎ እዩ ማለት ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ መንገዲ፥ ፍቕሪ ንግዜኡ ካባና ስለዝረሓቐት "ሓቀኛ ፍቕሪ የለን" ናብ ዝብል መደምደምታ ክንከይድ የብልናን። ሓቀኛ ፍቕሪ ንኽትረክብ ሓቀኛ ኰንካ ጽናዕ። ንሓቂ ድለያ፤ ክትረኽባ ኣይክትስእንን ኢኻ። -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ሓቀኛ_ፍቕሪ #ንቕሓት

About