@solodasoloda14: #ሰመረ💪 #ትብፃሕ_ናብ_ጀነራል_ከበደ_ፍቓዱ_ኣብ_ዘለኻዮ🙏 ቅድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝገበርናዮ ነዊሕ ቃለመሕትት ምስ ተጋዳላይ #ሰመረ_ተኹሉ ኣብ ብዙሓት ዓውደ ውግኣት ሓቢርኩም ፀላኢ ከምዝደምሰስኩም ኣዋጊዕኻኒ ኔርካ።ንሱ ጥራሕ ኣይኮነን፤ተጋዳላይ ሰመረ ካብ ብዙሓት ክባታት ፀላኢ ከምዘውፀአካን ናይ ሰመረ ተኹሉ ጅግንነትን ቆራፅነትን ቆፂርካ ሰፊርካ ከምዘይውዳእን'ውን ብኣንደበትካ ኣዕሊልካኒ ኔርካ ኣብቲ ዝገበርናልካ ቃለመሕትት። ብፍላይ እታ ታሕሳስ 2013 ዓ/ም ላዕለዎት ፖለቲካዊ መራሕቲ ማለት'ውን ንበዓል ጌታቸው ረዳ፣ጌታቸው ኣሰፋ፣ሞንጀሪኖ፣ኣለም ገብረዋህድ፣ኢሳያስ ታደሰን ካብ ከባቢታት ጅራ ሒዝካ ናብ ማይ ቅነጣል እንትትሰግር ብጣዕሚ ተጨኒቕካን ፀልሚቱካን ከምዝነበረን ኣብ ናይ ምግዳል ሂወትካ ከም ሽዑ ፈሪሕኻ ከምዘይትፈልጥን፤ዳሕራይ ግና ኣብ ከባቢታት #ሶፊ ተጋዳላይ ሰመረ ኣሃዱኡ ሒዙ ምስተፀምበረካ ከምዝተሓጎስካን ኩሉ ነገር ቅልል ከምዝበለካን ዘዕለልካኒ ዛንታ ፈፂመ ኣይርስዓን። ንስኻ ንክፍለሰራዊት ኣግኣዚ መሪሕኻ ተጋዳላይ ሰመረ ንክፍለሰራዊት ሓውዜን መሪሑ ካብ ጅራ ክሳብ ወርቀዲኖ፤ካብ ቆቦ ክሳብ ጋሸና ዘካየድኩምዎ ናይ ምትእስሳር ውግእ ኣዕሊልካኒ ብናይ ክልቴኹም ምትእስሳርን ቃልኪዳንን ተገሪመ ኣዳሚፀካ። ናይ ሰመረ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋላ ናትካ፤ ጅግንነትኩምን ቅያኹምን ፅሒፍካ ተንቲንካ ኣይውዳእን።ምስ ክልቴኹም ሰፊሕ ቃለመሕትት እየ ኣካይደ።ታሪኽኩም፣ቅያኹምን ጅግንነትኩምን ብጣዕሚ እዩ ዝምስጠኒ ነይሩ። የካቲት 15/2013 ዓ/ም ኣብ ከባቢታት ሳምረ ጣብያ ቀይሕ እምባ ቁሸት ክሳድ ገብርኤል ዶ.ር ደብረፅዮን ዝሓዞም ኩሎም ፖለቲካዊ መራሕቲ ከምኡ ድማ ንጀነራል ወዲ ወረደን ጀነራል ፃድቃንን ሓዊሱ ኩሎም ወታደራዊ መራሕትን ምስ ኣርምታት ክልተን ኣርባዕተን ኣብ ሙሉእ ክባ ኣትየን ተጋዳላይ ሰመረ ነታ ባዕሉ ዘጣየሻ ሓውዜን እትበሃል ጅግና ክፍለሰራዊት ሒዙ ምስ 7 ክፍላተ ሰራዊት ሻዕብያ ፊት ንፊት ገጢሙ ሙሉእ መዓልቲ ተዋጊኡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምዘድሓነ ንስኻ ኢኻ ኣጉሊህኻ ዝነገርካኒ።ብርግፅ ኩሎም ወታደራውን ፖለቲካውን መራሕቲ ነዛ ተጓንፎ ይገልፁዋ እዮም።ናትካ ኣገላልፃ ግና ትፍለ እያ ነይራ። "ተጋዳላይ ሰመረን እታ ንሱ ዝመርሓ ክፍለሰራዊት ሓውዜንን ሽዑ እቲ ጅግንነት እንተዘይፍፅሙዎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘይክቕፅል ይኽእል ነይሩ እዩ።" ኢልካ ቃል ብቓል ገሊፅካዮ ምንባርካ እዝክር።ተጋዳላይ #ሰመረ ነታ ውሑድ ሓይሊሰብ ዝነበራ ክፍለሰራዊት መሪሑ ምስ 7 ክፍላተሰራዊት ሻዕብያ ምስ መካናይዝዶም ገጢሙ ሙሉእ መዓልቲ ቀጥ ኣቢሉዎም ከምዝወዓለን ኣሃዱታትናን መራሕትናን ናብ ውሑስ ቦታ ክሳብ ዘንሳሕቡ ተኣምር ሰሪሑ ከምዝሰዓበኩም ኣዕሊልካኒ ኢኻ። ስማዕ'ባ ጀነራል ከበደ ፍቓዱ፦ ብፖለቲካ ኣኹሪፍካ ካብ ጎድኒ ሰመረ ዋላ እንተረሓቕካ☝️ ከምቲ ተጋዳላይ ሰመረ ካብ ክባታት ዘውፀአካ ዋላ እንተዘየውፃእኻዮ☝️ ከምቲ ውግእ ፃዕፂዑካ ኣሃዱኡ ሒዙ ዝበፀሐልካ ዋላ እንተዘይበፃሕኻሉ☝️ ምስ ፀላኢ ወጊንካ ናይ ፒፒ ክፍላተ ሰራዊት መሪሕኻ ነቲ ካብ ክባታት ፒፒን ሻዕብያን ዘድሓነካ ብፃይካ ክትከብብን ክተሳድዶን ኢኻ ኢለ ሓሲበዮን ኣስተንቲነዮን ኣይፈልጥን😢 እሞማ☝️ከምታ ባዕልኻ "ሰመረን ደቂ ክፍለሰራዊት ሓውዜንን ኣብ ምቕፃል ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ተራ ነይሩዎም" ዝበልካኒ፤እቲ ሽዑ ዝቐፀለ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንሎሚ በፂሑ ክኽበስ እዩ ኢልካ ትሓስብ እንተኾይንካ ንህዝቢ ትግራይን ነቲ እትመርሖ ዝነበርካ ቲዲኤፍን ኣይፈለጥካዮምን። እዛ መልእኽቲ ከም እትበፅሐካ በዓል ሙሉእ ተስፋ እየ🙏 © Haftom Ze Eyesus Gedam

