@mougou.17:

mougou.17
mougou.17
Open In TikTok:
Region: TD
Tuesday 17 November 2026 14:07:48 GMT
179
32
5
0

Music

Download

Comments

youssouf.sinine.b
ina maga :
🥰🥰🥰
2026-11-17 15:45:19
0
buguen7
Sebedé :
🥰🥰🥰
2026-11-17 15:18:38
0
oumararim
com toroboro 77 :
✌✌✌
2026-11-17 15:14:34
0
wardakabara1
warda :
✌️✌️✌️
2026-11-17 15:02:40
0
nousradineabdoula
oscar onigue :
[Victoire][Victoire][Victoire]
2026-11-18 10:48:26
1
To see more videos from user @mougou.17, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos

⚠️ ዋጋ ከኽፍሉኻ ስለ ዝኽእሉ ካብ ኣፍካ ቅድሚ ምውጽኦም ክትጥንቀቐሎም ዘለካ 3 ነገራት፦ (ብሰረት) 1. ሓሪቕካ ከለኻ መልሲ ኣይትሃብ፦ ኣብ ሕርቃን ዕሽነት እምበር ልቦና የለን። ሕርቃን ኣንጻር ረብሓታትካ እውን ከይተረፈ ክትገብር ስለ ዝደፋፍኣካ፥ ሓሪቕካ ንዝዝረብ ዘረባ ተኣለየሉ ደኣ እምበር ኣይትገተረሉ። ብሓንቲ ቍልዒ ሓዊ ገዛ ምሉእ ከም ዝቃጸል፡ ብሓንቲ ዘይእርንብቲ ቃል ድማ ፈታዊኻ ክትከስር ስለ እትኽእል፥ ምስ ተሰብረ ዘይጽገን ከይዀነካ ኣብ ግዜ ሕርቃንካ ክትእለ ደኣ እምበር ተገቲርካ ክትመላለስ ኣይትፈትን! ኣብ ሕርቃን ዘሎ ሰብ ብመልሓሱ ደኣ እምበር ብልቡ ስለ ዘይምራሕ፥ እታ እንኮ ክትገብራ ዘለካ ምርሓቕን ንፋስ ምውሳድን እዩ። 2. ተሓጒስካ ከለኻ ቃል ኣይትእቶ፦ ሓጐስን ስኽራንን ክልቲኦም ሕደ እዮም። ንኽልቲኦም ርእሲ ዘሽከርክር ጌሶ ስለ ዘለዎም ብዙሕ መብጽዓታት እዮም ዝኣትዉ! እንተዀነ ግን፡ እቲ ጌሶ ድሕሪ ምንፋሱ ናብ ልቦናኦም ተመሊሶም ኦዲት ስለ ዝገብሩ፥ በቲ ዝበልዎ ቃል ካብ ምሽቍራር ሓሊፎም ከጨብጥዎ ዝኽእሉ ትሕዝቶ ስለ ዘይብሎም እንትርፎ ጣዕሳ ካልእ ኣብ ኢዶም ኣይረኽቡን እዮም። ስለዚ ኣብ ናይ ሓጐስ ስኽራን ከለኻ ኣፍካ ኣይትኽፈት! ቃል ክቡር እዩ—እንተ ኣቲኻዮ መውጽኢኡ ጸቢብ እዩ፡ እሱ እውን ብጣዕሳ ዝተኸበ እዩ። እትኣትዎ ቃል ሓሲብካ፡ እትገብሮ፡ እትኽእሎ፡ ዘሐጕሰካን ናይ ማለትካን ኰይኑ ደኣ እምበር፥ ሓጐስ ኣስኪሩካ ምስ ሰባት ማዕረ ንኽትከውን ኢልካ ኣይኰነን ክኸውን ዘለዎ። ሰብ ብዓቕሙን ከም ገዛኡን እምበር ከም ካልኦት ናይ ምዃን ግዴታ የብሉን፤ እንተዀነ ድማ ንለውጢ እምበር ንዕዳ ኣይኰነን ክኸውን ዝግብኦ! 3. ጕሂኻ ከለኻ ኣይትወስን፦ ኣብ ጓሂ ተስፋ ምቝራጽን ስብረት ልብን እዩ ዘሎ። ካብ ረሳሕ ዒላ ጽሩይ ማይ ክወጽእ ከም ዘይክእል፥ ካብ ስቡር ልቢ ድማ ማእዛዊ ቃል ምጽባይ ኣይከኣልን እዩ! ተስፋ ዝቘረጸ ሰብ ዝተሓለለ እዩ፤ ቃላት ኣፉ ብጓሂ ስለ ዝዀማስዑ ከኣ ጥዑይ መዝገብ ኣይህልዎን። ስለዚ ንዕኡ ዀነ ንኻልኦት ዝውስኖ ውሳነ ሓሲቡ ዘይኰነስ ተስፋ ቈሪጹ እዩ፤ ኣስተውዒሉ ዘይኰነስ ብጓሂ ተደፊኡ እዩ። ስለዚ ጕሂኻ ከለኻ ግዜ ሂብካ ልብኻ ምጽጋን ደኣ እምበር፥ ኣብ ዘይሓሰብካሎም ጉዳያት ውሳነ ምሃብ ኣይኰነን ዘድልየካ! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት  #ቃል  #ኮፒሊንክ #ኣይትረስዑ

About