@kidanzelalem: 🚫 እቶም ክትእመኖም ዘይብልካ 6 ዓይነት ሰባት! (ብሰረት) ንኽፉእ ምቘዋም እምበር፡ ምስ ክፉእ ምንባር ግዴታ የብልካን! ምሕዝነት ምርጫ እዩ። ምስ መን ከም እትመሓዞ ብቐንዱ ኣብ ናትካ መረዳእታን ሰናይ ድሌትን ዝምርኰስ እዩ። እንተዀነ ግን፡ እዞም ዝስዕቡ 6 ዓይነት ሰባት ካብ ዝርዝር ምሕዝነትካ ምእላይ ቀዳማይ ዕዮኻ ክኸውን ይግባእ፦ 1. ኵሉ ግዜ ዝዕንቅፈካ ሰብ (The Saboteur)፦ እቲ ኵሉ ግዜ ንዓኻ ንምዕንቃፍ ዝጽዕር ወይ ዝፍትን፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናደረደረ መንገድታትካ ንምዕጻው ዝተግህ ሰብ፥ እዚ እቲ ክትእመኖ ዘይብልካ ጸላኢ ህላዌኻ፡ ምዕባለኻን ዓወትካን እዩ። ነዚ ዓይነት ሰብ ካብ ጥቓኻ ኣርሕቆ። 2. ከም ዝሓልየልካ ዘምስል (The Two-Faced)፦ ብዛዕባኻ ጽቡቕ ዝምነን ዝሓልየልካን መሲሉ ዝቐርብ፥ እንተዀነ ግን ብድሕሪ መጋረጃ ንውድቀትካ ዝዓዪ ሰብ፥ እዚ እቲ ክፉእ ናይ በረኻ መርዛም ተመን እዩ እሞ ነዚ ሰብ እዚ ኣለልዮ! "ዝብሎን ዝገብሮን ይቃደዉዶ ኣለዉ፧" ኢልካ ኩሉ ግዜ ሕተት፡ ኣረጋግጽ! 3. እናሰሓቐ መርዚ ዝተፍእ (The Passive-Aggressive)፦ ሒዝዎም ዘሎ መርዛማውያን ሓሳባት ብሓውሲ ሰሓቕን ዋዛን ኣምሲሉ ከዀልሰካ (ከሕስረካ) ዝፍትን ሓደገኛ ሰብ፥ እዚ እቲ ካብ ህይወትካን ከባቢኻን ክርሕቕ ዘለዎ፡ "ይጽነሓለይ" ዘይበሃሎ ሰብ እዩ። እዚ ዓይነት ሰብ ብውሽጣዊ ስምዒትካን ልብኻን ዝጻወት፡ "እፈትወንን እሓስበለይን እዩ" ኢልካ ንኽትሓስብ መርዛም ቃላቱ ብሽኰር ነስኒሱ ዘቐብል፡ ውሽጡ ግና ብኽፍኣት ዝመልአ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሰብ ዘይምድንጋጽ ድሕነት ህይወትካ ምዃኑ ኣለሊኻ ብእዋኑ ክትነቕሓሉ ኣገዳሲ እዩ። 4. ቃሉን ግብሩን ዘይሳነ ሰብ (The Hypocrite)፦ ዝዛረቦ ካልእ ዝገብሮ ድማ ካልእ ዝዀነ ሰብ መካይድኻ ኣይኰነን። እሙን ዓርኪ መስትያት እዩ፤ እቲ ንስኻ ዘይረኣኻዮ ጐደሎኻ ዝመልእ፡ ንጽቡቕካ ዝሰርሕ እዩ። እቲ ሕቡእ ጸላኢ ግና ናትካ ነገር ግዲ ስለዘይብሉ፡ ንዕንወትካ ስለዝጽዕር ክገብሮም ዘይክእል መብጸዓታት እናኣተወ ግብሩ ግና ንውድቀትካ እዩ። እዚ ዓይነት ሰብ ዘይጭበጥ ሕልሚ እዩ፤ ጥዑም ኣርእዩ እሾኽ ዘዀልስ። ስለዚ ካብዚ ዓይነት ሰብ ነብስኻ ሓሉ! 5. ዘይሓላፍነታዊ ሰብ (The Blamer)፦ ንዓኻ ምኽሳስ ፈትልን መርፍእን ዘላግብ፥ ንባዕሉ ግና ሓላፍነት ዘይወስድ፡ ኣብ ዝገብሮን ዝብሎን ዘይሓላፍነታዊ ብዝዀነ ኣጋጣሚ ንኻልኦት ተሓተቲ ክገብር ዝጽዕር ሰብ፥ እዚ ዓይነት ሰብ ተበላጽን ክፉእን ስለዝዀነ ካብኡ ምርሓቕ ናይ ጽድቂ ጉዕዞ ገይርካ ውሰዶ። ሓያል ሰብ ጌጋኡ ዝፈልጥ፡ ሓላፍነቱ ዝስከም፡ ባዕሉ ብዝገበሮ ጌጋ ንኻልኦት ግዳይ ክገብር ዘይጽዕር እዩ። ሓላፍነታዊ ምዃን ብቐንዱ ምሉእነት ዕቤት ናይ ሓደ ሰብ እዩ። ሓደ ሰብ ሓላፍነት ክወስድ ዘይክእል እንተዀይኑ "ምሉእ ሰብ እየ" ምባል ዕሽነት እዩ፤ ምሉእ ሰብ ምሉእነቱ ዘርእይ ሓላፍነቱ ብምስካም እምበር፡ ካብ ሓላፍነቱ ብምህዳም ኣይኰነን! 6. ሓላይ መሲሉ ዝቐርብ (The Doubter)፦ ኣስተውዕል! ሓላይ እዩ ዝመስል እምበር ሓላይ ኣይኰነን። ምምሳልን ምዃንን በበይኑ እዩ! እዚ ሓላይ ዝመስል ተዋሳኢ ሰብ፥ ንዓኻ ዝሓልየልካን ዝግደሰልካን መሲሉ፡ ረቐቕቲ ሜላታት ተጠቒሙ ናይ ምጥርጣር ዘርኢ ኣብ ውሽጥኻ ዘቐምጥ ሓደገኛ ሰብ እዩ። እዚ ሰብ እዚ ካብቶም ካልኦት ፍልይ ዘብሎ፥ ረቂቕ ሜላታት ተጠቒሙ ኣብ ውሽጥኻ ናይ ጥርጣረ ዘርኢ ክዘርእ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ስለዚ ካብዚ ዓይነት ሰብ ምርሓቕ ግዴታኻ እዩ። ምስ መን ከም እትመሓዞ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ተጸጊዕኻዮ ዘለኻ ሰብ ተመን ድዩ ርግቢት ምፍላጥን ምምርማርን ናትካ ግደ እዩ። ምኽንያቱ ዓርኪ መስትያትካ ከም ምዃኑ፥ ምስሊ ህይወትካ ጥራይ ዘይኰነ ቅርጺ ኣካይዳኻ እውን ዝቐልስ ናይ ቀረባ ሰብ እዩ። ምሉእ ልብኻ ሂብካ እትጽግዖን እትቐርቦን ብምዃኑ፡ ኣእዛንካ ድምጹ ንምስማዕ ክፉታት ስለዝዀና፥ ከታልለካን ክጠቕመካን ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። ስለዚ ምስ መን ትቐርብ፧ ንመን ትኣምን፧ ብምስትውዓል ግበሮ! -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ተኣማንነት #ምሕዝነት