Soloda
Soloda
Open In TikTok:
Region: ET
Thursday 05 November 2026 11:43:45 GMT
19227
1124
68
109

Music

Download

Comments

merhawit.nugusse
Merry merry :
ዓሕሕሕሕ መሕዘኒ እዩ ክቡር ኣያና ብሰላም ዕረፍ 😭😭😭😭ግዜ ሓያል ክምለሶ ግዜ ይመልሶ
2026-11-05 17:30:18
6
dramba_express
Dramba Express :
[Teary eyed]
2026-11-05 18:36:32
0
s992792
S :
ቅድምኻ ተዝገብረኒ ጅግና አቦይ
2026-11-05 17:36:39
3
abi1236mu0
betwi :
:ስመረዋይ ጅግና ኢካ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኢካ ኣያና ፅንዓት ንመላእ ብየተስብ ህዝቢ ትግራይ😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭
2026-11-05 14:23:51
5
919over
The tiger :
ሰመረ ኣብ ሰላም ንበር
2026-11-05 18:07:51
1
succe998
@Mahi 👸 :
gobez senaday hawna🙏🙏🙏 zom reshat en kebede bmkdeomn bsrhomn dro 2 blutast merahtna seina jigna semere ewn mengste semayat yewarska kibrn mogosn neakan ntom mnm gurdi zeylegbom sematatnann
2026-11-05 14:23:19
4
selam1239800
selam :
ስመረዋይ ጅግና ኢካ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኢካ ኣያና ፅንዓት ንመላእ ቤተስብ ህዝቢ ትግራይ😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭
2026-11-05 16:30:02
1
alemdemoz201
Alem demoz :
😭😭😭😭😭😭😭😭😭ዓኽ ዋይ ጌዜ
2026-11-05 15:57:06
2
sarita85447
sarita :
sadnes
2026-11-05 16:46:46
1
user12839693
user128396 :
kebede hne fedayi hne
2026-11-05 17:26:45
1
fili.fili31
FIli FIli 💪💪 :
Baelam eref jegna ayana
2026-11-05 16:43:14
1
121212mule
Mule 12🙏🙏 :
semere jegna nhiwetu zeysse,ewe ms 7 trah ayneberen nay pp ewn neyruwoyu nmskr baelna ahhhhhh beal wedi rsma kolenel kswu seat😥😥😥😥
2026-11-05 17:33:53
1
barakii16
Baraki@16 :
2026-11-05 14:49:58
2
negasi1293
negasi12 :
😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭
2026-11-05 15:02:39
1
sam770557
sam :
😢😢😢
2026-11-05 14:19:41
1
berihughud
Bøøs :
2026-11-05 16:13:01
1
barakii16
Baraki@16 :
2026-11-05 14:50:13
1
bravo.bravo133
Hope :
2026-11-05 16:17:09
1
mikeale.alemu
Mikeale Alemu :
:ስመረዋይ ጅግና ኢካ ኩሉ ግዜ ኣብ ልብና ኢካ ኣያና ፅንዓት ንመላእ ቤተስብ ህዝቢ
2026-11-05 16:52:51
9
user7398806367869
Helen welday :
😭😭😭😭😭😭
2026-11-05 16:55:12
1
ad.k84
ሰላማ :
😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭😭
2026-11-05 13:59:46
1
wedi.abeyzgey6
wedi Abeyzgey :
😭😭😭
2026-11-05 19:35:20
0
fishikta.ameley
fishikti_ameley :
ጅግና ይሞውት እንበር አይማረክን❗ ክብርን ሞጎስን ንዞም ጀጋኑ ሰማአታትና ፅናዓት ይሃብኩም ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፈጣሪ አብ ገነት የንብሮ 🙏😭😭😭💔💔💔🖤🖤🖤
2026-11-05 20:03:44
0
fila16192127
fila 2121@ :
ጅግና ይሞውት እንበር አይማረክን❗ ክብርን ሞጎስን ንዞም ጀጋኑ ሰማአታትና ፅናዓት ይሃብኩም ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ፈጣሪ አብ ገነት የንብሮ 🙏😭😭😭💔💔💔🖤🖤🖤
2026-11-05 19:05:03
0
meles.g12
meles 12,16 :
😭😭😭
2026-11-05 20:49:16
0
To see more videos from user @solodasoloda14, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About