@abibas.dostoevsky: "እተን ተንብበን መጻሕፍቲ እንታይ እንታይ'የን ወይ ንገረና..!" ዝብሉ ሕቶታት ሳሕቲ ይመጹኒ'ዮም...! ዘንብበን ዘይኮንኩን ምስ ጽሓፍቲ ዘንብበን መጻሕፍቲ ከላልየኩም...! ዶስቶቭይስኪ... ዉሽጣዊ ምስጢራትና ጓሕጊሑ ከረድኣኩም ዝኽእል፣ እቲ እትሓስብዎ ንኽትገልጽዎ ዝኸብደኩም ምስጢረ ህይወት ሓንቲ ከየትረፈ ክገልጸልኩም ዝኽእል፣ ኣነ ቀዳማይን ልዕሊ ማንምን ዝሰርዖ...! ማሕሙድ ዳርዊሽ... ብዛዕባ ፍቕርን ጥልመትን፣ ስደትን ከርተትን፣ ፍቕሪ ሃገርን ሄዋንን ክገልጸልኩም ንእትደልዩ...! ካፍካ... ብሕታዉነት ዝምችኦ ነቲ ሰብ ካብ ሰብ ክንጽሎ ንዝኽእል ነገራት ብቀንዱ ድማ ኣብታ "እቲ ተቕያያሪ" ዝሰመያ መጽሓፉ ብዘቕረቦ 'ሳምሳ' ዝሰመዮ ጠባይ ምስጢር ፈተዉትኻ ተመሲሎም ኣብ ከባቢኻ ንዝዝንብዩ ሰባት ብቐንዱ ስድራቤትካ ክገልጸልካ ይኽእልዩ...! ካሙ... ካብ ኣምሰሉነት ክትወጹን ቱርጉም ኣልቦነት ህይወት ብደቂቁ ክትፈልጡን ምስ እትደልዩ መጻሕፍቱ ንበብዎ፣ ካብ ኣምሰሉነት ሕብረተሰብና (ወላ'ኳ ሙእ ብምሉእ ተዘይበልኩ ዝበዝሐ ሚእታዊት) ክናገፍ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ግደ ካብ ዝተጻወቱ ሓደ'ዩ...! ኒቸ... ፍርሂ ካብ መዓናጡኹም ቦርቂቁ ከውጽእ ዝኽእል ድንቂ ፍላስፋ'ዩ... ብፍላይ ነዞም ምስ ሃይማኖታት ኣተሓሒዞም ብሓጥያትን ጽድቅን ክፈርዱኻን ከፈራርሁኻን ንዝህንደዱ መራሕቲ ሃይማኖታት ኢና ንዝብሉ ጽቡቅ ጌሩ'ዩ ዘኸሽሖም...! ቡድሃ... ናይ ብሓቂ ሰላም ተደሊኻ ምስጢር ህይወት ካብ ዝጸሓፉ መስራቲ እምነት ቡድሂዝም ዝኾነ ቡድሃ ብፍልስፍንኡ ስነ-ሓሳባቱን ክትዓግብ ኢኻ። ኣብ ህይወት ዘለካ ሕማቅ ኣረኣእያ'ዉን ብዝተኻእለካ መጠን ክትቅይሮ ክሕግዘካ ይኽእል'ዩ...! ሲዮራንን ሾፐንሃወርን... ናይዞም ክልተ ሰባት ተዘየንበብካዮ ይሕሸካ። ምኽንያቱ ብድሕሪኡ ህይወትካ ክትዓኑ ትኽእልያ። ሓደ ካብቲ ቀንዲ ድማ ተስፋ ዝብል ኣምር ኣይኣምንሉንዮም። ነቲ መብዛሕቲኦም ናይ ስነ-ልቦና ምሁራትተ ኢና ዝብሉ ጽሓፍቲ ዝጽሕፍዎ ኣጉልን ዘየለን ተስፋ ምሉእ ብምሉእ'ዮም ዘዕንዉዎ... ኣነ ብዘይ'ዚኦም ፍላስፋታት ሓቅነት ተስፋ ኣይምተረድኣንን፣ ንስኻን ንስኽን ግና ተስፋ ምስ ዝህልወካ ሓደራኻ ናይዚኦም ከይተንብቦ...!

ጣዕሳ الندم
ጣዕሳ الندم
Open In TikTok:
Region: EG
Monday 16 November 2026 19:04:40 GMT
883
56
6
2

Music

Download

Comments

titey_star0
መን ይፈልጠለይ ናይ መዓሙቅ ልበይ :
nayzi mexhaf siene aleku btigrigna ztetergome ente alyu ngeremi🙏
2026-11-16 20:01:50
1
s.g.i.n.t.i.r
༆𝐊𝐄𝐃𝐑𝐎𝐍🎭_🦅🥷♪ :
ካብ ናይ ዴካርት ፍስፍና ጽሓፈልና🫶🏾
2026-11-16 19:20:50
0
galgashfqar
🅖🅤🅝🅝🅔🅡🅢 :
Mahmed derwish 👑
2026-11-16 19:16:06
1
semu.2222
Simey🌸 :
ty💛
2026-11-16 21:29:46
0
To see more videos from user @abibas.dostoevsky, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About