@stearnsyboi:

stearnsyboi
stearnsyboi
Open In TikTok:
Region: US
Sunday 08 November 2026 15:35:50 GMT
468
42
0
0

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @stearnsyboi, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

#ዛንታ_ሰላም  Part-1 ናይ ብርዒ ስመይ ሰላም ይብሃል። ኣብ ኤረትራ ዞባ ጋሽ-ባርካ መን ኢኻ ትብልዎ ዓዲ እየ ተወሊደ ዓብየ። ኣብ መፋርቅ 2022 ኢና ባባ ካብ ሃገረ እስራኤል ናብ ሃገረ ካናዳ ብምኻድ ኣብታ ሃገር ድሕሪ ናይ 8ተ 9ተ ዓመት ምቅማጥ፣ ስድራይ ከምጽእ ኢሉ ሕቶ?.. ምሰቅረበ ንስድሩኡ ናብታ ዘለዋ ሃገር ንምምጻዕ ዕድል ረኺቡ ኣነ ምስ 4ተ ይሕዋተይ ማማ ሓምሸይትና ንስደት ናብ ሃገረ ሱዳን መጺና። ዕግርግር ናይ ሱዳን ምዓስ ከም ዝነበረ እኮ ብርግጽ ሕጂ ኣይዝክሮን እየ.! ግን ኣብቲ ሽዑ ግዜ እቲ ህሞት ኣዝዩ ከቢድ ስለ ዝነበረ። “ኩሉ ተጠማጢ ሱዳን ድማ ብፍርሒ ዓቅሉ ጸቢብዎ  ገሊኡ ን ጁባን ካምፓላን፣ ገሊኡ ን ግብጽን ኬንያን ስለ ዘብል ዝነበረ። ንሕና ድማ ምስ ስድራና ኢና ካብ ሃገረ ሱዳን ወጺኢና ናብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ገጽና ክንከይድ ዝወሰንና ። እቲ ጉዕዞ ፈታኒ ከም ዝነበረ እሞ ካኣ ንኣሽቱ  ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ሒዝካ ኣዝዩ ከቢድ ሙኻኑ ንስኹም'ውን ትስሕትዎ ኣይብልን እየ። ኮይኑ ግን ሳምሳሪና ኣዝዩ ንፉዕ ስለ ዝነበረ ባባ ካኣ ንስለ ደቀይ ክብል ዘይከፍሎ መስዋእቲ የለን ዝበልካኒ ገንዘብ ክኸፍለካ እየ። “ሓደራኻ ነዞም ስድራይ ብሰላም ከም ዛኣትዉ ግበር ኢሉ ዓቢ ለበዋ ኣማሓላሊፍሉ ስለ ዝነበረ ነቲ ሳምሳሪ፣ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ መንፍዓት ናይቲ ሳምሳሪ ትሓዊስዎ ነቲ ኩሉ ፈታኒ ህሞት ሓሊፍና ናብ ርእሰ-ከተማ ሃገረ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ኣተና። ኣቀዲመ ዘየላለኩኹም ካኣ ኣብ ሱዳን እንከለና ኣብተን ውሑዳት ዓመታት ሳሚኤል ዝብሃል ምሓዛ ኔሩኒ። ምሕዝነትና መስመር ምሕዝነት ዝጣሓሰ.፧ ምስ ሳሚ  ኣብተን ስሕት ኢልና ብ ሓንሳብ ክንዛወር ናብቲ ኣብቲ ከባቢና ዝነበረ መዘናጊዒታት ክንወጽእ እንከለና። ብሓንሳብ ንዝራኣዩና ሰባት ፍቁራት እምበር ሙሓዙት ኣይንመስሎምን ኢና ዝነበርና። እንተኾነ ግን ዝምድና ናተይን ናይ ሳምን ካባና ሓሊፉ ካልእ ሰብ ሓቀኛ ዝምድናና ዝፈልጥ ኣይነበረን። ኣብ ካርቱም ከለና'ውን ወላ ዳኣ ኣዚና እንፋቶ ምሓዙት ንንበር እምበር ብዙሕ ኣይንራኸብን ኢና ዝነበርና። ኣብ ስደት ምፍልላይ ዝብልዎ ነገር ክሳብ ዝሃለወ.!  