@m916459: ንኪድ ክብለካ'🤴🤌🫶 ************* ኣብቲ ፍርቂ ለይቲ : ኣጋ ናይ ወጋሕታ በረከት ክንቅበል : ናብ ቤት ልዑል ጎይታ ደስ ክብለና : ልቢና ክሕጎስ ንኪድ ክብለካ'የ : ህይወትና ክትቅደስ ቀልጥፍና ክንትስእ : ቀልጥፍና ንደቅስ ድቃስ ከይጸቕጠና : ምስ ሰብና ክንግስጊስ ውግንግን ኣቢለ : ናይ ገዛ ትሙስሙስ ንኪድ ክብለካ'የ : በረከት ክንሓፍስ ኣሰር ወለድና : ቅንጣብ ከየጉደልና ክንክተሎ ኢና : ሓደ ልቢ ኮይና ብነብስና ክንብርትዕ : ክንስዕሮ ድኻምና ንኪድ ክብለካ'የ : ናብ ቤት ልዑል ኣምላኽና ብጾምን ጸሎትን : ከይንሰንፍ ክንብርትዕ ብትግሃት ልቢና : ቃለ እግዝኣብሔር ክንሰምዕ ካብቲ ሓያል ድቃስ : ሳዓት ምስ ኣኸለ ክንቕንቐካ'የ : ኣቐድም ኣቢለ መታን ከይንሰንፍ : ከይንወድቕ ብፈተና ካብ ድቃስ ነቕሕና : ክንትስእ ገስጊስና ኣሰሮም ተኸቲልና : ኣሰር ወለድና ንኪድ ክብለካ'የ : ክንስዕም ከም ሰብና ብጾምን ጸሎትን : ክንረክብ ድልየትና ኣብ ቤት ልዑል ኣምላኽና : ክንጽሊ ተንበርክኽና ጸሎትና ክስማዕ : ክሰምር ባህግና ንኪድ ክብለካ'የ : ክንከይድ ሓቢርና ብእምነትና ክንጥንክር : ዝያዳ ክነፍዕ ብጾምን ጸሎትን : ከይደኸምና ክንብርትዕ እዝኒና ኩሉ ሻዕ : ቃል ኣምላኽ ክትሰምዕ ንኪድ ክብለካ'የ : ናብ ጽድቂ ክንበቅዕ ሰናይ ወጋሕታ ፍቱዋተይ ✝️🤌🏾☺️
M⃠ዕያል ፈቃር ።❤️💫
Region: SA
Monday 09 November 2026 00:09:03 GMT
Music
Download
Comments
There are no more comments for this video.
To see more videos from user @m916459, please go to the Tikwm
homepage.