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Friday 06 November 2026 10:02:28 GMT
30643
944
30
134

Music

Download

Comments

kidugrmay00
kidugrmay00 :
ናይ ብሓቂ ምርጢ ትምህርቲ እዩ ይቀፀል
2026-11-08 14:17:05
3
.na86588
𝑛𝑖,,𝕪𝕒𝑡➤💎➛✝️👑 :
ዋውው😊🙏
2026-11-19 16:36:16
1
i.hope.wait.toit
I hope from the lord :
you are smart
2026-11-15 18:25:46
1
hadush.kahsayjetl
Hadush Kahsayjetli :
best amhari hasab tanx
2026-11-07 07:30:40
1
desi6070894617241
ደሱ ደሱ❤️ :
ደስ በሃሊ♥️🙏
2026-11-10 06:12:36
1
natan66445
natan444🙏✍️🫶 :
you right 👌👌👌👌👌👌👌👌👌👌👌
2026-11-10 08:51:21
1
semere.tesfay51
wedi eri :
thanks bro🥰🥰🥰🥰
2026-11-06 11:23:59
1
getu2714
ክርህው ዩ ፅባሕ :
that's it
2026-11-06 17:02:29
1
tesfalemtewelde34
alem xewar :
you are right
2026-11-09 07:12:38
1
user63561358701800
user63561358701800 :
yes tanks
2026-11-06 21:28:41
1
user56967498
user56967498 :
Amazing
2026-11-06 11:14:28
1
kidane.belay1
Kidane Belay :
🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰🥰exactuly
2026-11-06 16:57:27
1
aziebzekarias
Azieb Zekarias Nordea :
🥰
2026-11-06 14:31:44
1
aftermomnolife18
Dኣን🦋🥀 :
🥰🥰🥰
2026-11-08 11:59:25
1
lifeisshort976
ፋብሪካና በበይኑ እዩ! :
2026-11-08 12:12:32
1
mamayebabaye
.......gin :
nay behaki 🥰🥰🥰
2026-11-06 20:02:13
1
mhret.abadi8
Mhret Abadi :
ናይ ብሓቂ[Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming][Heartwarming]
2026-11-06 21:21:14
1
user3485879686261
ማርያም🙏እናቴ🤱፡ :
መልሰለይ ባዓል ገዛኻ ከምዝይ እንተኾኑ ከ እንታይ ትገብር[Red heart][Red heart][Red heart][Red heart][Red heart][Red heart]
2026-11-06 12:34:36
1
user8136996810309
user8136996810309 :
ሰብ እልና ንቀርቦም ዳሓር ተመን ይኮኑ
2026-11-24 09:47:15
1
temsgen.amlakie
Temsgen Amlakie :
❤️💎🤍
2026-11-17 21:16:52
1
maranata12348
MARANATA ✝️🛐 :
🥰🥰❤️🫡👌
2026-11-10 23:34:12
1
99320929tesfay.hop
TESFAY @ Tesfush Man✈✈✈ :
👍👍👍
2026-11-15 05:06:56
1
rino.reyuni
rino reyuni :
🥰🥰🥰
2026-11-07 07:52:09
1
user5394302453165
ዕባይ ዴስኣ💝💍💝 :
🙏🙏🙏
2026-11-07 00:31:39
1
lamhappy62
samri :
👌👌
2026-11-06 17:49:36
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About