@kidanzelalem: ክልተ በበይኑ መወዳእታ ዘለወን ናይ ህይወት ጕዕዞ ኣብ ቅድሜኻ ኣለዋ—ናይ ልምዓትን ናይ ጥፍኣትን፡ ናይ ምዕባለን ናይ ውድቀትን፡ ናይ ጥበብን ናይ ዕሽነትን! ፈሊጥካ ዲኻ ተደናጊርካ፡ ብዕሽነት ድዩ ኣስተውዒልካ—ኣብዘን ክልተ ጫፋት ኣሎኻ። እቲ ዝገርም መወዳእታኻ ኣብዘን ክልተ ምርጫታት እተመርኰሰ ምዃኑ እዩ! እምበኣር ደው ኢልካ ሕሰብ እሞ ናበይ ከም እትኸይድን ነየናይ ከም እትመርጽን ወስን። እቲ ሎሚ እትውስኖ ንሱ ምዃኑ ምስሊ ጽባሕካ ኣስተብህል። ይመስለና እዩ ነገራት ብኣጋጣሚ ዝፍጠሩ፡ ኵሉ እቲ ኣብ ህይወትና ዘጋጥም ውዱእ ጽሑፍ ምዃኑ! እንተዀነ ግን ሓደ ንጥፍኣት ሓደ ንልምዓት፡ ነቲ ሓደ ንፍልጠት ነቲ ካልእ ንዕሽነት እተጻሕፈሉ መጽሓፍ የለን! ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብገዛእ ምርጫኡ እዩ ምስሊ መጻኢኡ ዝቐብእ! ሰኸን ኢልካ ከተሕልፋ ዝነበረካ ሕርቃን ሕሱማት ቃላትካ ልቢ ሰብ ዝሰበሩ፥ ስለ ዘይተዓገስካ ደኣ እምበር ከምኡ ንኽትብል ስለ እተጻሕፈልካ ኣይነበረን! ስለዚ ክትቅይሮ ንእትኽእል ኣብ ምርጫኻ ንዘሎ ምትዕርራይ "መለኮታዊ ጽሑፍ" ጌርካ ኣይትእመኖ! "እንተ ደልየ ከምዚ እንተ ደልየ እውን ከምቲ ክኸውን ኣብ ምርጫይ፡ ኣባይ፡ ኣብ ኣተሓሳስባይ እዩ ዘሎ" ኢልካ ነቲ ክውንነት ተቐበል—ምኽንያቱ እሱ ስለ ዝዀነ እቲ ሓቂ! ኮፍ ኢልካ ኣብ ገዛ ክትውዕልን ወጺእካ ተዛዊርካ ክትምለስን ኣብ ፍቓድካን ኣብ ምርጫኻን እዮም ዘለዉ፤ ትጥቀመሎም ዶ ወይሲ ንትህኪት ከም ጽሕፍቶ ትቕበሎ እዩ እቲ ሕቶ! ብዙሕ ግዜ ጣዕሳ ዝመጽእ ኣብቲ ረጊእካ ደው ኢልካ ብዘይ ምሕሳብ እተገብረ ውሳነን ድኽመትን እዩ። ወዲ ሰብ ብዙሕ ናይ ምግባር ዓቕምን ክእለትን ዘለዎ እዩ—ዓቕሚ ከም ዘለዎን ኣብ ኢዱ ምዃኑን እንተ ኣሚኑ! ስለዚ ንምኽኣል ክትነብር መገድኻ ኣለሊ—መገዲ ጥበብ ወይ ዕሽነት፡ መገዲ ህንጸት ወይ ውድቀት! እዚኣተን ኣብታ ደው ኢልካ ሓሲብካ መገድኻ ምልላይ እየን ዝርከባ! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ምርጫ #ንቕሓት #ኮፒሊንክ

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Sunday 22 November 2026 12:01:00 GMT
5977
414
10
57

Music

Download

Comments

robelmeaso
Robel meahsoq8 :
ya man
2026-11-23 15:38:33
1
fisahaa23
Sami. :
ኣብ መንገዲ ጥበብ ፍልጠት ኣሎ ! ኣብ መንደዲ ዕሽነት ከኣ ጥፍኣት ኣሎ ! ፈጣሪ ጥበብ ብልሓት ዓድለና መንገዲ የማን ምርሓና !
2026-11-22 12:30:37
3
nugazo
🖤ዉሽጦ ሕሩር ደጊኦ ፍቕሪ (🦋)🌊🙏 :
Thanks bro wey sis 👑👑
2026-11-22 18:58:11
1
haftu.gebrekiros0
haftugebrekiros7 :
👌👌👌
2026-11-23 17:06:35
1
munakidane2
munakidane2 :
ትክክል
2026-11-22 16:49:07
1
gere86982
taeiger :
🥰🥰🥰
2026-11-23 10:57:00
1
2_silent_soul_16_12
ቅንዕና ስንቂ ናይ ሕልና👌 :
💯✅
2026-11-23 04:48:48
1
emenginnmen0
ቁሱን ብፈጣሪኡ :
💯💯💯
2026-11-22 21:10:53
1
hlawe.gebremeskel
Hlawe Gebremeskel :
👍👍
2026-11-22 13:45:36
1
.2341722
Mili Gali salika 23 :
🥰🥰🥰
2026-11-22 12:53:35
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About