@rosalwrie4c: #maskerduckbill #masker #maskermurah #maskerviral #maskerwajah

Rosalia
Rosalia
Open In TikTok:
Region: ID
Sunday 15 November 2026 08:19:59 GMT
319
0
0
0

Music

Download

Comments

There are no more comments for this video.
To see more videos from user @rosalwrie4c, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

ንድሕሪት ዝጐትተካ—ንቓንዛ፡ ንጣዕሳ፡ ንጥልመት፡ ንጭንቀት፡ ንዝኽሪ ሕሉፍን ነቶም ዝጐድኡኻ ሰባትን ኢድካ ምሃብዶ፧ ወይስ ንኣእምሮኻ ሰላም ሂብካ ብሓድሽ ተስፋ ምጕዓዝ፧ እዘን ክልተ ምርጫታት እዚኣን ናይ ምውዳቕካን ምትንሳእካን ወሰንቲ ተራ ስለዘለወን ኣስተውዕለለን፤ እቲ ዝሓሸን ዝጠቕመካን ምርጫ ኸኣ ሕረ! ርግጽ እዩ፥ ማዕዳ ንመዓዲ ቀሊል እዩ፤ ንቍስሊ ቍስሊ ሒዝካ ምብዳህ ግን ካልእ እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ እቲ ምኽሪ ግን ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ
ንድሕሪት ዝጐትተካ—ንቓንዛ፡ ንጣዕሳ፡ ንጥልመት፡ ንጭንቀት፡ ንዝኽሪ ሕሉፍን ነቶም ዝጐድኡኻ ሰባትን ኢድካ ምሃብዶ፧ ወይስ ንኣእምሮኻ ሰላም ሂብካ ብሓድሽ ተስፋ ምጕዓዝ፧ እዘን ክልተ ምርጫታት እዚኣን ናይ ምውዳቕካን ምትንሳእካን ወሰንቲ ተራ ስለዘለወን ኣስተውዕለለን፤ እቲ ዝሓሸን ዝጠቕመካን ምርጫ ኸኣ ሕረ! ርግጽ እዩ፥ ማዕዳ ንመዓዲ ቀሊል እዩ፤ ንቍስሊ ቍስሊ ሒዝካ ምብዳህ ግን ካልእ እዩ። እንተዀነ ግን፡ እቲ ፍልልይ ኣብ ቦታኡ ኰይኑ እቲ ምኽሪ ግን ኣገዳሲ እዩ፤ ምኽንያቱ "ክልተ ግዜ ሙማትዶ ወይስ ሓደ ቃንዛ ስዒርካ ጥዑይ ህይወት ምንባር፧" ዝብል ወሳኒ ሕቶ ንወሳኒ ሕርያ ምሕታት ስለ ዝግባእ! ምዂርማይ እቲ ዝኸፍአ ስዕረት እዩ። ንቓንዛኻ እንተ ተዀርሚኻሉ፡ ንጥልመት ኢድካ እንተ ሂብካሉ ጸላኢ ተዓዊቱልካ ኣሎ። ኣብ ቅልስ ቃንዛ ኣሎ፤ ምቁር ቃልሲ ዝበሃል የለን። እቲ ፍልልይ ንትንሳኤዶ ንውድቀት ትቃለስ ዝብል እዩ! ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ ብዝተፈላለየ ጸገማትን ማሕለኻታትን ተፈቲንካ ኣለኻ፤ ህይወት ኵልና ስለዝዀነ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እቲ ቍምነገር ግን "ክንደይ ግዜ ንምትንሳእ ጽዒርካ፡ ክንደይ ግዜ ኸ ተበግሶ ኣርኢኻ፧" ዝብል እዩ። ካብ ዘይርጉእ ከባቢ፡ ካብ ምረት ዘለዎ ጉዕዞ፡ ካብ ስቕያት ዘለዎ ህይወት፡ ካብ ጥልመት ዝበዝሖ ምሕዝነት፡ ካብ ዘጣዕሱኻ ውሳኔታትን ካብ ሕማቕ ዝኽሪ ዘለዎ ሕሉፍን መጺእኻ ዘይምቕንዛው ኣይከኣልን እዩ። ኢድካ ዘይምሃብ ግን ይከኣል እዩ፤ ምኽንያቱ ስለ እትኽእል! ትኽእል ኢኻ ትኽእል... ትኽእል እወ ክትሳገር! ትኽእል ኢኻ ክትሓልፎ ነቲ መስገደል! ትኽእል ኢኻ ትኽእል... ክትበጽሖ ነቲ ሕንጹጽ ዓወት! ትኽእል ኢኻ እንተ ተበጊስካ፡ ትኽእል እወ እንተ መኪትካ! ከመይ ዘይትኽእል—ከም እትኽእል ኣመስኪርካ እንዲኻ ትማሊ! ከመይ ዘይትጭብጦ ንናይ ትንሳኤኻ ሕልሚ፡ ክትቅይሮ ነቲ ዘይምቹእነት... ንስኻ እንዲኻ ናይ ህላዌኻ ድሕነት! ጥራይ ተበገስ ኣይትዀርመ ኣጆኻ፣ ኣይትጨበጥ ረስዓዮ ነቲ ናይ ትማሊ ዝኽሪ... ትንሳኤኻ ይኹን ንትማሊኡ ዘዐሪ! -ዘፍጥረት #ትምህርቲ_ህይወት #ተስፋ #ኮፒሊንክ #ኣይትረስዑ

About