ድማ ንሕና ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጻና ሳሚ ወላ ዳኣኮ ን ኣዲስ ክመጽእ ብውሽጠይ ዝምነዮ እንተ ነበረ፣ “ንሱ ግን ምስቲ ሓዊ ይኹን ሓፍቲ ቅድሚኡ ንስደት ዝወጸ ዘይምንባሩ እተን ን ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ዝኽፈላ ጥረ ገንዘብ ን ልብያ ዘይከደለን ብምባል እዩ ን ልብያ ዝኸደ። ምፍልላይ ግን ን ኣካላትና ጥራይ እዩ ፈላልይዎ እምበር... ነቲ ኣብ ልብና ዝነበረ ሰንሰለት ምሕዝነት ክፈላልዮ ኣይካኣለን። ኣዚና እንፋቶ ምሓዙት ስለ ዝነበርና ካኣ ርክብና ካብቲ ብሓንሳብ ዝነበርናዮ ምስ ተፈላለና ኣዝዩ ዝምቅር ኮነ። ብ online ድማ ርክብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፣ ካብ ሰዓት ናብ ሳዓት፣ ካብ ደቂቅ ናብ ደቂቅ፣ እንዳ መቀረ ከደ። “ልብታት ክልቴና ድማ ክንዮ ጠመተ ዓይኒ ምሕዝነት ብናይ ፍቅሪ ማይክሮስኮብ ነቲ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ስሚዒት ርእየን ነንባዕለን ተጣመራ። ጥምረተን ምእንቲ ካብ ዘለዎ ክጸንዕ ድማ ካብ ይእምሮና ዝነቀለ ሓሳብ የፍቅረካ'የ፣ የፍቅረኪ'የ። ዝብል ብልሳንና ተሰንዩ ባኣፍና ንዝወጽእ ጥዑም ቅኒት ድምጺ ክሰምዓ ሃረር ኢለን ይጽበያ ነበራ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ሳሚ ግዜን ስዓትንን ፈሊና ምስ ተራኸብና። ኩሉ እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎን ኣብ ልዕለይ ዝነበሮ ስሚዒት እንታይ ምኻኑን ድሕሪ ምንጋሩ። ሕቶ ፍቅሩ ኣቅረበለይ? ከምዚ ድማ በለኒ.... #ሳሚ ፦ ሰላመይ.... ኣብዚ ብሓባር ዝሰጎምናዮ ነዊሕ ጉዕዞ፡ ንስኺ ጎኒ ጎነይ እትጓዓዝ መዕረፊተይ ጥራይ ዘይኮንኪ፡ እታ መገዲ ባዕላ ንዓኺ ንስኺ ኢኺ። ንልበይ ብስም 'ምሕዝነት' ኣደሊለ ክሓብኦ ብዙሕ ፈቲነ፤ ግና ፍቕርኺ ካብ ሕጊ ቃላት ወጻኢ ኮይኑ ካብ ጽላል ምሕዝነት ንላዕሊ፣ ትንፋሰይ ኮይኑ ሱር ሰዲዱ ኣሎ'ሞ። ንስኺ ብስምኪ ጥራይ ዘይኮነ ብህላወኺ  ንህይወተይ ናይ ሓቂ 'ሰላም' ዝኾንኪ ብልጽቲ ፍጥረት ኢኺ። “ስለዚ ሎሚ ካብቲ ኣብ ጎደናታት ከም ምሓዙት እንስጉሞ ስጉምቲ ወጺእና፣ ንፍቅርኺ ኣብ ልበይ ኣእትየ ንነፍስና ሓባራዊ መንበሪ ክንሰርሓላ እሓተኪ ኣለኹ። እዚ ሕቶይ ንምሕዝነትና መዕጸዊ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ነቲ ኣባና ተሓቢኡ ዝነበረ ናይ ሓቂ ፍቕሪ መበገሲ ክንህቦ ምሉእ ህይወተይ ድማ ብዓይኒ ፍቕሪ ክትመርሕዮ ዝቐርብ ዘሎ ናይ ልቢይ ጻውዒት’ዩ። ፍቕረይ፣ መዋእለይ ንምዃን ፍቓደኛ ዲኺ?።  