@kidanzelalem: ነታ ሓንቲ ድምጺ... (ብሰረት) ኣብ ዙርያኻ ብዙሕ ድምጽታት ክህሉ ይኽእል እዩ፤ ገሊኡ ድምጺ እግሪ-እግርኻ ዝስዕብ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ኣእዛንካ ነታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ክሰምዓ፡ ኣብታ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ከድህባ ግበረን! ኣብቲ ብዙሕ ጫውጫው ከበሮ እዝኒ ክቐድድ ዝደሊ ድምጽታት ዘለዎ፥ ናብ ዕላማኻ ብምድሃብ ጥራይ ንቕድሚት እንተ ዘይኣስተብሂልካ፡ እቲ ድምጺ ንድሕሪት መሊሱ እሱር ናይቲ ጫውጫው ክገብረካ ይኽእል እዩ። "ከልቢ ይነብሕ እቲ ገመል ግን ጕዕዞኡ ይቕጽል" ከም ዝበሃል፥ ኣቓልቦኻ በቲ ጫውጫውታ ተሳሒቡ ኣድህቦኻ ክስረቕ ዘይኰነስ፥ ነታ ኣብ ውሽጥኻ ዘላ ሓንቲ ድምጺ ጥራይ ብምስማዕ ንስኻ እውን ልክዕ ከምቲ ገመል ጕዕዞኻ ቀጽል! ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ታዕታዕን ገልጠምጠምን ዕድል ስለ እንህቦ ኢና ናይ ፍርሒ እሱራት እንኸውን። ጸጥታ ዝበሃል የለን—ድምጺ ካልኦት ዘይብሉ ኣከባቢ እውን የለን፤ ንስኻ ኢኻ ነቲ ድምጺ ንዘይምስማዕ ክትመርጽ ዘለካ! ልክዕ ከምቲ "ክገብር እየ" እንተ ኢልካ ክትገብር እትኽእል፡ እዚ እውን "ንድምጸይ ጥራይ እየ ክሰምዕ ዝደሊ" ኢልካ እንተ ወሲንካ በታ ሓንቲ ድምጺ ዘይትኸደሉ ምኽንያት የለን። ኵሎም እቶም ኣብ ዙርያኻ ዘለዉ ሰባት ንድሕሪት ዝጐቶም ስለ ዘይብሎም ኣይኰኑን ንቕድሚት ዝስጕሙ፤ ንድምጺ ካልኦት ስለ ዝሰዓሩን ንድምጺ ውሽጦም ጥራይ ስለ ዝተኣዘዙን እዮም ጕዕዞኦም ከቋርጹ ዘይከኣሉ። ኵሉ ንድሕሪት ክጐቶ ዝደሊ ድምጺ ኣለዎ—ግን ስለ ዝሰዓሮ እዩ ንድሕሪት ዘይተጐትተ! ምኽንያቱ ኣድህቦኡ ንቕድሚት ናብቲ ናቱ ድምጺ ጥራይ ስለ ዝገበረ። ስለዚ ንስኻ እውን ነታ ሓንቲ ድምጺ ሒዝካ ንቕድሚት ኣድህብ—ቀባሕባሕ ኣይትበል! -ዘፍጥረት #ሰረት #ትምህርቲ_ህይወት #ዕላማ #ንቕሓት #ኮፒሊንክ

ሰረት
ሰረት
Open In TikTok:
Region: GB
Monday 23 November 2026 07:40:16 GMT
7618
682
18
85

Music

Download

Comments

robelmeaso
Robel meahsoq8 :
yaman🥰🥰🥰🥰
2026-11-23 11:07:55
2
berihu.tesfay49
Berihu Tesfay :
yaa
2026-11-24 07:16:33
1
user19708299338178
ራያ ራዩማ :
✍🏽
2026-11-23 18:03:15
1
user4679687357463
haftom 1212 :
👍👍👍
2026-11-24 04:26:33
1
aykbxi
ቃዛዊ :
🥰🥰🥰
2026-11-24 06:08:01
1
asebrhanu
Ase.B 11:59:59 ⏰ :
[Heartwarming][Heartwarming]
2026-11-23 08:02:27
1
jon36374
jon :
🥰🥰🥰
2026-11-23 15:43:42
1
berhaneyemane376
BREXS SHOW💊🔐 :
🥰🥰🥰
2026-11-23 16:59:16
1
habuha78
ℎ𝑎𝑏𝑢 5🙏12🙏14🙏 :
❤️❤️❤️
2026-11-23 07:45:00
1
user6101617710430
ጡዑም እዝጊ :
👍👍👍
2026-11-23 08:08:17
1
temietesfie
ABIEL :
👑👑👑
2026-11-23 14:01:23
1
teklitdesta10
teklitdesta10 :
🥰🥰🥰🥰
2026-11-23 11:49:45
1
abrehaley.gebre.m
Abrehaley Gebre Meskel :
🥰🥰🥰
2026-11-24 08:49:23
1
ambesa12movie
AMBESA MOVIES :
[Gesture OK][Gesture OK][Gesture OK]
2026-11-24 15:01:05
1
dadmom688
Hagos👫👫👫👫👫👫 :
🥰🥰🥰
2026-11-23 18:12:05
1
user13531596225637
desu :
[Red heart][Red heart][Red heart][Red heart][Red heart][Red heart]
2026-11-24 07:36:04
1
.s70342
ቦራ :
[Red heart][Red heart][Red heart][Red heart][Red heart]
2026-11-23 13:00:41
1
To see more videos from user @kidanzelalem, please go to the Tikwm homepage.

Other Videos


About