@blenyisak19: ፃውዒት ህፁፅ ሓገዝ! ሰላምታ ናይ እግዚኣብሔር ይብፃሕኩም! ሎሚ እዚ መልእኽቲ እዚ ናባኻትኩም ብህጹጽ ነብጽሖ ዘለና ሓውና #ተወልደ_ብርሃነ_ሓጎስ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዝበጽሖ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ምኽንያት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ስለዘሎ፣ ናይ ኩልኹም ህፁጽ ሓገዝ ስለዝደሊ እዩ። እዚ ጻውዒት እዚ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ብሰብኣዊነት ዝግደስ ዜጋ ዝምልከት ሓፈሻዊን ህጹጽን ጻውዒት እዩ። #ምንጪ_ጸገም ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ዓድዋ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ድሮን ሓውና ተወልደ ብርሃነ ከቢድ መጉዳእቲ በጺሕዎ ጸኒሑ እዩ። #ሕክምናዊ_ኩነታት ብመጀመርታ ንክልተ ሰሙን ዛኣክል ኣብ ኣኩሱም ዩኒቨርስቲ ሪፈራል ሆስፒታል ክሕከም ጸኒሑ፤ ድሕሪኡ ናብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ሪፈር ተባሂሉ ንኣስታት ክልተ ሰሙናት ኣብ ከቢድ ናይ ሕክምና ክፍሊ (ICU) ክከታተል ጸኒሑ እዩ። ጽቡቕ ለውጥታት እናረኣየ ጸኒሑ ነይሩ። ይኩንዳኣምበር ንሕክምናኡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ፣ ብፍላይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብነፋሪት (ፕለይን) ክለኣኽ ዘለዎ ህይወት ኣድሕን መድሓኒት ዋጋኡ ክባር ብምኳኑ እዩ (ንሓንቲ ጥራይ 30 ሽሕ ብር ን24 ሰዓት ጥራሕ እትከውን)፥ እዚ ድማ ካብ ዓቕሚ #ወላዲኡን ስድሩኡን ንላዕሊ ኰይኑ ኣሎ። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ወሳናይ መድሓኒት ብሕጽረት ገንዘብ ክዕንቀፍ ስለዝኸኣለ፣ ህይወት ሓውናን መሓዛናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። #ግዜ_ዘይህብ_ህጹጽ_ጻውዒት ሓውና ተወልደ ኣብ ICU ስለዘሎ ሓንቲ ደቂቃን ሰዓትን እውን ትርጉማ ንኩሉ ግልጺ እዩ፣ስለዝኮነ እውን ሕዚ እንገብሮ ሓገዝ ንህይወት ሓውናን መሓዛናን ካብ ሞት ንምድሓን ወሳናይ ተራ ይህልዎ። «ሓምሳ ሎሚ ንሓደ ሽክሚ ንብዙሓት ድማ ገይፂ» ከም ዝበሃል፣ ንሕና ሂወት ሓደ መንእሰይ ትግራዋይ ዘግድሰና ደቂሰባት ኣብ ውሽጢ ይኩን ደገ እንነብር ብወላዲኡ ብኣይተ ብርሃነ ሓጎስ ኣረጋዊ ዝተኸፈተ ናይ ንግዲ ባንክ ሒሳብ ብዝከኣለና መጠን ሓገዝን ቅልጡፍ ርብርብ ብምግባር ህይወት ሓውና ነድሕን ኢልና ንምሕጸን ኣለና። ባንክ፦ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ (Commercial Bank of Ethiopia) በዓልዋና ሒሳብ፦ ኣይተ ብርሃነ ሓጎስ ኣረጋዊ (ወላዲ) ቁጽሪ ሒሳብ፦ 1000548113265 ቁፅሪ ስልኪ ተወልደ፦ 0942270659 (ደዊልካ ንኢፍሬም ወይ ንወላዲኡ ኣይተ ብርሃነ ሓጎስ ምርካብ ይከኣል)። ደቂ ትግራይ ፈተውቲ ፅቡቅን ኩልኩም ንመንእሰይ ተወልደ ብርሃነ እንድግፈሉ እዋኑ ሕዚ እዩ። ህይወት ሓውና ንምድሓን ንረባረብ፤ ናይ ሓገዝ ዓብዩን ኑኡሽተይን የለን እሞ ነፍሲ ወከፍና ብዘለና ዓቕሚ ንሕግዞ! ዝዓበየ ደገፍ ድማ ሰብ ብህይወት እንተሎ ኣብ ጸበባኡ ምድጋፍ እዩ። ፈጣሪ ሰሰናዩ ኩሉ ይሃቡክም!ካብ ሃንደበታዊ ሓደጋ ይከልልኩም! share እውን ሓገዝ እዩ!Share ንግበሮ!
Bilu
Region: ET
Sunday 08 November 2026 10:13:51 GMT
Music
Download
Comments
agame.fekar :
fetare mehret yewredelu zehawey 🙏🙏🙏
2026-11-08 10:17:44
0
Goytom TDF💊🔰(19)🙏 :
ኣሕሕ ፈጣሪ ምሕረት የውርደልካ እስኪ ተዌ ሓወይ🙏
2026-11-08 10:51:01
0
mareg :
Aemilk yehagez zahawey 🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-11-08 10:42:22
0
Mekseb King TDF444🦋🔰 :
ኣሕሕሕሕ እዋይ ወድነይ ፈጣሪ ኣስኪ ምሳካ ይኩን ?? እና ብዘለና ንሓግዞ ዋላ ሓንቲ ቅርሺ ንዑዑ ሓገዝ እያ ሞ በጃኩም ንሓግዞ 🙏
2026-11-08 10:24:13
0
Haymi :
🙏🙏🙏
2026-11-08 10:50:36
0
xo@👑💪⚔️⚔️ :
😣😣😣
2026-11-08 10:22:11
0
ⓢⓔⓛⓤ :
😔😔
2026-11-08 10:18:38
0
Filimon21 :
😔😔
2026-11-08 10:54:36
0
To see more videos from user @blenyisak19, please go to the Tikwm
homepage.