@kidanzelalem: ዝዓቐብካዮ ገንዘብ ኣብ ግዜ መከራ ከም ዜናግፈካ፥ ዝሃነጽካዮ በይናዊ ምልምማድ ድማ ካብ ጥልመት ሰባት ንምድሓን ዓቢ ዋልታ እዩ! (ብሰረት) ገለ ሰባት ምሳኻ ጸኒሖም ሃንደበት ሕቘኦም ሂቦሙኻ፥ ናይ ቃንዛ ትዝታ ሓዲጎሙልካ ዝኸዱ እዮም። ስለዚ ንነብስኻ ካብቲ ዝመጽእ ቃንዛ ንምድሓን በይና ኣላምዳ! ሓያል ሰብ ሓይሉ ኣብ ፈተና እዩ ዝምዘን። ብዙሕ ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ከባቢ፥ ድምጺ ናይቲ ሓደ በይናዊ ሓሳብ ንምስምዑ ኣዝዩ ከቢድ እዩ። እቲ ህሞት ብድምጺ መቓልሕ ናይቶም ብዙሓት ስለዝዕብለል፥ ድምጺ ናይቲ ሓደ ክስማዕ ኣሸጋሪ ይኸውን። ንነብስኻ ኣብ ማእከል ብዙሓት ጥራይ ክትነብር ምግባር እውን፥ ድምጺ ውሽጥኻ ከይትፈልጥ፡ ዓቕምኻ ከይተለሊ ስለዝገብር፥ ነቲ በይናዊ ህይወትካ ብግቡእ ከይትሃንጾ ይጋርዶ እዩ። ብዙሕ ግዜ ቃንዛ ዝብእሰካ፥ እቲ ዘይተጸበኻዮ ከቢድ ኲነት ካብቲ ዘይተጸበኻዮ ናይ ቀረባ ሰብ ክኸውን ከሎ እዩ። ዋንነት ኣንቢርካ "ናተይ እዩ" ዝብል መረዳእታ አሓይልካ ስለ እትጸንሕ፥ ዘይናቱ ምዃንካ ክነግረካ ከሎ እቲ ቃንዛ ይዓዝዝ፡ ትዝታ ሕማሙ ድማ ይብእስ። በይንኻ ምንባር ተላሚድካ እንተ ትኸውን ግና፥ ንኸምዚ ዓይነት ከቢድ ቃንዛ ፍጹም ኣይምተዳረግካን። ናይ ገለ ሰባት ባህሪ ቌዋሚ መንበር ስለዘይብሉ፥ ልብኻን ውሽጥኻን ምሕላው ኣገዳሲ እዩ። በይንኻ ምንባር እኳ ብዙሕ ናይ ባዕሉ ብድሆታት እንተለዎ፥ ምስ ሰብ ኰይንካ ብጥልመት ካብ እትቘንዞ ግና፥ በይንኻ ኰንካ ብድሆታትካ ምስዓር ኣዝዩ ይበልጽ! ስለዚ በይናዊ ግዜ ክህልወካ ንነብስኻ ግዜን ቦታን ሂብካ ምስኣ ዓሚቝ ዕርክነት ምግባር ክልመድ ዘለዎ ኣድላዪ ባህሪ እዩ። ዝዓቐብካዮ ገንዘብ ኣብ ግዜ መከራ ወይ ኣብቲ እትደልየሉ እዋን ከም ዝሓግዘካ ኵሉ፥ ዝሃነጽካዮ በይናዊ ምልምማድ ድማ ካብቶም ብጥልመትን ርሕቀትን ሰባት ክመጹኻ ካብ ዝኽእሉ ጸቕጥታትን ስብራትን ኣብ ምክልኻል ንጡፍ ተራ ክጻወት ይኽእል እዩ። ስለዚ በይንኻ ፈትን... በይንኻ ንበይንኻ ከኣል! እዚ ኣቀራርባ እዚ፥ ነቲ ኣብ ማእከል መንገዲ ራሕሪሖሙኻ ክኸዱ ከለዉ ዝመጽእ ቃንዛ ብጽኑዕ ዝከላኸለልካ እዩ'ሞ። በይንኻ ፈትን! -ዘፍጥረት #ሰረት #kidanzelam #ትምህርቲ_ህይወት #ማእከላዊ_ኣቕዋም #ርእሰ_ጽንዓት

