@goitshg: 🇺🇸 ንወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ኣፉ ብሳሙና ክሓጽብ ዝፈተነ ውልቀሰብ ተኣሲሩ። 🟤 ኣብ ክፍለ ሃገር ኢንዲያና፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ዳንኤል ሽርገን እተባህለ ወዲ 34 ዓመት ሰብኣይ፡ ንሓደ ሕማቕ ቃል እተጠቐመ ቈልዓ፡ ኣፉ ብሳሙና ክሓጽቦ ፈቲኑ ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ። 🚔 🔹 ዳኒኤል ኣብ ነሓሰ 2026 ምስ ኣፍቃሪቱን ኣርባዕተ ቈልዑን ብመኪና ይጐዓዝ ነይሩ። 🚗 🟤 እቲ ብድሕሪት ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ቈልዓ ንኻልእ ቈልዓ ስለ ዝሃረ*ሞ፡ ዳንኤል፡ "ግደፍ!" ምስ በሎ፡ ወዮ ቈልዓ፡ ንዳንኤል ብዕሉ*ግ ቃላፍ ብምጥቃም ጸሪፍዎ። 🔹 ዳንኤል ድማ፡ "ኣብዚ ዲና ተባጺሕና!" ብምባል ተቘጢዑ። 🟤 መኪናኡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ Dollar General እተባህለ ድኳን፡ደው ብምባል፡ ንኣፍቃሪቱ ሳሙና ክትዕድግ ሓተታ። 🧼 🔹 ኣፍቃሪቱ ሳሙና ሒዛ ምስ ተመልሰት፡ ዳንኤል ርእሲ እቲ ቈልዓ ናብ መንበር እታ መኪና ብምልጋዕ ነቲ ሳሙና ኣብ ኣፉ ከውትፈለሉ ከም ዝፈተነ ይግለጽ። 🟤 እቲ ቈልዓ ግና ኣፉ ኣጽኒዑ ብምዕጻው፡ ኣፉ ምኽፋት ኣብዩ። 🔹 ብድሕሪኡ እቲ ቈልዓ ወዲ ኣእውዩን በኽዩን። 😢 🟤 እቲ ቈልዓ ክከላኸል ኣብ ዝፈተነሉ፡ ኣብ ግንባሩ ንእሽቶ ማህረምቲ ስለ ዘጋጠሞ ደም ከፍስስ ጀሚሩ። ኣብ ጥቓ እዝኑ ገጹን እውን ንእሽተይ ሕበጥ ኣጓኒፍዎ። 🔹 እታ ኣፍቃሪት ዳንኤል፡ ነቲ ደም እቲ ቈልዓ ደው ንምባል ናብቲ ድኳን ተመሊሳ፡ ችረቶ/tape ዓዲጋ። 🟤 ፖሊስ ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ፈለማ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚኡ እውን ዳንኤል ኣብ ኣፍ እቲ ቈልዓ ሳሙና ኣእትዩ ከም ዝነበረ ይገልጹ። 🔹 ዳንኤል ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ቈልዓ ናይ ባህሪ ጸገም ከም ከም ዘለዎን ንኻልኦት ህጻናት ብምውቃዑ ካብ ቤት ትምህርቲ ከም እተሰጐን ገሊጹ። 🟤 ፖሊስ ንዳንኤል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ብዘቤታዊ ዓመ*ጽ ክሲ መስሪቶምሉ ኣለዉ። ⚖️ 🔹 ዳንኤል $ 750 ዶላር ዋሕስ ድሕሪ ምኽፋሉ ተፈቲሑ። 💵 🟤 ን 6 ጥሪ 2027 ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ገበነኛ ኰይኑ እንተተረኺቡ፡ ክሳዕ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ይኽእል እዩ። 🟤 ፖሊስ፡ ዳንኤል ምስቲ ቈልዓ ብኸመይ ከም ዝዛመድ ኣይገለጹን ዘለዉ። 🔹 ደቂ ዓበይቲ፡ ንስኻትኩምከ እንታይ ትብሉ፧ እንታይ ርእይቶኹም፧ 🤔 ✍️ Goitom Tesfai Gebreslasie
Goitsh
Region: GB
Saturday 07 November 2026 18:21:07 GMT
Music
Download
Comments
Asseb :
2026-11-07 21:28:22
0
menge man :
ኣባና ማ ብእምኒ/ ኮብልሰቶን/ እያ
2026-11-10 10:49:21
0
መንካዕ 1973💙👊🦁 :
😂😂😂😂😂😂😂😂😂
2026-11-07 20:37:56
0
Temidove Sm💡rt_Solutions :
😅😅😅😅
2026-11-20 06:05:54
0
To see more videos from user @goitshg, please go to the Tikwm
homepage.