@bright.hope12: ⛪️ #ገዳም_ሚካኤል_እምባ_ወንበርታ_ትግራይ ━━━━━━━━━━━━━━━━━━ ናይ ትግራይ ስልጣነ፣ ጥበብን ታሪኻዊ ውርስን ዘንጸባርቕ ውቅር ቤተ ክርስቲያን ሚካኤል እምባ! ⛪️ #ታሪኻዊ_ኣመፃፅኣ ገዳም ሚካኤል እምባ ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ፣ ጣብያ ሚካኤል እምባ ቁሸት ገዳም ኣብ ዝበሃል ቦታ ይርከብ። ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዓበይቲ ታሪኻዊ መስሕባት ሓደ እዩ። እዚ ገዳም ኣብ ዘመነ ስልጣነ ኣኽሱም፣ ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን፣ ቅድሚ 338 ዓ/ም ብነገሥታት ኣብርሃ ወኣፅብሃ ከም ዝተሃንፀ ይሕበር፣ ብኣቦና ኣቡነ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ድማ ከም ዝተቐደሰ ይግለፅ። እቲ ኣብ ከውሒ ዝተፈልፈለ ኣደናቒ ኪነ-ህንፅኡ ክሳብ ሎሚ ንብዙሓት ዘደንቕ ታሪኻዊ ውርሲ እዩ። #ፍሉይ_ኪነ_ህንፃን_ጥበብን ገዳም ሚካኤል እምባ ምሉእ ብምሉእ ካብ ፅኑዕ ከውሒ ተፈልፊሉ ዝተሰርሐ፣ 44 ዓምድታት ዘለዎ ፍሉይ ውቅር ቤተ ክርስቲያን እዩ። ብደገኡ ካብ ዋና ከውሒ ተፈልዩ፣ ብሸነኽ ምዕራብ፣ ሰሜንን ደቡብን ብቕርፂ መስቀል ዝተፈልፈለ ኣሰራርሓኡ ፍሉይ ይገብሮ። ውሽጣዊ ክፍሉ ብዝተፈላለዩ ሓረጋት፣ ብናፃ ጠጠው ዝበሉ ዓምድታትን ብስእልታትን ዝማዕረገ እዩ። ቅኔ ማኅሌት፣ ቅድስትን ቤተ መቕደስን እውን ብስርዓት ዝተዛዘሙ ክፍልታት እዮም። #መንፈሳዊ_ሃብትን_ቅዱሳት_ንዋየ_ቅድሳትን🙏 እዚ ቅዱስ ገዳም ጥንታዊ መቓብር ቅዱሳን፣ ንዝሓመሙ ዝፍውስ ማይ ህይወት (ማይ ጸሎት)፣ ከምኡ'ውን ንመፅናዕትን ምርምርን ዝጠቕሙ ንዋየ ቅድሳት ዝሓቖፈ መንፈሳዊ ሃብቲ እዩ። በቢዓመቱ ብዙሓት ወፃእተኛታት ጎብነይቲ፣ ተመራመርትን ምሁራትን ንታሪኹን ኪነ-ህንፅኡን ንምፍላጥ ይመፁ እዮም። #መንገዲ_ኣብፃፅሕኡ ናብ ገዳም ሚካኤል እምባ ንምብጻሕ ክልተ ቀንዲ መንገድታት ኣለዉ። 1️⃣ ካብ መቐለ ተበጊስካ፣ ብኣጉላዕ፣ ብርኪን ሓይቅ መስሓልን ኣቢልካ ናብ ሚካኤል እምባ ምብጻሕ። 2️⃣ ብውቕሮ ኣቢልካ ናብ ኣፅቢ፣ ካብኡ ድማ ናብ ሚካኤል እምባ ምኻድ። ኣብ ጉዕዞኻ ብዙሕ ማሕበረሰባዊ ንጥፈታትን ባህላዊ ኣነባብራን ናይቲ ከባቢ ክትዕዘብ ትኽእል። ኣብ እግሪ ገዳም ሚካኤል እምባ ሜዳ ዕዳጋ ዝበሃል መዕረፊ ቦታ ይርከብ። ኣብ ድሮ ንግሲ ቅዱስ ሚካኤል ኣጋይሽ ዝዓርፉሉን ዝተኣናገዱሉን፣ ኣብ ዋና በዓሉ ድማ ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓታት ዝካየደሉን ቦታ እዩ። ⛪️ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንግሲ ገዳም ሚካኤል እምባ ብዕለት 12 ሕዳርን 12 ሰነን ይኽበር። “ነዚ ተኣምራዊ ገዳም ርእዩ ዘይድመም የለን!” እዚ ገዳም ናይ እምነትና፣ ናይ ስልጣነና፣ ናይ ጥበብናን ናይ ታሪኽናን ዓብዪ ምስክር እዩ። ! ዓመታዊ ክብረ በዓል ገዳም ሚካኤል እምባ 12 ሕዳር 2019 ዓ/ም ብድምቀትን ብመንፈስን ክኽበር እዩ። ነዚ ታሪኻዊ ገዳም ሚካኤል እምባ ብምጉብናይ፣ ታሪኹን መንፈሳዊ ክብሩን ፍለጡ፤ በረኸት ቅዱስ ሚካኤል ድማ ተኻፈሉ! 🙏 ━━━━━━━━━━━━━━━━━━━━ 📌 ካብ መቐለ — 60–62 ኪ.ሜ 📌 ካብ ኣጉላዕ — 25–27 ኪ.ሜ 📌 ካብ ውቕሮ — 35–36 ኪ.ሜ 📌 ካብ ኣጽቢ — 10–12 ኪ.ሜ 📌 ካብ ሓይቆ — 6–8 ኪ.ሜ ━━━━━━━━━━━━━━━━━━━━ ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ ሚካኤል ካባና ኣይፈለ🙏

