@user7003193954511: ምእንቲ እቲ እትደልዮ ምቅላስ (Go After What You Want)፦ ነቲ እትደልዮ ነገር ክትቃለሰሉ እንተዘይክኢልካ፡ ፍጹም "ክትረኽቦ" ኣይትኽእልን ኢኻ! ሓደ ነገር ደሊኻዮ ዋጋኡ ትኸፍል፡ ምእንታኡ ትደክም፡ ትጽዕር፡ ግዜን ጸዓትን ትህብ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ትውንኖ። ብዀፍካ፡ ብትምኒትን ብምንዮትን ጥራይ ዝውዳእ ጉዕዞ ስለዘየለ፥ ዋጋ ዘይከፈልካሉ ነገር ክትረኽቦ ኢልካ ኣይትሕለም! ኣስተውዕል! ብዘይ ናትካ ዋጋ ዝመጽእ ኵሉ ርዝነት የብሉን፤ ነዓኻ ማእከል ዝገበረ ለውጥን ውጥንን እውን ኣይኰነን። ስለዚ፡ መጀመርታ ምእንቲ እቲ እትደልዮ ነገር ዋጋ ምኽፋል ከምዘድልየካ ብትኽክል ምርዳእ የድሊ። እቲ እትደልዮ ነገር ዋናታቱ ካልኦት እንተዀይኖም ግን፥ ዘይናትካ ኩሉ ግዜ ኣይናትካን ምዃኑ ምእማን የድልየካ እዩ! 2. ሕተት (Ask)፦ ከይሓተትካ መልሲ የለን፤ ስለዚ ከይሓተትካ መልሲ ክትረክብ ኣይትጸበ። ሕቶ ዘሎ መልሲ ንምርካብ እዩ፤ መልሲ ዝህሉ ድማ ሕቶ እንተሎ ጥራይ እዩ! ስክፍታን "ከይብሉኒ" ዝብል ፍርሒን ካብ ውሽጥኻ ኣርሕቆ። "ሰብ እንታይ ክብለኒ" እዩ እናበልካ ትስከፍ እንተ ኲንካ ክትሓትት ትብዓት የብልካን፤ እንተዘይሓቲትካ ድማ እቲ ክትፈልጦ እትደሊ ነገር ኩሉ ከይፈለጥካዮ ሱቕ ክትብል ኢኻ! ስለዚ ተባዕ ሰብ ኩን፤ ሕተት! "ንምንታይ፧" በል። እትረፍ ዘረባ መግቢ እኳ ከይሓየኽካ ኣይወሓጥን እዩ እሞ፥ ነቲ ዘይትፈልጦ ሓቲትካ ርኸቦ፤ ነቲ ክበርህ እትደልዮ ድማ ሓቲትካ ኣነጽሮ! 3. ንቅድሚት ሰጉም (Step Forward)፦ ንቅድሚት ክትስጉም እንተዘይክኢልካ፥ ኵሉ ግዜ ኣብ ሓደ ቦታ ኢኻ እትተርፍ። ክትዓቢ ክትልወጥ እንተ ኲንካ ክትስጉም ኣሎካ። ክትስጉም እንተ ኰይንካ ድማ ራእይን ዕላማን ክህልወካ ግድን እዩ። ስለዚ ራእይኻ ከተግህድ፡ እትደልዮ ለውጥን ዓወትን ድማ ከተምጽእ ክትንቀሳቐስ ኣለካ እምበር፥ ኣብ ሓደ ቦታ ኰፍ ብምባል ለውጢ ኣይመጽእን እዩ። ተዛረብቲ ኣምሓርኛ ክምስሉ ከለዉ፦ "ጠያቂ አዋቂ" ይብሉ። ፍልጠትካ ክሰፍሕ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ሕቶ ንስውር ነገር ዝገልጽ እንኮ መሳርሒ ናይ ኣእምሮ መዕበዪ እዩ። ዋጋ ዝኸፍል ሰብ ውዒሉ ሓዲሩ ዓስቢ እቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ምርካቡ ዘይተርፍ እዩ። ንቅድሚት ምስጓም እንተሃልዩ ድማ ኵሉ ግዜ ምዕባይ ኣሎ! ሓታቲ ኩን ፦ ክትፈልጥ! ነቲ ትደልዮ ክትረክብ ፦ ዋጋ ክፈል! ክትዓቢ ፦ ንቅድሚት ሰጉም! -ዘፍጥረት #ሕልና_ናይ_ዉሽጢ_ሕጊ_እዩ_ነዓይ🧏♀️🤌♥️
ዘይ ትግመት 👸🦅🤍
Region: SA
Wednesday 04 November 2026 17:23:54 GMT
Music
Download
Comments
There are no more comments for this video.
To see more videos from user @user7003193954511, please go to the Tikwm
homepage.