@orthodoxsawi11: ☦️ታሪክ ገዳም ደብረሲና ቅዱስ ሚካኤል እምባ❗️ ዓመታዊ ክብረ በዓል ሕዳር 12, 2019 ኣ/ግ ሃይማኖታዊ በዓሉ ብድምቐት ክኽበር እዩ። ☦️ ገዳም ደብረሲና ሚካኤል እምባ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወምበርታ ዝርከብ ታሪካዊን ጥንታዊ ዉቁር ቤተክርስትያን እዩ። ካብ ከተማ መቐለ 59 ኪ/ሜ፣ ካብ ከተማ ሓይቅመስሓል 10 ኪ/ሜ፣ ካብ ከተማ ኣፅቢ ድማ 16 ኪ/ሜ ርሕቀት ኣለዎ። "መንበርታ" ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ኣብቲ ገዳም ተቐሚጦም ለይቲ ነቲ ገዳም እናስርሑ ቀትሪ ድማ መንበሮም ዘርጊሖም ግልጋሎት መንግስቲ ይፍፅሙ ስለዝነበሩ እዩ መንበርታ ዝብል ስያመ መፂኡ። ቅዲ ዲዛይን ላሊበላ እውን ካብ ገዳም ደብረ ሲና ሚካኤል እምባ እዩ ተወሲዱ። ካብ ላሊበላ ዝፍለየሉ ብምብራቕ ኣንፈት እቲ ህንፃ ካብቲ ከውሒ ስለዘይተፈልፈለ እዩ እምበር ትእምርተ መስቀል ምዃኑን ከውሒ እናተፀረበ ዝወፀ ምዃኑን ማዕረ እዩ። ካብኡ ተበጊሶም ድማ እዮም እዚ ቦ "መንበርታ ጌታ " ኢሎም ዝሰምዮዎ። ኣፅቢ ወንበርታ ዝበሃል ዘሎ ድማ ካብኡ ዝተበገሰ እዩ ። ☦️ ታሪካውን ጥንታውን ደብረሲና ቅዱስ ሚካኤል እምባ ካብቶም ኣብ ዓለም ዘደንቁ ካብ ሙሉእ ኾኽሒ (Rock hewan Church) ዝተሃነፁ ጥንታዊ ገዳማት ሓደ እዩ። ☦️ገዳም ደብረሲና ሚካኤል እምባ ብንጉሰ ነገስት ኣብርሃ ወ ኣፅብሃ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን ከምዝተሃነፀን ብጣዕሚ ዘድንቀ ጥበብ ወለድና ዝዓረፎ እፁብ ወድንቅ እዩ። ኣብዚ ገዳም ብ21 ታሕሳስ 338 ዓ/ም ብኣቦና ኣብነ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ከምዝተቀደሰን መዝገበ ታሪክ ይሕብር። ☦️ ሚካኤል እምባ 44 ዓመድታትን 2 ዓምደ ወርቅ ዘለዎ እንትኸውን 44 ታቦት ከም ዘሎን እቶም ዘገልግሉ ድማ 3 ታቦት ናይ ቅዱስ ሚካኤል፣ ቅዱስ ገብርኤልን ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን እዮም። ኣብ ውሽጡ ድማ ሰለስተ ቤተ መቅደስ ኣለዎ። ☦️ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ሚካኤል እምባ ካብ ወርቅን ብሩርን ነሃስን ዝተሰርሑ መሳቅልን ናይ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ሙርኹስን ይርከብዎ። ☦️ ኣብ ዝባን ገዳም ወፂእካ ካብቲ ኮክሒ ዝተሃነፁ 12 ፀበላት ኣለዉ። እቶም 7ተ ሰብ ከይጎድኡ ተባሂሉ ተደፊኖም እዮም። እቶም 5ተ ግን ኣለዉ። እቶም ክልተ ብየማነ ፀጋም እቲ ቤተክርስትያን ይርከቡ፡ እቲ ሓደ ኣብ ዉሽጢ መቅደስ ይርከብ እቶም ክልተ ድማ ካብቲ ቤተክርስትያን ንእሸተይ ርሕቅ ኢሎም ይርከቡ እቲ ሓደ ንመስተ እቲ ሓደ ንማይጸሎት የገልግል። እቲ ማይ ሕብሩ ቆጻል ይመስል ግን ቀዲሕካ ክተዉጸኦ እንተለካ ብጣዕሚ ጽሩይ እዩ። ☦️ ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ሚካኤል እምባ ጥቅምቲ 4 ኣብርሃ ወኣፅብሃ፣ ሕዳር 12 ሚካኤል ሕዳር፣ ታሕሳስ 19 ቅዱስ ገብርኤል ታሕሳስን ሰነ 12 ሚካኤል ዓመታዊ ንግሠ በዓል ብድምቀት ይክበር። [ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል በረከትን ረዲኤትን ምስ ኩለና ይኹን ኣሜን። ] #ሚካኤልእምባ #mikaelemba #ኣፅቢወንበርታ #foryoupage #ሕዳርሚካኤል

𝐎𝐫𝐭𝐡𝐨𝐝𝐨𝐱𝐬𝐚𝐰𝐢🎥 ☦📸
𝐎𝐫𝐭𝐡𝐨𝐝𝐨𝐱𝐬𝐚𝐰𝐢🎥 ☦📸
Open In TikTok:
Region: ET
Thursday 19 November 2026 12:54:51 GMT
230
65
3
31

Music

Download

Comments

tsyonawayan21
ጽዮናዉያን☦🎥 :
ገዳም ሚካኤል እምባ ደብረ ሲና በብዘለክምዎ ይሓልኩም🙏🥰
2026-11-19 12:57:56
0
beri31190
beri :
amen🙏
2026-11-19 14:06:09
0
teme..01
@temesgen...🍻 :
🥰🥰🥰
2026-11-19 13:00:25
0
To see more videos from user @orthodoxsawi11, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About