Wedi Mhrey
Wedi Mhrey
Open In TikTok:
Region: DJ
Friday 20 November 2026 07:41:34 GMT
8900
2437
120
126

Music

Download

Comments

user7257166163abate
abatie :
1212121212121212121212121212121212121212121212
2026-11-23 12:07:04
0
user4299004349168
Tsge :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏121212
2026-11-22 08:04:24
0
user88980538953837
ተመስገን😘 :
ኣፍደገ ቤትካ ንምስዓም የብቅዐና ቁዱስ ሚካኤል ኣቦይ 🙏🙏🙏
2026-11-20 15:42:28
1
ftftrjcjdhfhch
የናትዋ ምርኮኛ ❤️🥰 :
ቅዱስ ሚካኤል ኣባቴ [Pray][Pray][Pray]
2026-11-22 20:15:39
1
mebrhit1212122
user8121807927502 :
121212121212121212121212121212121212
2026-11-21 21:07:13
1
user671171997452
ዘይትዓርብ ፀሓይ :
ቅድስ ሚካኤል ኣቦይ
2026-11-21 15:17:10
1
selu21276
Selamkasi :
ቅድስ ሚካኤል ኣባቴ
2026-11-20 14:07:47
1
user96656325533363
➽ሕልናዊት🦋🫵 :
ኣባቴ ጠብቀኝ//12//🙏🥺
2026-11-21 12:43:12
1
user2082012532992
abrha@123 :
ቅዱስ ሚካኤል አቦይ
2026-11-21 07:12:57
1
user5524773722597
ንኹሉ ግዘ ኣለው🙏 :
ቅዱስ ሚኻኤል ኣባይ🙏✝️
2026-11-20 19:44:12
1
mili175987
mili :
አሰይ ዓድይ መክሰበይ❤️❤️
2026-11-21 14:21:58
1
mikigebru1
Miki gebru :
121212🙏🙏
2026-11-22 02:58:01
1
lwamlul
lwamlul695 :
temesgen yene mikael
2026-11-21 12:57:07
1
user3909315912628
ሲሱ የቅዱስ ገብርኤል ልጅ :
12ኣባቴ🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-11-20 22:59:39
1
temesgenamlakey506
ፅራኣዊት ዕባይ ማጅክ ሰፈር🇻🇳🇻🇳👊 :
አሜን//3//👏👏👏👏
2026-11-20 15:38:20
1
ertgfy
ገቹ ገቹ :
12121212 🙏🙏🙏👌
2026-11-21 04:17:34
1
mengstu.haylay8
Teame Haylay :
ቅዱስ ሚካኤል
2026-11-20 16:16:30
1
mehari.kahsay58
meharikahsay00 :
ቅዱስ ሚክኤል ኣባቴ 🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-11-20 16:06:44
1
tewlda4
Tewlda :
2026-11-21 05:09:11
1
user5394302453165
ዕባይ ዴስኣ :
🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏🙏
2026-11-20 21:03:53
1
gal.tigray2
Gal tigray🥰💊🥰 :
ቅዱሰ ሚካኤል ኣቦይ ሰደትና ኣሕፂሩ ናብ ኣፍደገ ቤትካ ንምሰዓም የብቀዐና ባዓል ቡዙሕ ውዕለታይ[Applause][Applause]😌❶➋[Applause]
2026-11-20 16:29:09
1
yeamenargawilij
Ye Amenargawi Lij :
12 ኣባቴ
2026-11-20 13:58:50
1
user7954722865073
Mili Mili 💖💖💖💖💖💖💖💖 :
2026-11-20 17:00:15
1
medianite.teare
medhanite teare :
12,1212121212121212121212
2026-11-20 12:25:54
1
user2770582075337
ሜሪ ጋል ኣፅቢ :
ኣፍደገ ቤትካ ንምስዓም የብቀዐና🤲🙏🙏🙏🙏
2026-11-20 16:50:28
1
To see more videos from user @bright.hope12, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About