@kidanzelalem: "ሓቂ እዩ፤ ገንዘብ ምሉእ ሓጐስ ከምጽኣልካ ኣይክእልን እዩ፥ እንተዀነ ግን 99% ካብ ጸገማትካ ይፈትሕ እዩ!" ሓደ ነገር ከም ዝጠቕመካ እናፈለጥካ "ኣይጠቅምን እዩ" ኢልካ ምዝራብ፥ ነፍስኻ ምቕሻሽ ጥራይ እዩ። ጥቕሚ ገንዘብ ኵሉ ሰብ ይፈልጦ እዩ፤ ዓቢ፡ ንእሽቶ፡ ሰበይቲ፡ ሰብኣይ፡ ወዲ፡ ጓል፡ ሸኽ፡ ቀሺ፡ ወትሃደር፡ ጓሳ... ኵሉ በብወገኑ ብዛዕባ ገንዘብ ኣፍልጦ ኣለዎ። እቲ ሓቂ ከምዚ ዀይኑ ክነሱ፥ ሰብ ንገንዘብ ኢሉ ላዕልን ታሕትን እናበለ፥ ግን ከኣ "ኣድላይነት ገንዘብ ክዓዝዝ ከምዘይብሉ" ዝሰብኩ ሰባት ኣይሰኣኑን። እቲ እትበልዖ ኰነ እትኽደኖ ኵሉ ምስ ገንዘብ ስለዝተሓሓዝ፥ ንገንዘብ ጸላኢ ገይርካ ምቕማጥ ፍጹም ዝከኣል ኣይኰነን። ገንዘብ ግዚኡ ሓልዩ ምልኩ ዘስፋሕፍሐ እምበር፥ ኣብ ሓደ እዋን ብእኽልን ብጥሪትን ጥራይ ዝትመነሉ ዝነበረ ግዜ እውን ነይሩ እዩ። ኣብቲ ረብሓ ብጥሪትን ብእንስሳን ዝትመነሉ ዝነበረ ዓለም ከምዚ ሕጂ ከይኰነት ከላ፥ ወድ ሰብ ምእንቲ ውሑዳት ጤለ-በጊዕ ወይ ከብቲ፡ ወይ ውን ውሑድ ናይ ምድሪ ዘራእቲ "እኽሊ"፥ ብዓመታትን ብመዓልታትን ተገዚኡ ዋጋ ዕዮኡ ዝረኽበሉ መሃያ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ እዩ። ዓስቢ ድኻምካ በጊዕ፡ ጤል ወይ ከብቲ ምርካብ እንተደኣ ሓላል ነይሩ፥ ሎሚ ብወረቐት እተጠቕለለ ገንዘብ ንምርካብ፡ ዓስቢ ጉያኻን ጻዕርኻን ክትረኽቦ ጸደፍደፍ ምባል ውን ካብ ልክዕነት ዝሓለፈ ኣይኰነን! ገንዘብ ማለት "ኢድን እግርን" ማለት እዩ። ኢድን እግርን እንተዘየለ፥ ምንቅስቓስካ ኵሉ ክድረት እዩ። ስለዚ ንገንዘብ ከም ኢድካን እግርኻን፡ ከም ኣካል ህይወትካ ገይርካ ክትዓየሉ፡ ክትረኽቦ፡ ክትዕቅቦን ክትጥቀመሉን ከምዝግበኣካ ብመትከል ምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ገንዘብ ህይወት ኣይሰዅዓልካን (ኣይፈጥረልካን) ይኸውን፤ ህይወትካ ኣብ ምዕቃብን ውሕስና ናብራ ኣብ ምሃብን ግን ኣበርክቶኡ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ! -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ገንዘብ #ክውንነት
ሰረት
Region: GB
Monday 02 November 2026 14:34:25 GMT
Music
Download
Comments
ሻሎም :
ትክክል
2026-11-02 16:15:40
1
𝑩𝑳𝑨𝑪𝑲 ✬𝑻𝑰𝑮𝑬𝑹✊ ♥︎𝑺♥︎ :
𝚛𝚎𝚊𝚕𝚕𝚢
2026-11-02 17:38:05
0
Mebrahtu Etsay :
✌✌
2026-11-02 17:28:09
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm
homepage.