ምስ በለኒ ኣነ ድማ ትቅብል ኣቢለ ነገር ጋለንስተይቲ ኮይኒ ሕፍርፍር እንዳ በልኪ ከምዚ ክብል መለስክሉ። #ሰላም ፦ ሳመይ...እዚ ሕጂ ዘስመዕካኒ ቃላት ንልበይ ሓድሽ ሕቶ ኣይኮነን፤ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጸጥታ ኮይነ ካባኻ ክሰምዖ ዝምነዮን ዝጽበዮን ዝነበርኩ ናይ ጸሎተይ መልሲ እዩ። ኣብቲ ብሓባር ዝሓለፍናዮ ኩሉ መዓልታት፡ ኣነ’ውን ልበይ ንፍቅርኻ  ኣብ ውሽጣ ዝዓሞቐ ቦታ ሂባቶ ከም ዝነበረት ንነብሰይ ክሓብኣላ ጸኒሐ እየ—ምኽንያቱ ምሕዝነትና  ከይብተኽ ስለ ዝፈራሕኹ። ሎሚ ግን ነቲ ኣነ ብስቕታ ዘዕበኽዎ ስምዒት፡ ንስኻ ብድፍረት ቃላት ኣውጺኻዮ ኣለኻ'ሞ።  ሳሚተይ ንስኻ ንዓይ መሓዛይ ጥራይ ዘይኮንካ፣ ልዕሊ ማንም ዘፍቅረካ ሰብ ውን ኢኻ። ሕጂ ድማ  ብ ምሉእ ልበይን ህይወተይን ምሳኻ ክስጉም ድልውቲ'የ። ስመይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመላእ ዕድሜኻ እታ ናይ ሓቂ 'ሰላምካ' ክኾነልካ ብምሉእ ልበይ ንሕቶ ፍቅርኻ ተቐቢለካ ኣለኹ።  በልክዎ!» ካብታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ፍቅሪ ክልቴና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከም ዓጋቲ ዘይብሉ ጋሻ ውሕጅ ብናህሪ ክውንጨፍ ጀመረ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣብ ነንበይኑ ሃገር እንዳ ነበርካ ተስተማቅሮ ፍቅሪ ካኣ። “ነፍሳትና መቀረት ምስትምቃር ፍቅሪ ማዕዶ ማዕዶ ኣጽሊኢወን.! ነቲ ውዑይን ምቁርን ፍቅሪ ባኣካል ተራኺበን ከስተማቅሮኦ ደለያ። “ብፍላይ ኣነ ንሳመይ ናብቲ ዘለዎ ሃገር ማለት ናብ ሃገረ ልብያ ንኽመጽእ ብብዝሒ ይልምኖ ነበርኩ። ሳመይ ግን ነፍሲ-ወከፍ ናብቲ ሃገር ክመጽእ ንዘላዓዕለሉ ዝነበርኩ ሕቶ.? ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ እንዳ ኣልዓለ ይነጽጎ ነበረ። ንዳሓር ግን ኣነ ፍቅሪ ሳሚ ኣዝዩ ስለ ዝበርታዓኒ ናብቲ ንሱ ዘለዎ ሃገር ክኸይድ ወሰንኩ። እዚ ሎሚ ክዝክሮ ከለኹ ብጣዕሳ ገመድ ክሰቅል ዝደፋፋኣኒ ዘሎ ነገር  “እታ ናብ ሳሚ ክመጽእ ኢለ ዝተበገስክሉ ግዜ ፕሮሰስ ናብ ሃገረ ካናዳ ናብቲ ባባ ዝነበሮ ምስ ስድራና ወረቃቅቲ ይእቲና ኩሉ ነገር ወዲኢና ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ እየ ፕሮስሰይ ገዲፈ ነዚ ጠላም ሳሚ ክብል ን ልብያ ክኸይድ ዝወሰንኩ ግዜ እዩ ዝነበረ።😔🥹»»»»»» #ይቅጽል_part_2 #ንዝኾነ ሪኢቶኹም ይኹን ሓሳባትኩም ብህድኣት ዝቅበል ሰብ እየ'ሞ ሪኢቶኹም ኣብ ቦታ  ኣስፍሩ ኢኹም። እቶም ትቀጽል ትብሉ ሰባት ድማ 111 ጽሓፉ ክንቅጽላ።  08/11/2026

About