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Tuesday 10 November 2026 06:51:23 GMT
15979
771
22
66

Music

Download

Comments

no.one.here759
No One Here 🤐 :
ብዙሕ ጊዜ ሰባት ናትካ ዓቅሚ ፈሊጦም ኣፍቲ ንሶም ዘለዉዎ ቦታ ክገብሩካ ይፍትኑ አነ ብዙሕ ግዜ ፈቲነ ንከይስዕሩኒ ብሕጂ እዉ ይጉዓዝ አለኩ ካብዛ ፅሑፍ ግን ብዙሕ ተረዲአ am not give up 👊
2026-11-24 18:24:08
1
user43960986831233
ሮባ ንሕልመይ እየ ዝነብር :
ኣብ ዝደልያ ሰዓት ረኺበያ ኣነ ኣለኹ በዚ ዝሳቀ ሰብ ኣየድልን ብፍላይ ክብርኻ ዘይሕሉ ተኾይኑ ካብ ሂወትና ክነውፅኦ ይግበኣና ዝንዕንቀካ ሰብ ኣብ ፀገምካ እውን ምሳኻ ኣይኸውንን እዮ🥰🥰🥰🥰🥰🥰🙏🙏🙏 በይንኻ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ 🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-11-15 17:18:59
1
user652606074784
Merhawit Abrham :
nay bhaki
2026-11-10 09:12:29
1
harnet05
Harnet :
exactly 👌✌️👐
2026-11-15 17:00:43
1
semhar216
❤️🇪🇷❤️Essueliela :
[Red heart][Red heart]
2026-11-11 07:45:46
1
0914531182.2
ኪዳነ :
2026-11-10 08:00:22
1
flimon.kibrom
Flimon Kibrom💙🇬🇧 :
🥰🥰🥰
2026-11-10 07:34:51
1
yowuhanes.estifan
Yowuhanes Estifanos :
2026-11-10 13:53:37
1
h.h.h274
"Hani,,./♥️☦️🇪🇷.. :
Yes ma bro😘🥰
2026-11-10 10:54:31
2
gedar9126
Gedar :
https://static.klipy.com/ii/d7aec6f6f171607374b2065c836f92f4/3e/a9/FYT1Wmg6.gif
2026-11-10 21:40:28
1
kiray3295
Kira /ወዲ ትዃቦ/ :
ብሓቂ አምነትካ ኣብ ፈጣሪ ጥራሕ ይኹን ።
2026-11-10 14:45:23
1
arsenalbarcelona10
Leo Messi 🔟 :
🥰🥰🥰
2026-11-11 19:05:00
1
gotom.tee
ምንባር💪 :
❤️❤️❤️❤️💪💪💪💪💪
2026-11-13 06:08:46
1
havenheri
dinuheri :
🥰🥰🥰🥰🥰
2026-11-11 10:06:24
1
.709540
ስሱ ጓል ሽረ :
❤️
2026-11-10 23:07:54
1
habsha_orthodox
Peace :
😘😘😘
2026-11-11 01:46:35
1
gzachew.teare
Gzachew Teare :
🥰🥰🥰🥰👌👌👍
2026-11-10 07:59:42
1
lingolingo730
🙏የፀለይከውን ስታገኝ ፈጣሪህን ኣትርሳ🙏 :
🥰🥰🥰
2026-11-10 07:06:55
1
mestdemem
ቃልስና ራህዋ ወሎደታት። :
❤️❤️❤️❤️❤️🥰🥰🥰❤️❤️
2026-11-10 09:37:38
1
abduhkliy58
Hamed :
[Herzerwärmend][Herzerwärmend][Herzerwärmend]
2026-11-13 14:28:03
1
etalialeif2
🔒🔒🔒 :
👌👌👌👌👌👌👌
2026-11-15 08:30:15
1
tafach.128ve980
TAFACH♥️🌹🇪🇷 :
❤️❤️❤️💯
2026-11-16 16:46:15
0
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About