@user7287307811347: ተስፋ ኣይትቁረጽ ~~~ ኣብዚ ዓለም ሓደ ማዕጾ ክዕጸወካ እንከሎ፡ ካልእ ማዕጾ ድማ ይኽፈተልካ ስለዝኾነ መፍትሒ ንምርካብ ደኣ ምስ ሽግራትካ ተቃለስ እምበር ኢድካ ኣይትሃብ ምክንያቱ፡ ዓወት ናይ ዝቃለሱ እምበር ኢዶም ናይ ዝኃቡ ኣይኮነትን፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ንሕይወት ተስፋ ክትስእነላ ትኽእል ኢኻ፡ ግን ከኣ ዓለም ከምኡ እያ፡ ወዲ ሰብ ድማ እናተፈተነ፡ እናወደቀ እናተንስአ እዩ ዝነብር፡ ኣብ ሕይወት ብርግጽ ክትፈልጦ ዝግባእ ሓደ ነገር ኣሎ ንሱ ድማ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ኩሉ ሽግራትካ እዩ። ሎሚ ጽባሕ ኣይኮነትን፡ እሞ ብሎሚ ንጽባሕ ተስፋኻ ኣይተጸልምት፡ ጽሓይ እዃ ሎሚ ብረስኒ ክትልብልበካ፡ ከም ዘይወዓለት፡ ጽባሕ ግና ወቅቲ ተቀይሩ፡ ደመናን ግመን ጋሪድዋ ከይተረኣይትኻ ትውዕለሉ ጊዜ ኣሎ። ፈተና ልክዕ ከም ውሕጅ እዩ ንዝህወኽ ይወስዶ ንዝዕገስ ድማ ይሓልፎ፡ ስለዚ ኣጆኻ ቀጥ በል፡ ሎሚ ሽግራት ከቢቦም እንተ እጨነቁኻ፡ ተንሥእ ኢድኻ ናብ ኣምላኽ ኣልዕል እምበር እትገብሮ ኣይጥፋእካ፡፡ ሓደ ሓደ ጊዜ ዘይትጽበዮ ነገራት ካብ ሰባት ክገጥመካ ይኽእል እዩ፡ ክጥለም ትኽእል ኢኻ፡ ብዙሓት ዓበይት ሰባት ካብ ክብሮም ወሪዶም ኣብ ክፋእ ተዋፊሮም ክትርኢ ትኽእል ኢኻ፡ ፍትሒ ብስልጣንን ብገንዘብን፡ ክትጠፍእ ቅኑዓት ድማ ስሞም ኪጽልም፡ ድኻታት ክብደሉ ክትሪእን ኪትሰምዕን፡ ትኽእል ኢኻ ግና ኣይግረምካ፡ ዓመጽ እቶም ሰብ ጊዜ፡ ባዕሉ ጊዜ ክስዕሮ እዩ። ከምቲ ለይቲ ኣብ ምውግሑ ዝያዳ ዝጽልምት፡ መሰናኽላት ሕይወት ውን ኣብ ኣጋ ምዕዋትካ’ዮም ዝኸብዱኻ፡፡ ስለዚ ሎሚ ኣጸቢቁ እንተ ጸልመተካ፡ ናይ ጸገማትካ ሽግር ኣብ ምፍጻሙ እዩ’ሞ ተስፋ ኣይትቁረጽ። ተስፋ ኣብ ትቆርጸሉ ጊዜ ብዝተኻእለካ መጠን ነዘን ዝስዕባ ክትፍጽመን ጸዓር፥ * ንጸሎት ተንሥእ፡ * ካብ ካልኦት ሓገዝ ሕተት፡ * በይንካ ኣይትኩን፡ * ሓይሊ ካብ ዝወስዱልካ ነገራት ረሓቅ፡ * ቅኑዕ ምህላውካ ርግጸኛ ኩን፡ ሓወይ መፍትሕ ኩሉ ጸገማትን ፡ ሓይሊ ናይ ኩሉ ዓወታትን ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር እዩ እሞ ኣምላክ ሓይሊ ምእንቲ ክህበና ኣብኡ ክንውከል ይግባእ ኣሜን ! https://t.me/wengiel81
ራኪ ዕባይ ሃገረሰብ💥💝🌺
Region: SA
Thursday 12 November 2026 11:10:41 GMT
Music
Download
Comments
ያልተፈታ ህልም :
የኔ መልካም🥰❤👌
2026-11-12 16:33:05
0
H⃠𝐇𝐞𝐫𝐢 𝐇𝐞𝐫𝐢 :
ያ ራኪተይ
2026-11-12 12:16:24
0
ያልተፈታ ህልም :
እምወድሽ💝💝💝👸
2026-11-12 16:33:13
0
brezf👸✌️ :
👏👏👏
2026-11-12 12:00:15
0
H⃠𝐇𝐞𝐫𝐢 𝐇𝐞𝐫𝐢 :
🥰🥰🥰
2026-11-12 12:16:03
0
To see more videos from user @user7287307811347, please go to the Tikwm
homepage.